ሩስያ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር፡ ዩክረይን ነዊሕ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥማ’ዩ

ሩስያ ብዝፈፀመቶ ደብዳብ ኣየር፡ ዩክረይን ነዊሕ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥማ’ዩ

ምንጪ ስእሊ, EPA

ሩስያ ኣብ መደብር ፀዓት ዩክረይን ብዝፈፀመቶ ናይ ኣየር መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ነበርቲ ርእሰ ከተማ ኪየቭ ንልዕሊ ኣርባዕተ ሰዓታት ዝዘልቕ ነዊሕ ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ ከም ዘጋጥም ትፅቢት ክገብሩ ሰብመዚ ዩክረይን ኣጠንቂቖም።

እዚ ምቁራፅ ሓይሊ መብራህቲ፡ ንኪየቭ ጥራሕ ዘይኮነስ ንከተማ ዲኒፕሮ ሓዊሱ፡ ንከተማታት ማእኸላይ ዩክረይን ዝሃስይ’ዩ።

ፕረዝደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ኣስታት ኣርባዕተ ሚልየን ህዝቢ ተሃስዩ እዩ፡ እንተኾነ እዚ “ደብዳብ ንዓና ኣይሰብረናን” ኢሉ።

ሩስያ ኣብዚ ወርሒ ብዙሕ ሚሳይላትን ኢራን ሰራሕ ድሮናትን ናብ ዩክረይን ኣወንጪፋ እያ።

ፕረዝደንት ዘለንስኪ፡ መደብር ፀዓት ዩክረይን በቶም ሩስያ ትፍፅሞም ዘላ መጥቃዕትታት ኣየር ዒላማ ከም ዝኾኑ ብምሕባር፡ ሲሶ መደብር ፀዓት እታ ሃገር ከም ዝዓነው ገሊፁ።

ውልቀ ትካል ፀዓት ዲቲኢኬይ( DTEK)፡ ኪየቭ 30 ሚእታዊት ናይ ፀዓት ዓቕማ ከም ዝሰኣነት ብምሕባር፡ ቅድሚ ሕዚ ተራእዩ ዘይፈልጥ ምቁራፅ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከጋጥም ግድን ከም ዝኸውን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ዲቲኢኬይ ዲምትሮ ሳክሃሩክ፡ “ከም ዘይምዕዳል ኰይኑ እቲ መጠን ገደብ ወሳኒ’ዩ፤ ቅድሚ ሕዚ ካብ ዝነበረ ገደብ ዝለዓለ’ዩ” ኢሉ።

እዚ ምቁርራፅ መብራህቲ ኣብ መንበሪ ኣባይቲ ምቾት ካብ ምስኣን ብተወሳኺ፡ ናይ መገዲ መብራህትታትን ብኤሌክትሪክ ንዝሰርሓ ህዝባዊ መጓዓዝያታትን እውን ዓጊቱ ኣሎ።

ሕብረት ኣውሮጳን ካልኦት ዓለም ለኸ መሻርኽቲ ኪየቭን፡ ነቲ ኰነ ተባሂሉ ኣብ ልዕሊ ትሕተ ቅርጺ ሰላማውያን ሰባት ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኰኒነሞ። ዩክረይን ነዚ መጥቃዕቲ ከም ገበን ኵናት እያ ትርእዮ።

እታ ካልአይቲ ዝዓበየት ከተማ ዩክረይን ካርኪቭ ሓዊሱ፡ ከተማታት ዚቶሚር፡ ፖልታቫን ቸርኒሂቭን እውን፡ ብሰንኪ እቲ ሩስያ ዝፈፀመቶ ደብዳብ ዝነውሐ ምቁራፅ መብራህቲ ኣጋጢምወን ኣሎ።

ዩክረይን፡ ብትሽዓተ ጥቅምቲ ሩስያ ምስ ክሬምያ ኣብ ዘራኽብ ቁልፊ ድልድል ኬርች መጥቃዕቲ ቦምቧ ምፍፃማ ስዒቡ እዩ፡ ሩስያ፡ ሕዚ ሕነ-ንምፍዳይ ኣብ መደብራት ፀዓት ዩክረይንን ናይ ሲቪላት መሰረተ ልምዓታትን መጥቃዕትታት ትፍፅም ዘላ።

ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን ነቲ ድልድል ምዕናዋ፡” ተግባር ግበረ-ራዕዲ” ብምባል ኰኒንዎ።

ንሱ፡ እዚ ድልድል ንዓበይቲ ግዝኣታት ዩክረይን ናብ ሩስያ ናይ ምጥቕላል ወፍሪ ምልክት’ዩ ኢሉ።

ተቖፃፃሪ ምንጪ ፀዓት ዩክረይን ፓቭሎ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ “ንፈለማ እዋን ምስ ገዚፍ ዕንወት ተፋጢጥና” ክብል ተዛሪቡ።

እዚ ስሙ ዘይተፀርሐ መደብር ፀዓት፡ ክልተ ግዘ ብሚሳይልን ‘ካሚካዜ’ ብዝበሃል ኢራን ሰራሕ ድሮንን ከም ዝተደብደበ እቲ በዓል ሞያ ሓቢሩ።

ቅድሚ ክልተ ሰሙን ኣቢሉ ፅገና ከም ዝተጀመረ ዝተዛረበ ፓውሎ፡ “እቶም ዝዓነዉ መሳርሕታት ፍሉያት ስለ ዝኾኑ፡ መለዋወጢ ንምርካብ ኣፀጋሚ ኰይኑ ኣሎ” ኢሉ።