ብሪጣንያን ፈረንሳን መትረብ ዘቋርጹ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ሓድሽ ውዕል ክፈራረማ እየን

ምንጪ ስእሊ, PA Media
ብሪጣንያን ፈረንሳን፡ ብናእሽቱ ጀላቡ መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምቁጽጻር ሓድሽ ውዕል ክፈራረማ እየን።
ብመሰረት እዚ ዝተመሓየሸ ውዕል፡ ፈረንሳ ኣብ ወሰናታ ንእተካይዶ ተወሳኺ ሓለዋ ብሪጣንያ እትኸፍላ መጠን ገንዘብ ካብ 55 ሚልዮን ዩሮ ናብ 63 ዩሮ ክብ ክብል እዩ።
ፈረንሳ ብወገና ቁጽሪ ናይ'ቶም ስደተኛታት ካብ ወሰና ንመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብ ብሪጣንያ ከይኣትዉ ዝቆጻጸሩ ፖሊስ፡ ካብ 200 ናብ 300 ክብ ክተብል እያ።
ኣብ ጉዳይ ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ጸቕጢ በዚሕዋ ዝቐነየ ጸሓፊት ሚኒስትሪ ውሽጢ ዓዲ ብሪጣንያ ስዌላ ብራቨርማን ነቲ ስምምዕ ንምፍርራም ናብ ፓሪስ ኣቕኒዓ ኣላ።
ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዝለዓለ ቁጽሪ ስደተኛታት (40,000)፡ ብመትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣትዮም ኣለዉ።
እዚ ሓድሽ ውዕል ነቶም ዘይሕጋዊ ኣሰጋገርቲ ከተዓናቕፎም እምበር ጠቕሊሉ ነቲ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ደው ከብሎ ከምዘይኽእል ይግመት።
መንግስቲ ብሪጣንያ ነቶም መትረብ ኣቋሪጾም ዝኣትዉ ሰባት ደው ንምባል፡ ሓደ ፍሉይ መፍትሒ ከምዘየለ ዝኣምን ኮይኑ፡ ካብ ቀረባ እዋን ናብዚ ድማ፡ እቶም ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ኣብቲ ዝብገሱሉ ወሰና ወሰን ፈረንሳ ንምቁጽጻር ይፍትን ኣሎ።
ኣብተን ኣብ ወሰና ወሰን ባሕሪ ዝርከባ ከተማታት ፈረንሳ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ሰጊሮም ዑቕባ ክሓቱ ዝደልዩ፡ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝመጹ ኣሻሓት ስደተኛታት ይርከቡ።
ፈረንሳ ነቲ ካብ ብሪጣንያ ዝኽፈላ ገንዘብ፡ ካብ ምውሳኽ ሓለውትን ቁጽጽርን ብተወሳኺ፡ ድሮናትን ናይ ለይቲ እዋን መቆጻጸሪታትን ክተማዕብል ዝሕግዛ እዩ።
ኣብ ደሴታት ፈረንሳ እውን መቆጻጸሪ ካሜራታት ዝትከሉ ኮይኖም፡ ብመካይን ኣቢሎም ናብ ብሪጣንያ ዝኣተዉ ስደተኛታት ንምፍላይ ድማ ዝቆጻጸሩ ኣኽላብ ክዋፈሩ እዮም።
ኣብ ቀረባ ንስደተኛታት ወረቐት ኣብ ዝወሃበሎም ማእከላት ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዝተርኣየ ምጭንናቕን ሕቶ ዑቕባ ንዘቕረቡ ስደተኛታት ንመንበሪ ዝኽፈል ወጻእታት ምውሳኹን ስዒቡ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ እታ ሃገር ጸቕጢ ተፈጢሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥራሕ፡ እታ ሃገር መዓልታዊ ንናይ ስደተኛታት ሆቴል 7 ሚልዮን ፓውንድ ከምዘውጸአት ተገሊጹ እዩ።
ካብቶም ኣብ 2021 መትረብ እንግሊዝ ኣቋሪጾም ዝኣተዉ ስደተኛታት፡ ሕቶ ዑቕባ ናይቶም 4% ጥራሕ እዩ ተሳሊጡ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብቲ ጉዳይ ስደተኛታተ ዝረኣየሉ 1,600 ሰባት ዘተኣናግድ ማንስቶን፡ 4 ሽሕ ስደተኛታት ዓሪፎም ነይሮም።
ሓደ ምኽንያት እቲ ኣብዚ ዓመት ወሲኹ ዝተርኣየ ቁጽሪ መትረብ እንግሊዝ ዘቋርጹ ስደተኛታት፡ በዝሒ ስደተኛታት ኣልባንያ ብምሳኹ ከምዝኾነ ክግለጽ እንከሎ፡ ኣብዚ ዓመት ጥራሕ ዛጊድ ኣስታት 12 ሽሕ ኣልባንያውያን ብኣናእሽቱ ጀላቡ ናብ ብሪጣንያ ከምዝኣተዉ ተሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







