'ኤች-ኣር 6600'፡ ኲናት ደው ዘብል ዶ ወይስ ንኢትዮጵያን ኤርትራን ዝጎድእ ሕጊ?

HR 6600 Bill

ምንጪ ስእሊ, congress.gov

ኣባላት ባይቶ ኣመሪካ፡ ምምሕዳር ጆ ባይደን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ፣ ኤርትራን ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ተሓተትቲ እዮም ኣብ ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት ማዕቀብ ክገብር ዘኽእል ረቒቕ ሕጊ ኣውጺኦም እዮም፡፡

እቲ ረቒቕ ሕጊ ተግባራዊ እንተኾይኑ ተሳተፍቲ እቲ ኲናት ተገዲዶም እውን እንተኾነ ናብ ድርድር ክመጹ እዮም ዝብሉ ኣለዉ፡፡ ብኣንጻሩ ፕረዚደንት ኣመሪካ ነቲ ረቒቕ እንድሕር ኣጽዲቕዎ ፡ ተራ ዜጋ ሰሪሑ ከይኣቱን በሊዑ ከይሓድርን ዝገብር ጸቕጢ ከሕድር እዩ ኢሎም ዝኣምኑ እውን ኣለዉ፡፡

ትሕዝቶ እቲ ረቒቕ ሕጊ እንታይ እዩ?

ፕረዚደንት ባይደን ነቲ ሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ብትሪ ዝቃወመኦ ዘለዋ ረቒቕ ሕጊ እንተዳኣ አጽዲቕዎ፡ ኣመሪካ ኣብ ናይ ክልቲአን ሃገራት ናይ ድሕነት፣ ፋይናንስ (ኢንቨስትመንት)ን ጉዳያት ኢሚግሬሽንን ሓድሽ ማዕቀብ ክተንብር እያ፡፡

እቲ ‘ ሕጊ ህድኣት፣ ሰላምን ዲሞክራስን ኢትዮጵያ’ ብዝብል ርእሲ ዝቐረበ ረቒቕ ሕጊ፡ እቲ ኣመሪካ ንትካላት ድሕነትን ጸጥታን ኢትዮጵያን ኤርትራን እትገብሮ ሓገዝ ክድረት ዝገብር እዩ፡፡

እቲ ረቒቕ እንተጸዲቑ፡ ኣመሪካ ተሰማዕነታን ድምጺ ናይ ምሃብ መሰላን ተጠቒማ፡ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሓገዝ ወይ ልቓሕ ከይወሃበን ከምኡ እውን ናይ ልቓሕ መኽፈሊ እዋን ናይ ምንዋሕ ዕድልን ቴክኒካዊ ሓገዛትን ከይረኽባ ክትሰርሕ ዝሓትት እዩ፡፡

እዞም ዝተጠቐሱ ጥራሕ እንተይኮነስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ምርግጋእን ዲሞክራስያዊ ስርዓትን ከይህሉ ምኽንያት ኮይኖም ዝበሃሉ ውልቀ ሰባት እውን ናይ ንብረትን ቪዛን እገዳ ክግበረሎም እዩ፡፡

‘‘ንኢትጵያውያን ዝጎድእ ሓደገኛ ረቒቕ ሕጊ እዩ’’

ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ/ር) እዚ ረቒቕ ንሃገር ሓደገኛ ስለዝኾነ ሕጊ ኮይኑ ክወጽእ የብሉን እዩ ዝብል፡፡

ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ዝነብር ብርሃኑ (ዶ/ር) ፡ ናይቲ ኤችኣር 6600 ብደረጃ ሃገር ዘስቦ ጉድኣት ኣመልኪቱ ሓበሬታ ዝህብ ጌትፋክት ኣባል እዩ፡፡

ጌትፋክት መበገሲ ምኽንያት ኲናት ትግራይ ህወሓት እዩ ኢሉ እዩ ዝኣምን፡፡

ዋላኳ ኣርእስቲ ናይቲ ረቒቕ ሕጊ ‘ምስፋን ሰላምን ምህናጽ ዲሞክራስን’ ዝብል እንተኾነ ‘‘ጠቕላላ ትሕትኡ ግን ካብዚ ዝተፈለየ እዩ’’ ክብል ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ/ር) ይምጉት፡፡

‘‘ብሓፈሻ ንኢትዮጵያውያን ዝጎድእ ረቒቕ ሕጊ ስለዝኾነ ክጸድቕ የብሉን’’ ይብል፡፡

‘‘ብሱሩ እቲ ረቒቕ ሕጊ ደንጉዩ እዩ’’

እዚ ረቒቕ ሕጊ ‘‘ብሱሩ እውን ደንጉዩ እዩ’’ ሕጊ ኮይኑ እውን ክወጽእ ኣለዎ እትብል ድማ መዓዛ ግደይ እያ፡፡

ተመራማሪትን ተሓላቒት ሰብኣዊ መሰላትን መዓዛ ግደይ ምስ ኦምና ትግራይ እያ እትሰርሕ፤ ኦምና ምጅማር ኲናት ትግራይ ስዒቡ ዝተመስረተ ትካል እዩ፡፡

ንኵናት ትግራይ ብምቅዋምሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ

ምንጪ ስእሊ, Agazi Yihidego

መግለጺ ስእሊ, ንኵናት ትግራይ ብምቅዋምሰልፊ ተቓውሞ ዘካየዱ ኣብ ኣሜሪካ ዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ

ኣብዚ ኲናት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ‘‘ገበን ዘርኢ ምጽናት’’ ተፈጺሙ እዩ ኢሉ ዝኣምን ኦምና፡ ኣብ ምምኻርን ቁጠባዊ ህንጸትን ተጋሩ እዩ ዝሰርሕ፡፡

‘‘እቲ ረቒቕ ሕጊ ብሱሩ ደንጉዩ እዩ፡፡ እቲ ኲናት ደው ክብል፣ መንግስቲ ፌደራልን መላፍንቱን ዝፍጽመዎ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰል ደው ከብሉን እዚ ሕጊ ከገድዶም እዩ’’ ትብል መዓዛ፡፡

ሃገራዊ ጉድኣት

ብርሃኑ ታፈሰ (ዶ/ር) እቲ ረቒቕ ሕጊ ነቲ ኲናት ደው ናይ ምባል ዕላማ ዘዐውት ኣይኮነን ይብል፡፡

‘‘ኣብ ቁጠባ ኢትዮጵያ ማዕቀብ ምግባር ሰላም ከምጽእ እዩ ኢልካ ምሕሳብ ዘይኸውን እዩ፡፡ እቲ ጸገም ካልእ እዩ፤ መፍትሒ ኢሎም ዘቕረብዎ ድማ ካልእ’’ ይብል፡፡

ንኣብነት ይብል ብርሃኑ (ዶ/ር) ‘‘እቲ ረቒቕ ሕጊ ኢትዮጵያ ብመዳይ ድሕነት ምስ ኣመሪካ ኣብ ዘለዋ ምትእስሳር ክልከላ ዝገብር እዩ፡፡ ኢትዮጵያ ኣብቲ ብዙሕ ስግኣታት ድሕነት ዘለዎ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ናይ ምኽባር ተራ እናተጻወተት ዝጸንሐት ሃገር እያ፡፡ እዚ ሓገዝ ተቛሪጹ ማለት፡ እቲ ዞባ ሰላም ክስእን እዩ ዝገብር’’ ይብል፡፡

እቲ ረቒቕ ኣዋጅ ኢትዮጵያ ህንጸት መሰረተ ልምዓት ከይተሳልጥ ዝኽልክል እንተኾይኑ እቲ ተጎዳኢ ተራ ዜጋ እምበር መንግስቲ ኣይኮነን ክብል የምጉት፡፡

ብተወሳኺ ኢትዮጵያ ኣብ ፖሊሲኣ ለውጢ ብምግባር ኩባንያታት ወጻኢ ብዝተፈላለዩ ዘፈራት ናብ ዕዳጋኣ ክኣትዉ ምፍቃዳ ብምዝኽኻር፡ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘንብሮ ናይ ኢንቨስትመንት ገደብ ኣብታ ሃገር ናይ ነዊሕ እዋን ጉድኣት ዘብጽሕ እዩ ይብል ብርሃኑ (ዶ/ር)፡፡

ነቲ ረቂቕ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ

ምንጪ ስእሊ, AEPAC/FB

መግለጺ ስእሊ, ነቲ ረቂቕ ሕጊ ብምቅዋም ኣብ ኣሜሪካ ዝተኻየደ ሰልፊ

‘ኣብ ኣመሪካ እንነብር ንመንግስቲ ትሕግዙ ኣለኹም ብምባል ንኢትዮጵያ ሓገዝ ከይንገብር ዝኽልክል ሕጊ እዩ፡፡ ኢሚግሬሽን ብዝምከት እውን፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያውያን ካብ ሃገር ናይ ምውጻእ መሰል ኣሉታዊ ጸቕጢ ኣለዎ’ ክብል እውን ይውስኽ፡፡

መዓዛ ብወገና፡ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብታ ሃገር ጉድኣት ዘስዕብ ዘይኮነስ ኣብ ‘‘ውልቀ መላኽን ብከቢድ ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝሕተት መንግስትን እዩ’’ ትብል፡፡

‘‘ንሃገር ዝሓስብን ዝጭነቕን፡ ኣብ ልዕሊ ዜጋታት ግፍዒ ክፍጸም ኣይፈቅድን፡፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ኣሉታዊ ጸቕጢ ዝፈጽር ዘሎ ናይ መንግስቲ ፖሊሲ እምበር እቲ ኲናት ደው ክብል ዘገድድ ናይ ወጻኢ ሃገር ሕጊ ኣይኮነን’’ ክትብል እውን ትውስኽ፡፡

ብተወሳኺ ‘‘ዝርዝር እቲ ሕጊ ዝምልከት፡ ቀንዲ ትኹረቱ ኣብ መንግስትን ምስቲ ኲናት ተተሓሒዙ ብዝተፈጸሙ ጥሕሰታት ዝሕተቱ ውልቀ ሰባትን እዩ፡፡ ስለዚ እቲ ረቒቕ ሕጊ ኣብታ ሃገር ካብ ዘስዕቦ ጉድኣት ብዝበለጸ ንመንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን እዩ ተሓተትቲ ዝገብር’’ ትብል፡፡

‘‘ኢትዮጵያ እትረኽቦ ዘላ ልቓሕን ሓገዝን ነቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኲናት መፈጸሚ እዩ ዝውዕል ዘሎ’’ እትብል መዓዛ፡ እቲ ኲናት ደው ክሳብ ዘይበለ እቲ ሕጊ ኢትዮጵያ ልቓሕን ሓገዝን ከይትረክብ ምኽልካሉ ግቡእ እዩ ትብል፡፡

‘‘ሰላም ዝደሊ መንግስቲ እንተኾይኑ ሰላም ዘምጽኡ ኣማራጺታት ክወስድ ኣለዎ፡፡ ናይ ሰላም ሻምፒዮና እየ ዝብል መንግስቲ ሚልዮናት የጥሚ እዩ ዘሎ፡፡ . . . ኣብ ልዕሊ ሲቪላት ጉድኣት የብጽሕ ኣሎ፡፡ እዚ ረቒቕ ሕጊ ንሃገር ዘይኮነስ ነቶም ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝፈጸሙ እዩ ዝድድእ፡፡’’

‘ጻዕሪ ሰላም መንግስቲ ኢትዮጵያ ዘበርዕን እዩ’

መንግስቲ በይናዊ ደው ምባል ተኹሲ ኣዊጁ ካብ ትግራይ ምውጽኡን ኣብ ቀረባ እዋን መራሕቲ ህወሓት ነበር ሓዊሱ ካብ ቤት ማእሰርቲ ምፍትሑን ዘዘኻኽር ብርሃኑ (ዶ/ር)፡ እቲ ረቒቕ፡ ሕጊ ኮይኑ እንተጸዲቑ ናይ መንግስቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ዘበርዕን እዩ ክብል የምጉት፡፡

መዓዛ ግደይ ግን ነዚ መከራኸሪ ኣይትቕበሎን፡፡

‘‘ሕጂ እውን በቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዘንበሮ ወግዓዊ ዘይኮነ ዕጽዋ ሰብኣዊ ሓገዝ ከይበጽሕ ገይሩ እዩ፡፡ ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓካይም መድሃኒት ስኢኖም ሰባት እናሞቱ፤ ንህዘቢ ትግራይ ኮነ ኢሎም አናጥመዩ እናሃለዉ፡ ከመይ ጌርና ብዛዕባ ሰላም ወይ ጎንጺ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ክንዘራረብ ንኽእል?’’ ብምባል ትሓትት፡፡

መዓዛ ኣብ ልዕሊ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘሎ ዕግታ ከይተልዓለ፡ ደጋዊ ሓይልታት ካብ ዝሓዝዎ ከባቢ እንተይወጹ ብዛዕባ ሰላም ምዝራብ ዝከኣል ኣይመስለንን ትብል፡፡

‘‘እቲ ረቒቕ ሕጊ ኮይኑ ክወጽእ ዝከኣለና ክንገብር ኢና’’

መዓዛ ግደይ፡ እቲ ረቒቕ፡ ሕጊ ኮይኑ ብመንግስቲ ኣመሪካ ክጸድቕ ዝኸኣልዎ ከምዝገብሩ እያ እትገልጽ፡፡

‘‘ነቲ ኲናት ስዒቡ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ዝተፈጸሙ ጥሕሰታት መሰል፣ ዓሌት ተኮር ማእሰርቲታትን ባዕልቶም ይዛረቡ እዮም፡፡ እንተኾነ ንሕና እውን ስቓይ ህዝብና ክስማዕ ዝኸኣልናዮ ንገብር ኣለና፡፡ ኣብ ዳያስፖራ ዝርከቡ ተጋሩ ናይ ምምኻር ስራሕቲ ይሰርሑ ኣለዉ፡፡ ንሕና እውን ኣብ መላእ ኣመሪካ ምስ ዝርከቡ ሓገግቲ ንዘራረብ ኣለና’’ ትብል፡፡

ብኻልእ ወገን እቲ ረቒቕ ከይጸድቕ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ይስርሑ ከምዘለዉ ብርሃኑ (ዶ/ር) ይገልጽ፡፡

ንሱ እቲ ረቒቕ ኣብዚ ደረጃ ዝበጸሐሉ መንገዲ እውን ካብቲ ልሙድ ኣካይዳ ዝተፈለየ ከምዝኾነ ይሕብር፡፡

ብተወሳኺ እቲ ሕጊ ከይጸድቕ ፊርማ ብምትእኽሓብ፣ ንኣባላት ባይቶ ብምዝራብን ደብዳበታት ብምጽሓፍን ምንቅስቓስ ይግበር ከምዘሎ ሓቢሩ፡፡