ዜለንስኪ፡ ሩስያ ኣብ ኼርሶን ገበናት ኲናት ፈጺማ ኢሉ

ብኲናት ተፈላልዮም ዝጸንሑ ስድራ ዳግም ይራኸቡ ኣለው

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዜለንስኪ፡ መርመርቲ ኣብቲ ሓይልታት ሩስያ ከንሳሕቡ እንከለው ገዲፎምዎም ዝወጽኡ ከባቢታት ኼርሰን ልዕሊ 400 ገበናት ኲናት ከም ዘቃልዑ ገሊጹ።

ዜለንስኪ፡ ኣብቶም ከባቢታት ኣስክሬናት ሲቪላትን ወተሃደራትን ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ።

እንተዀነ፡ ቢቢሲ ነቲ ክሲ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን። ሩስያ ግን፡ ሰራዊታ ኰነ ኢሎም ንሲቪላት ዒላማ ከም ዘይገበሩ እያ ትገልጽ።

እዚ ከምዚ’ሉ እንከሎ፡ ሰበ-ስልጣን ዩክረይን ሰዓት እቶ እቶን እገዳታትን ብምእዋጅ ካብ ኼርሰን ንምውጻእን ንምእታውን ዝግበር ጉዕዞ ገዲቦም ኣለዉ።

"ሰራዊት ሩስያ ከምቲ ኣብ ካልኦት ዞባታት ሃገርና ዝፈጸሞ፡ ኣብ ዞባ ኼርሰን’ውን ተመሳሳሊ ግፍዒ ፈጺሙ ወጺኡ ኣሎ። ብዘይጥርጥር፡ ነፍሲ ወከፍ ቀታሊ ናብ ሕጊ ከነቕርቦ ኢና” ክብል ዜለስንኪ ተዛሪቡ።

እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ ኣብ ቡቻ፣ ኢዚዩምን ማሪዩፖልን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለያ ከባቢታት ዩክረይን ጃምላዊ መቓብር ተረኺቡ ኣሎ። ዩክረይን ብድሕሪ እቲ ግፍዒ ሰራዊት ሩስያ ከም ዘለዉ ትኸስስ።

ሓደ ኮሚሽን ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዩክረይን ገበናት ኲናት ከም ዝተፈጸመን፡ ኣብ ምጅማር እቲ ወራር ንዝተፈጸሙ "ብዝሒ" ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሓይልታት ሩስያ ተሓተትቲ ምዃኖምን ገሊጹ ነይሩ።

ከተማ ኼርሰን፡ ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዩክሬይን ክትወርር እንከላ ጀሚሩ ብሩስያ ዝተታሕዘት እንኰ ዞባዊት ርእሰ ከተማ እያ ነይራ።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ሩስያ ኣብ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ድማ፡ ዞባ ኼርሶን እትርከቦ ካልኦት ሰለስተ ዞባታት ኣካል ሩስያ ምዃነን ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ነይሩ።

ይኹን’ምበር፡ እታ ከተማ ብዓርቢ ብወተሃደራት ዩክረይን ሓራ ወጺኣ ኣላ። ብርክት ዝበሉ ነበርቲ ድማ፡ ባንዴራ ዩክረይን ሒዞም ንወተሃደራት ኪቭ ብታሕጓስ ክቕበሉዎም ተራእዮም።

ሰብ መዚ ምምሕዳር ኼርሰን’ውን ኣስታት 30 ሽሕ ሰራዊት ሩስያ፡ ምስ ኣንሳሐቡ ናብ ቦታኦም ተመሊሶም ኣለው።

ዩክሬናውያን፡ ነዚ ከም ዓቢ ሃገራዊ ዓወትን ውርደት ሩስያን ገይሮም ይርእይዎ፤ እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ወርሒ መጋቢት ሩስያ ካብ ከባቢታት ኪየቭ ምንስሓባ ዝመጣጠን እዩ።

እንተዀነ፡ ሕጂ’ውን ገለ ወተሃደራት ሩስያ ኣብታ ከተማ ተሓቢኦም ክተርፉ ይኽእሉ እዮም ዝብል ስግኣት ክህሉ እንከሎ፡ ኣብ እዋን እቲ ወራር ንሩስያውያን ሓጊዞም’ዮም ዝተባህሉ ተሓባበርቲ ድማ ክኽሰሱ ተኽእሎ ከም ዘሎ ይግለጽ።

ፕረዝደንት ዜለንስኪ፡ ምእሳር "ኣብዚ መሬት ንድሕሪት ዝተረፉን ኣብ ምዕናው ንብረት ዝተሳተፉን” ወተሃደራት ሩስያን ዕሱባትን ይቕጽል ኣሎ ኢሉ።

ሓይልታት ዩክረይን፡ ዝተቛረጹ ኣገልግሎታት ኢንተርነትን ቴሌቪዥንን ናብ ንቡር ንምምላስ ይሰርሑ ከም ዘለው ዝጠቐሰ እቲ ፕረዚደንት፡ ቐረባት ማይን ኤሌኬትሪክን ድማ “ኣብ ዝሓጸረ እዋን" ክጅምር ምዃኑ ሓቢሩ።

ሕጂ’ውን ግን፡ ወተሃደራት ሩስያ ዳግማይ ደብዳብ ንምጅማር ኣብ ገምገም ሩባ ዲኒፕሮ ድፋዓት ይኹዕቱ ኣለው ዝብል ስግኣት ኣሎ።

ሰበ ስልጣን ኼርሰን፡ ካብ 13 ክሳብ 19 ሕዳር 2022 በቲ ሩባ ዝግበር ጉዕዞ ከልኪሎም ኣለው።

ብሰንኪ እቲ ኲናት ካብ ገዝኦም ርሒቘም ዝጸንሑ፡ ዝተቐብሩ ነተጒቲ እንተሃለዎ ክሳብ ዝምርመር፡ ንከይምለሱ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎም ኣሎ።