ወተሃደራዊ ኣዘዝቲ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ብዛዕባ ምጥቃም ተዘራሪቦም - ኣሜሪካ

ምንጪ ስእሊ, RUSSIAN DEFENCE MINISTRY
ላዕለዎት ወተሃደራዊ መራሕቲ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ብኸመይን መዓስን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ከምዝተዘራረቡ ክልተ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንማዕከን ዜና ሲቢኤስ ኒውስ ገሊጾም።
እንተዀነ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብቲ ዝርርብ ኣይተሳተፈን ክብሉ ነቲ ኣሜሪካዊ መሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ መደበር ተሌቪዥን ሓቢሮም።
መንግስቲ ኣሜሪካ ኣብ ዝሓለፉ ሒደት ኣዋርሕ ብዛዕባ ምጥቃም ኑክሊሳዊ ኣጽዋር ሩስያ ዘለዎ "ከቢድ ስክፍታ" ከምዝዓበየ ይገልፅ።
ግን ድማ እታ ሃገር ንኸምዚ ዝበለ ኣጽዋር ንምጥቃም ትዳሎ ከምዘላ ዝሕብር ምልክት ከምዘይረኣየት ኣሜሪካ ወሲኻ ትሕብር።
እዚ ከኣ ምስቲ ኣቐዲሙ ሞስኮ ኑክሌሳዊ ኣጽዋራታ ከተንቀሳቕስ ከምዘይጸንሐት ዝገልጽ ገምጋማት ምዕራባውያን ትካላት ስለያ ዝሰማማዕ እዩ።
ወሃቢ ቃል ሩስያ ዲሚትሪ ፔስኮቭ፡ ምዕራባውያን ሃገራት "ኮነ ኢለን ነቲ ኣርእስቲ የጓሃህራኦ ኣለዋ" ክብል ከሲሱ’ሎ።
ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ መወዳእታ ወርሒ መስከረም፡ ንሩስያን ነቲ ዝተጐበጠ መሬታት ዩክረይን ንምክልኻል ኣብ ኢዶም ዘሎ ኵሉ መገድታት ከምዝጥቀሙ ብምዝራብ ንኑክሌሳውን ጸረ-ምዕራባውያንን ዘረባታቱ ኣጓሃሂሩ ነይሩ።
ሩስያ ኣብ ጉዳይ ምጥቃም ኑክሊሳዊ ኣጽዋር ከምዝተዘራረበት ንዝገልጽ ጸብጻባት ማዕከን ዜና ኣሜሪካ ብዝምልከት መብርሂ ዝሃበ ወሃቢ ቃል ሃገራዊ ድሕነት ዋይት ሃውስ ጆን ኪርቢ፡ "ኣዋርሕ እናተቘጽሩ ምስ ከዱ፡ ብዛዕባ እቲ ክህሉ ዝኽእል ኵነታት ዘለና ስክፍታ እናዓበየ መጺኡ" ኢሉ።
ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዘለዋ ዕድል እናወረደ ምስ ከደ፡ እቲ ኑክሌሳዊ ስግኣታታ እናወሰኸ ዝኸይድ ዘሎ ይመስል።
መንግስቲ ሩስያ፡ ዩክረይን ብ’ራድዮኣክቲቭ’ ዝተኣስረ፡ "ረሳሕ ቦምብ" ከምዘዳለወት ዝኸስስ ኰይኑ፡ ዩክረይንን ምዕራባውያንን ድማ ሩስያ ከምዚ ዓይነት መሳርሒ ኣብ ረብሓ እንተውዒሉ ንኪቭ ተሓታቲት ክትገብር ኣቐዲማ ኵነታት ንምምችቻእ ትፍትን ከምዘላ ይገልፁ።
ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ ሰርገይ ሸውጊ ብዛዕባ እቲ ውዲት ዩክረይን ዝተባህለ ንምዝርራብ ምስ ኣብ ኣሜሪካ፡ ቱርኪን ፈረንሳን ዝርከቡ መዛንኡ ከምዝተዘራረበ ይግለፅ።
ይዅን እምበር፡ ሚኒስትሪ ምክልኻል ሩስያ ንዝረኸቦ ውጽኢት ንምግላጽ ስእልታት ምስ ኣዳለወ፡ መንግስቲ ስሎቨንያ ብወገኑ፡ እቶም ምስልታት ካብ ኤጀንሲ ምሕደራ ራድዮኣክቲቭ ከምዝተወሰዱ ኣቃሊዑ።
ሩስያ ዝሓለፈ ሰሙን ስሩዕ ኑክሌሳዊ ልምምድ ዘካየደትሉ ምኽንያት፡ ጸላኢ ክፍፅሞ ንዝኽእል ኑክሌሳዊ መጥቃዕቲ ግብረ-መልሲ ንምሃብ ብዝብል ከምዝነበረ ይግለጽ። ፑቲን፡ ሰረተ-እምነት (‘ዶክትሪን’) ኑክሌስ ሩስያ፡ ኣጠቓቕማ 'ቲ ኣጽዋር ነታ ሃገር ኣብ ምክልኻል ጥራይ ክውዕል ከምዘፍቅድ ጽኑዕ መርገጺ ነይርዎ።
ትማሊ ሰሉስ ግን ምኽትል ሓላፊ ቤትምኽሪ ጸጥታ ሩስያ ዲሚትሪ መድቨደቭ፡ ሓደጋ ህላወ እንተጋጢሙ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ከምዝህሉ ዘመልክት ካልእ ባእታ ዶክትሪን ሩስያ ኣቃሊሑ’ሎ።
ዕላማ ኲናት ዩክረይን ንዅሉ እቲ ቅድሚ ሕጂ ግዝኣታት ሩስያ ዝነበረ ምምላስ ምዃኑን እዚ ንባዕሉ ድማ ንህላወኣ ሓደጋ ምዃኑን ኣመልኪቱ።
ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ’ውን ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ሞስኮ "ወግዓዊ ኣጽዋር ብምጥቃም ወራር ኣብ ዝፍጸምን ህላወ እታ ሃገር ኣብ ሓደጋ ኣብ ዝወደቐሉን እዋን ምላሽ ንምሃብ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም መሰል ከምዘለዋ” ደጊሙ ኣረጋጊጹ።
ሚኒስተር ምክልኻል ብሪጣንያ ቤን ዋላስ፡ ሩስያ ኣብ ዓውደ ውግእ ዩክረይን ታክቲካዊ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር እንተተጠቒማ፡ "ከቢድ ሳዕቤን" ከምዘኸትል ኣጠንቂቝ’ሎ።
ሩስያ ኣብ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ምዃና ዝሓለፈ ሰሙን ብቢቢሲ ዝተሓተተ ሓላፊ ኣገልግሎት ስለያ ወጻኢ ሰርገይ ናይርሽኪን፡ ምዕራባውያን ዝዛረብዎም ዘረባታት ኣዝዩ ከምዘሻቕሎ ብምግላጽ፡ መራሕቲ ዩክረይን ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ንምርካብ ይፍትኑ ኣለዉ ክብል ከሲሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







