ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ረቒቕ ሕጊ ኤስ3199 ናብ ባይቶ አመሪካ ተወሲዱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኢትዮጵያ ሰላምን ዲሞክራሲን ንምድጋፍ ዝዓለመ ረቂቅ ሕጊ፡ ብኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰኔት ኣሜሪካ ትማሊ ድሕሪ ምጽዳቑ ሎሚ ናብ ሃገራዊ ባይቶ ኣሜሪካ ተመሪሑ።
እዚ፡ ኤስ3199 ተባሂሉ ዝጽዋዕ ረቂቕ ሕጊ 'The Ethiopia Peace and Democracy Promotion Act' ብዝብል ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ካልኦት ኣብ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ ተሳተፍቲ ዝኾኑ ኣካላትን ተሪር ማዕቀብ ንምንባር ዝተዳለወ እዩ።
ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ሰኔት ኣሜሪካ፡ ትማሊ ሰሉስ 20 መጋቢት 2014 ዓ.ም ነቲ ረቂቕ ሕጊ ኣመልኪቱ ዘተ ዘካየደ ኾይኑ፡ ናብ ምሉእ ሰኔት ኣሕሊፍዎ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ነዚ ረቂቕ ሕጊ ዘተኣታተወ፡ ሴናተር ኒው ጀርሲ ዝኾነ ሮበርት መንደዝ እዩ።
ኤስ 3199፡ ብ 25 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ናብቲ ሰኔት ቀሪቡ እዩ ናብ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ተመሪሑ፣ ኣብኡ ዘተ ምስ ተኻየደሉ ድማ ናብቲ ቀጻሊ መስርሕ ሓሊፉ ዘሎ።
እቲ ረቂቕ ሕጊ ቅድሚ ኣዋርሕ ካብ ዝረቐቐሉ እዋን፡ ኲናት ኢትዮጵያ መልክዑ ቀይሩ ይቕጽል ከም ዘሎ ኣባል እቲ ባይቶ ጂም ሪሽ ገሊጹ።
እቲ ረቂቕ ሕጊ፡ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ንዝፈጸምዎ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላው ተሓተትቲ ንምግባር ከም ዝጠቅም ጂም ሪሽ ኣስሚርሉ።
ብተወሳኺ፡ ኣብዚ ኲናት ሰፊሕ ተሳትፎ ኣብ ልዕሊ ዝገበሩ ናይ ደገ ሃገራት'ውን ከም ዘተኵር ተገሊጹ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝኣወጀ ሰብኣዊ ምቁራጽ ተጻብኦታት ጽቡቅ ለውጢ ምዃኑ ዝጠቐሰ እቲ ኣባል ቤት ምኽሪ ኣብ ቀረብ ሰብኣዊ ረድኤት ቅንጣብ ትዅን ለውጢ ከም ዘይተረኽበ ገሊጹ።
ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ሕዚ'ውን ኲናት ደው ናይ ምባል ስጕምቲ ኣይወሰዱን፣ ናብ ዘተ'ውን ክመጽኡ ኣይፈቐዱን፣ ሃገራዊ ዕርቂ ኸኣ መንገዱ ነዊሕ እዩ - ኢሉ።
"እዚ ረቂቕ ሕጊ፡ ኮንግረስ ክሓቶም ዝደሊ ኣካላት ብዝምልከትን እቲ ጐንጺ ንምፍታሕ ዘለዎ ተሪር ቅዋም ዘንጸባርቕን እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Hermela Aregawi
እዚ ረቂቕ ሕጊ፡ ናብ ምሉእ ሰኔት ቀሪቡ ካልእ ዙርያ ዘተ ክካየደሉ ትጽቢት ይግበር፤ እቲ ሰኔት ኣጽዲቑ ናብ ተወከልቲ ህዝቢ ሰዲድዎ ኣሎ።
ኣብ መወዳእታ፡ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ክታም ተፈሪሙ ሕጊ ኰይኑ ከም ዝጸድቕ ይእመን።
ብተመሳሳሊ፡ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ካልእ ረቂቕ ሕጊ ኣብ ቤት ምኽሪ ኣሜሪካ ምትእትታዉ ዝዝከር እዩ።
እዚ ኤችአር 6600 ዝበሃል ረቂቕ ሕጊ፡ ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ምስቲ ኣብ ትግራይ ዝተወለዐ ጐንጺ ተኣሳሲሩ ተሓታትነት ከስፍን ተባሂሉ ዝተኣመነሉ እዩ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣትሪሩ ዝቃወሞም እዞም ረቀቕቲ ሕግታት፡ ብፕረዚደንት ጆ ባይደን ተፈሪሞም ሕጊ ኰይኖም እንተጸዲቘም ኣብ ጽላታት ድሕነት፡ ፋይናንስ/ኢንቨስትመንት፡ ኢሚግሬሽንን ካልኦት ጉዳያትን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራን ማዕቀብ ክግበር እዩ።
ረቂቅ ሕግ ኤችአር 6600 ብ01 የካቲት 2014 ዓ.ም. ኣብ ተወከልቲ ህዝቢ ኣሜሪካ ቀሪቡ ዝነበረ ኰይኑ፡ ናብ ጉዳያት ወጻኢ፡ ፍትሒ፡ ፋይናንስን ኣገልግሎት ምክልኻል ሓይልታትን ተመሪሑ ኣሎ።
ኤስ 3199 ረቂቅ ሕጊ እንታይ ትሕዝቶ እዩ ዘለዎ?
እዚ ረቂቕ ሕጊ፡ ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ህንጸት ዲሞክራስን ሰላምን፡ ምኽባር ሰብኣዊ መሰላትን ኣጥቢቓ ከም እትድግፍ የመልክት።
ብተወሳኺ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ፍታሕ ክረክብ፡ ኣሜሪካ ከም እትደሊ ይገልጽ።

ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም፡ ምርግጋእን ህንጸት ዲሞክራስን ንምስፋን ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ዕንቅፋት ኣብ ልዕሊ ዝዀኑ ውልቀሰባት፣ ጕዕዞን ምንቅስቓስ ንብረትን እገዳን ዘንብር ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ርእሲኡ፡ ኣሜሪካ ናብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ኣጽዋር ውግእ ክሽየጥ ይዅን ክወሃብ ኣይክትፈቅድን እያ።
ኣብ ኣሜሪካ፡ "Better Utilization of Investments Leading to Development Act of 2018" ብዝብል ዝፍለጥ፡ ነቲ [ኣሜሪካ] ኣብ ኢትዮጵያ ንዝካየዱ ፕሮጀክትታት እትገብሮ ደገፋት'ውን ደው ዘብል እዩ።
ረቂቕ ሕጊ ኤስ3199 እውን ልክዕ ከም ኤችአር 6600፡ ኣሜሪካ ንኢትዮጵያን ኤርትራን እትገብሮም ናይ ድሕነትን ጸጥታን ድጋፍ ክቋረጽ ይሓትት።
ብተወሳኺ፡ ነዘን ክልተ ሃገራት ዝወሃብ ልቓሕ፣ ናይ ልቓሕ ምንዋሕን ካልኦት ቴክኒካዊ ደገፋትን ከይግበር ድምጻን ተሰማዕነታን ተጠቒማ ክትክልክል የኽእላ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ነዞም ሕግታት፡ እቲ ኲናት ብሰላምን ብዘተን ከይውዳእ ዕንቅፋት ዝኸውንን፡ ከምኡ'ውን ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኢድ ኣእታውነት እዩ ብምባል'ዩ ኣትሪሩ ዝቃወሞም።
ከምኡ'ውን፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ግዝኣታት ኣሜሪካ እዞም ሕግታት ከይጸድቁ፣ ብኻልእ ገጽ ድማ ቀልጢፎም ክጸድቁ ዝጽውዑ ሰላማዊ ሰልፍታትን ምንቅስቓሳትን ይካየዱ ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







