ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን 200 ሽሕ ወተሃደራት ከሲራ ክትከውን ትኽእል'ያ-ኣመሪካ

ሬሳ ብጻዮም ዝተሰከሙ ወተሃደራት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ኲናት ዩክረይን ኣስታት 100,000 ወተሃደራት ሩስያ ምዉታትን ቁሱላትን ክኾኑ ከምዝኽእሉ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ተዛሪቡ።

ኣቦመንበር ሓለቓታት ጠቕላሊ-ስታፍ ሰራዊት ኣመሪካ ጀነራል ማርክ ሚሊ ከምዝበሎ፡ ዩክረይን'ውን ኣስታት 100 ሽሕ ወተሃደራት ከሲራ ክትከውን ከምእትኽእል ግምቱ ሂቡ'ሎ።

ኣስታት 40,000 ሲቪላውያን ኣብቲ ልዕሊ 8 ኣዋርሕ ኣቚጺሩ ዘሎ ግጭት ከምዝተቐትሉ እቲ ጀነራል ኣሚቱ።

እቲ ግምት ክሳራታት፡ ካብቲ ብሰበስልጣን ምዕራባውያን ሃገራት ክወሃብ ዝጸንሐ እቲ ዝዓበየ እዩ።

ብጸረ መጥቃዕቲ ሰራዊት ዩክረይን ዝተደፍኡ ሓይልታት ሩስያ ካብታ ዞባዊት ርእሰከተማ ዝኾነት ኬርሶን ይስሕቡ ከምዘለዉ ነቲ ኲናት ዝመርሕ ዘሎ ሩስያዊ ኣዛዚ ብወግዒ ኣፍሊጡ'ሎ።

ኣብዚ ቀረባ እዋናት፡ ሰራዊት ዩክረይን ሰፊሕ ቦታታት ካብ ኢድ ሓይልታት ሩስያ ክምንዝዕ ጸኒሑ'ዩ።

ኪቭ ምስ ሩስያ ሰላማዊ ዘተ ከተካይድ ድልውቲ ምዃና ዝገልጽ ምልክታት ምሃባ'ውን፡ ንልዝብ ዕድል ዝፈጥር'ዩ ክብል ጀነራል ሚሊ ገሊጹ።

ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ሩስያ ክዘራረብ እንተኾይኑ፡ ሩስያዊ መዘናኡ ቭላድሚር ፑቲን ካብ ስልጣኑ ክእለ'ዩ ክጠልብ ጸኒሑ። ሕጂ ግን ነቲ ቅድመ-ኲነት ኣውሪድዎ'ሎ።

እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሰራዊት ኣመሪካ ከምዝብሎ፡ ኣብቲ ኲናት ዓወት "ብወተሃደራዊ ኣገባብ ክረጋገጽ ስለዘይክእል፡ ካልእ ኣገባብ ሃሰስ ክትብል ኣለካ" ክብል ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ጠቒሱ።

"ልዕሊ 100,000 ምዉታትን ቁሱላትን ወተሃደራት ኢኻ ትዛረብ ዘለኻ" ዝበለ ጀነራል ሚሊ፡ "ብወገን ዩክረይን'ውን ተመሳሳሊ'ዩ ዝኸውን" ኢሉ።

ሩስያን ዩክረይንን ዝወረደን ክሳራት ብዓቢ ጥንቃቐ'የን ሰቲረንኦ ዘለዋ።

እቲ ዝለዓለ ወተሃደራዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ዝኾነ ጀነራል ማርክ ሚሊ፡ እቲ ኩነታት ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ ቀዝሒ ሓጋይ ውግእ ኣብ ዘቋርጻሉ ናብ ድርድር ክኣትዋ ክድርኸን ይኽእል'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

ሚሳይላት ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም፡ ሩስያ እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር 5,937 ወተሃደራት ጥራይ ከምዝተቐትሉዋ ገሊጻ ነይራ። ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ሰርገይ ሾይጉ፡ እቲ ክሳራ ካብኡ ዝዓበየ ምዃኑ ንዝገልጽ ጸብጻባት ክነጽጎ'ዩ ጸኒሑ።

ዩክረይን ብወገና፡ ክሳራታታ ብኣሃዝ ከብ ምግላጽ ዝተዓቀበት'ኳ እንተኾነት፡ ሓለቓ-ስታፍ ሰራዊታ ግና ኣብ ነሓሰ ኣስታት 9,000 ከምዝተቐተሉ ተዛሪቡ ክብላ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን ነይረን።

ሕቡራት ሃገራት፡ ብክልቲኦም ዝወሃብ ኣሃዛት ክሳራት ተኣማንነት የብሉን ዝብል መርገጺ'ዩ ዘለዎ።

እቲ ኲናት ኣብ ስቪላውያን ከቢድ ስቓይ ከምዘስዓበ ዝገለጸ እቲ ኣመሪካዊ ጀነራል፡ ብ24 ለካቲት ካብ ዝውላዕ ኣትሒዙ ካብ 15 ክሳብ 30 ሚልዮን ስደተኛታት ከምዝፈጠረ የረድእ።

ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ግን፡ 7.8 ዩክሬናውያን ስደተኛታት ናብ ኣውሮጳን ሩስያን ከምዝወሓዙ'ዩ ዝገልጽ። እንተኾነ ግን፡ እቲ ቁጽሪ ነቶም ኣብ ውሽጢ'ታ ሃገር ዝተፈናቐሉ ኣይጠቓልልን'ዩ።

ትማሊ ረቡዕ፡ ሞስኮ፡ ሓይልታታ ካብታ ዝዓበየት ዝተቖጻጸሩዋ ደቡባዊት ከተማ ኬርሶን ክስሕቡ ምዃኖም ኣፍሊጣ ነይራ።

ኣብታ ከተማ ካብ 20 ክሳብ 30 ሽሕ ወተሃደራት ይተኣኻኸቡ ከምዘለዉን፡ እቲ ናይ ምዝላቕ ስጉምቲ ሓያለ ሰምንታት ክወስድ ከምዝኽእልን እቲ ጀነራል ኣሚቱ።

እቲ ምንስሓብ፡ ኣብ ዝሓለፈ መስከረም ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣስታት 300 ሽሕ ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ክኸቱ ድሕሪ ምጽውዑ'ዩ ዝካየድ ዘሎ።

እቲ ኩነታት ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዓውደ-ውግእ ከቢድ ስዕረት ከምዘጋጠሞ ዘርኢ'ዩ ክብሉ ወተሃደራውያን ተንተንቲ ይገልጹ።