ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ፡ ኣብ ቻይና ንዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ኣድማ ክግበር ፀዊዓ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ናንሲ ፔሎሲ፡ ኣብ ቻይና ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ይፍፀሙ ብምህላዎም፡ ነቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ኣብ ቤንጂንግ ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ፡ ዲፕሎማስያዊ ኣድማ ክግበር ፀዊዓ።
ዋላ'ኳ ኣትሌታት ኣብቲ ምድላው ክሳተፉ ዝኽእሉ እንተኾኑ፡ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት ግና፡ ክሳተፉ ኣይግባእን ኢላ።
ናንሲ ፔሎሲ፡ ብሰንኪ እቲ ኣብ ዞባ እዩግሆር ኣብ ልዕሊ እስላም ዝፍፀም ግህሰት፡ እቲ ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ንዘይምርካብ ኣድማ ክግበር ዝፀወዐት፡ ፈላሚት ኣሜሪካዊት ፖለቲከኛ እያ።
ቻይና፡ ኣብቲ ዝዓበየ ክልል ሰሜናዊ ምዕራብ፡ ልዕሊ 1 ሚልየን እዩግሆራውያንን ካልኦት እስላምን ከምዝኣሰረት ይግለፅ።
መብዛሕትኦም ኣብ ዚንጃንግ ዝተኣሰሩ ሰባት፡ ናብ መዓስከራት ብምልኣኽ፡ መወዳእትኡ ንዘይፍለጥ ግዘ ብዘይገለ ፍርዲ ተሓይሮም ይርከቡ።
ኣፈኛ ባይቶ ኣሜሪካ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፡ ነቲ ኣብ ዝቕፅል ዓመት ወርሒ ለካቲት ኣብ ቻይና ዝካየድ ዊንተር ኦሎምፒክ ኣድማ ክገብሩ ይግባእ ብምባል ፃውዒታ ኣቕሪባ።
"መራሕቲ ሃገራት ናብ ቻይና ከይዶም፡ ንመንግስቲ ቻይና ከኽብርዎ ኣይንግበር" ኢላ።
እዚ ጥራሕ ኣይኮነን፡ "ናብ ቻይና ትኸዱ ኣማሓደርቲ ግዝኣታት፡ ንስኹም ኮፍ ኣብ ዝበልኩምሉ ፃት፡ ምፅናት ይካየድ ከምዘሎ ኣብ ግምት ኣእትዉ። እስኪ ክሓተኩም? ድሕሪኡ ኣብ ዓለም ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ናይ ምዝራብ ሕጋዊ ሞራል ከመይ ኢሉ ይህልወኩም?" ኢላ፡ ኣፈኛ ናንሲ ፔሎሲ።
ወሃቢ ቃል ኤምባሲ ቻይና ኣብ ዋሽንግተን ሊዩ ፔንግዩ ብወገኑ፡ ነቲ ናይ ናንሲ ፔሎሲ ሓሳብ ተሪር ግብረ መልሲ ሂብሉ።
እቲ ኣፈኛ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ገለ ኣሜሪካውያን ፖለቲከኛታት እንታይ ዓይነት 'ሕጋዊ ሞራል' (moral authority) ከምዘለዎም እዩ ዝደንቀኒ። ሕዚ ኮነ ኣብ ታሪኽ፡ ኣብ ጉዳይ ሰብኣዊ መሰላት፡ ክዛረብሉ ዝኽእልሉ ኮነ ኣንፃር ቻይና መሰረት ኣልቦ ነቐፌታ ዘቕርብሉ ሃዋህው የብሎምን" ኢሉ።
መንግስቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ እዩግሆር ኣስገዳድ ምምኻን ብምፍፃምን ህፃናት ካብ ስድርኦም ብምፍላይን ከምዝኽሰስ ይፍለጥ።
ቻይና ግና፡ ህላወ እቶም መዓስከራትን ግህሰታት ሰብኣዊ መሰል ትፍፅምን ዝብሉ ክስታት ኣይትቕበሎምን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







