ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ዴቪድ ሳተርፊልድ ምስ ሰብ መዚ ኢትዮጵያ እንታይ ተዘራሪቡ?

ፍሉይ ልኡኽ ዴቪድ ሳተርፊልድ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ደመቀ መኮንን ከምኡ'ውንፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን

ምንጪ ስእሊ, Min of Foreign Affairi of ETH

መግለጺ ስእሊ, ፍሉይ ልኡኽ ዴቪድ ሳተርፊልድ፣ ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ደመቀ መኮንን ከምኡ'ውን ፈጻሚት ጉዳይ ኣመሪካ ትሬሲ ኣን ጃኮብሰን

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣምባሳደር ዴቪድ ሳተርፊልድ ቀንዲ ትኹረት ሃገሩ ብሰንኪ ኲናት ናብ ዝተሃሰየት ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝኾነ ተዛሪቡ።

እቲ ኣምባሳደር ኣብ ዝሓለፉ ክልተ መዓልታት ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ኮይኑ ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ቀንዲ ትኹረት ምምሕዳር ጆ ባይደን ብሰንኪ ኲናት ብዙሕ ጸገማት ንዘጋጠማ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረድኤት ምብጻሕ ከም ዝኾነ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

"ካብዚ ንላዕሊ ትኹረት ክረክብ ዝግብኦ ጉዳይ የለን . . . እዚ ዕላማ [ሰብኣዊ ረድኤት ምቕራብ] ክሳኻዕ ኢና [ጻዕሪ] ንገብር ዘለና" ኢሉ።

እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮ ጻንሒት ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝኾነ ኦሊሴንጎን ኦባሳንጆን ከምኡ'ውን ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻእን ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ተዘራሪቡ።

እቲ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ፡ መንግስቲ ነቲ ክሰናኸል ዝጸንሐ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ናብ ትግራይ ንምእታው ድልውነት ኣለዎ፤ ይኹን'ምበር ብሰንኪ ሓይልታት ትግራይ ምብጻሕ ሰብኣዊ ረድኤት ምትዕንቓፍ ይገጥሞ ኣሎ ክብል ከም ዝተዛረበ ቤት ጽሕፈት እቲ ሚኒስትሪ ብፌስቡክ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ንዝርከብ ንሕብረተሰብ እቲ ክልል ዝተላእኸን ሰብኣዊ ረድኤት ክሓልፍ ከም ዘይክኣለ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ንሮይተርስ ተዛሪቡ።

ፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰናብቲ ኣብ ውሽጢ ክልል ዓፋር ንዝርከቡ ሓገዝ ዘድልዮም ሰባት ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና ቃፍላይ መካይን ናብቲ ዝተበገሳሉ ቦታ እንከይበጽሓ ኣብቲ ክልል ጸገም ከም ዘጋጠመንን ምስ ጽዕነተን ናብ ሰመራ ከም ዝተመለሳን ንቢቢሲ ገሊጹ ነይሩ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብወገኑ ምስ ካልኦት ትካላት ሰብኣዊ ረድኤት ብምኻን ናብ ትግራይ ዝልኣኸን ሰብኣዊ ረድኤት ዝጽዓና መካይን ብሓይልታት ትግራይ ብዝፈጸሙዎ መጥቃዕቲ ናብ ዓፋር ክምለሳ ተገዲደን ኢሉ።

ከም ጸብጻብ ውደብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣስታት 10 ሚሊዮን ህዝቢ ሰብኣዊ ረድኤት ይደሊ።

ኤችኣር6600ን ኤስ3199

ኣቶ ደመቀ መኮንን ምስቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ዝነበሮ ዝርርብ ኣመሪካ ተርቅቖም ዘላ ኤችኣር6600ን ኤስ3199 ዝተባህሉ ረቒቕ ሕጋጋት ንታሪኻዊ ርክብ ክልቲአን ሃገራት ዘንጸባርቑ ኣይኮኑን ኢሉ።

እቶም ሕጋጋት ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ክንዲ ህንጸት ሰላምን ዴሞክራስን ንዜጋታት ዝጎድኡ ስለ ዝኾኑ መንግስቲ ኣመሪካ ክነጽጎም እዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ቤት ጽሕፈቱ ገሊጹ።

እዚኦም፡ ኣመሪካ ምስቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ'ውን ንዝበጽሑ በደላት ተሓተትቲ'ዮም ዝበለቶም ውልቀሰባት እገዳ ንምንባር ዘኽእሉዋ ረቒቕ ሕጋጋት እዮም።

እቶም ረቒቕ ሕጋጋት እንተጸዲቖም ድማ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ጉዳያት ድሕነት፣ ፋይናንስ ወይ ወፍሪ ከምኡ'ውን ኢሚግሬሽን ክልቲአን ሃገራትን ውልቀሰባትን እገዳ ክትገብር እያ።

ኣመሪካ፡ ድሕሪ'ቲ 16 ኣዋርሕ ዘቑጸረ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ዝልሓመን ኲናት ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ፍሉይ ልኡኽ ሰይማ ነቲ ጉዳይ ክትከታተሎ ዝጸንሐት ኮይና ምቁራጽ ተጻብኦ ክግበርን ቲ ኲናት ብዘተ ክውዳእን ጸቕጢ ክትገብር ጸኒሓ።

ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ልዕሊ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ብፍላይ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ስጉምታት ክተወስድ እንከላ፡ በዚ ምኽንያት ክልቲአን ሃገራት ስጉምቲ ኣመሪካ ግቡእነት የብሉን ብምባል ክቃወምኦ ጸኒሕነ ኣለዋ።