ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን ኣብ ቱርኪ ተራኺቦም

ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ዊልያም በርንስ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ስለያ ኣሜሪካ ዊልያም በርንስ

ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን፡ ሞስኮ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዘንጸላለወቶ ስግኣት ኒኩሌርን ኣብ ሩስያ “ብግፍዒ” ዝተኣስሩ ኣሜሪካውያን ንምፍታሕን ገጽ ንገጽ ተራኺቦም ተዘራሪቦም።

ዳይሬክተር ሲኣይኤ ዊሊያም በርንስን ሩስያዊ መዘንኡ ሰርገይ ናሪሽኪን፡ ትማሊ ኣብ ርእሰ ከተማ ቱርኪ ኣንካራ ከም ዝተራኸቡ ተገሊጹ።

እቲ ዘተ፡ “ብተበግሶ ኣሜሪካ” ዝተፈጸመ’ዩ ክትብል ሩስያ ገሊጻ።

ሩስያ፡ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ሰብ መዚ ክልቲአን ሃገራት ብወግዓዊ መገዲ ክራኸቡ እዚ ፋልማይ እዩ።

ካብ 2005 ክሳብ 2008 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ኣምባሳደር ኣሜሪካ ዝነበረን ቋንቋ ሩስኪ ዝዛረብን በርንስ ኣብ ዙርያ ምብቃዕ እቲ ኲናት ከም ዘይተደራደረ ዋይት ሃውስ ሓቢሩ።

መልእኽቲ እቲ ሓላፊ ኣብ ዙርያ “ሩስያ ኣጽዋር ኒኩሌር እንተተጠቒማ ዘኸትሎ ሳዕቤን” ከምኡ’ውን “ናብ ቀጠናዊ ቅልውላው ክዓቢ ይኽእል’ዩ” ዝብል ስግኣት ከም ዝዀነ መግለጺ ዋይት ሃውስ የመልክት።

ኣብ ቀረባ ኣዋርሕ፡ ሞስኮ ኣብ ዩክረይን ታክቲካዊ ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ኣሜሪካ ብተደጋጋሚ ከተጠንቅቕ ጸኒሓ እያ። እዚ ድማ ክረምሊን ከምኡ ክትገብር ከም እትኽእል ካብ ዘርኣየቶ ምልክታት ዝብገስ ከም ዝነበረ ትገልጽ።

ኣብ ወርሒ መስከረም ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ምዕራባውያን ሃገራት ንሩስያ ከጥፍእዋ ከም ዝደልዩ ብምኽሳስ፡ ግዝኣቱ ንምሕላው "ኩሉ ዘሎ ኣገባባት" ክጥቀም ምዃኑ ኣስሚሩሉ ነይሩ።

እዚ ድማ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ከይትጥቀም ዝብል ስግኣት ኣሕዲሩ ጸኒሑ። ኣሜሪካ ድማ፡ ነቲ ስግኣታት ብዕቱብ ከም እትወስዶ ገሊጻ።

ኣብ መንጎ በርንስን ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሩስያ ናሪሽኪንን ዝተኻየደ ርክብ፡ ብወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ዝተረጋገጸ ኰይኑ፡ ቱርኪ፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ ክልቲአን ሃገራት ንምዝርራብ ጻዕሪ ክትገብር ጸኒሓ እያ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

መግለጺ ዋይት ሃውስ ከም ዘመልክቶ፡ በርንስ "ዝኾነ ዓይነት ድርድር ከም ዘየካይድ" ብምግላጽ፡ ዋሽንግተን "ዩክረይን ኣብ ዘየላትሉ ብዛዕባ ዩክረይን ዝዀነ ነገር ኣይፍጸምን” ኣብ ዝብል መሰረታዊ መትከላ ከም እትጸንዕ ሓቢሩ።

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ድማ፡ ኣብቲ ኣብ ባንግላድሽ ዝካየድ ኣኼባ መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ 20 ምስ ቻይናዊ መዘንኡ ዢ ጂንፒንግ ተራኺቡ ኣሎ።

ክልቲአን ሃገራት፡ “ኣብ ዩክረይን ንኣጠቓቕማ ወይ ምጥቃም ኒኩለራዊ ኣጽዋር ዘለዎም ተቓውሞ ኣስሚሮምሉ" ይብል መግለጺ ዋይት ሃውስ።

ካብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ዝወጽአ መግለጺ ድማ፡ ፕረዚደንት ዢ፡ ኒኩለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከም ዘየድልን ናብ ኒኩለራዊ ኲናት ምኻድ ከም ዘየዋጽእን ንባይደን ከም ዝተዛረቦ የመልክት።

ኣኼባ ሓለፍቲ ስለያ ኣሜሪካን ሩስያን ኣመልኪቱ ዋይት ሃውስ ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ፡ እቶም ሰበስልጣን ኣብ ሩስያ "ብዘይፍትሓዊ መንገዲ" ዝተኣስሩ ዜጋታት ኣሜሪካ ዝምልከት'ውን ይዛተዩ ከም ዘለዉ ሓቢሩ።

ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ኣመሪካዊት ኰኸብ ኩዕሶ ሰኪዐት ብሪትኒ ግሪነር፡ ዘይቲ ካናቢስ ብዘይሕጋዊ መገዲ ብምስግጋርን ብምሓዝን ን9 ዓመታት ክትእሰር ተፈሪድዋ እዩ።

ኣብ ሩስያ ካናቢስ ምጥቃም ዘይሕጋዊ ክኸውን እንከሎ፡ ሞስኮ ንግሪነር "ከም ፖለቲካዊ ትሕጃ” እያ ተጠቒማትላ ይብሃል።

ኣብ መወዳእታ ወርሒ ሓምለ ምምሕዳር ባይደን ግሪነር ንክትፍታሕ፡ ከምኡ’ውን ሞስኮ ብገበን ስለያ ዝኸሰሰቶ ኣባል ሓይሊ ኣየር ነበር ፖል ዌላን ንምፍታሕ፡ ምስ ሩስያ ናይ እሱራት ምልውዋጥ ንምግባር ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ኣምባሳደር ሩስያ ኣብ ኣሜሪካ ኣናቶሊ ኣንቶኖቭ ሎሚ ሰሉስ ምስ ሰበስልጣን ዋይት ሃውስ ብምርኻብ ብዛዕባ ኣተሓሕዛ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ኣሜሪካ ዝርከቡ ሩስያውያን ክዘራረብ ምዃኑ እቲ ኤምባሲ ኣፍሊጡ ኣሎ።