ኩናት ዩክረይን፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ዓሰርተታት ድሮናት ተዋፍር

ምንጪ ስእሊ, OFFICE OF THE PRESIDENT OF UKRAINE
ሩስያ ኣብ ውሽጢ ክልተ መዓልቲ ልዕሊ 30 መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝፈጸመት ፕረዚደንት ዩክረይን ቭላድሚር ዘለንስኪ ገሊጹ።
ብሓፈሻ ሞስኮ፡ 4500 ናይ ሚሳይል መጥቃዕትን 8000 ደብዳብ ኣየርን ከምዘካየደት’ውን ኣረዲኡ።
ኣብ ጎኒ’ታ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ዝወደቀት ናይ ኢራን ድሮን ብምቋም ድማ፡ ክንፍታት ብምርኣይ ሓይሊ ኣየር ሞስኮ ድሮን ከም ዝሰደደ መረጋገጺ ምልክት ሂቡ።
ሰበስልጣናትን ምዕራባውያን ሃገራትን፡ ኢራን ንሩስያ ብዙሓት ድሮናት ሂባታ ኢሎም እኳ እንተገለጹ፡ሩስያን ኢራንን ግን ነዚ ይነጽገኦ።
ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜርካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ነዚ ሩስያ ተካይዶ ዘላ መጥቃዕቲ ድሮናት፤ ኣስካሕካሒ ክብል ብምግላጽ፡ ካናዳን ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካን ምስ ኩለን መሻርኽትናን፡ ንቀረብ ድሮናት ኢራን ንምቅላዕን፡ ምግታእን ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።
ላዕለለዎት ዲፕሎማሰኛታት ኣሜሪካ’ውን፡ ሩስያውያን ኣዘዝቲ፡ ኣፅዋር ተጠቂሞም ንማይ፣ ኤለክትሪክን ዋዕን ዘገልግሉ ትሕተ ቅርጽታት ንምፍራስን፡ ዩክሬናውያን ሰለማውያን ሰባትን ንምቅታልን ይጥቀሙሉ ኣለው ኢሎም ከሲሶም።
ኣብዘን ዝሓለፈ ሳምንታት፡ ሙቐት ክጎድል ኣብ ዝጅመረሉ ንማይ ኤሌክትሪክን፣ ትሕተ ቅርፂ ስቪላውያን ዕላማ ዝገበረ መጥቃዕቲ ኣካይዶም እዮም፡፡
ኢራን ብውሽጣዊ ዓቕማ ዘፍረየቶም ምዕቡላት ኣጽዋር ንሩስያ ከምዝሃበታን፡ ኢራናውያን ኪኢላታት እውን ነቶም ኣብረርቲ ሞያዊ ሓገዝን ንምብርካት ኣብቲ ሩስያ ተቆጻጽራቶ ዘላ ክሬሚያ ከምዘለዉ ኣነጺሩ።
እተን ዩክረይን ኣጥቂዐናኒ ዝበለተን ድሮናት ካሚካዘ ተባሂለን ከምዝጽዋዓ’ያ ትገልጽ።
ሩስያ ካብተን ዝኣዘዘተን ኣስታት 2000 ድሮናት ዛጊት 400 ከምዝተጠቀመት ዩክረይን ክትገልጽ እንከላ፡ ኢራን ምስ ሩስያ ዝኾነ ይኹን ስምማዕ ኣጽዋር ኣይገበርኩን ኢላ፣ ሩስያ’ውን ድሮናት ኢራን ተጠቂማ ንዝብል ክሲ ትነጽጎ’ያ።
ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢራን ፡ ሖሴን ዓብዱ -ዓብዱላሂን፡ ነቲ ክሲመሰረት ኣልቦ ክብል ነጺግዎን ዩክረይን ጭብጢ ከተቅርብን ብምጽዋዕ፡ ሩስያ ኣብቲ ምስ ዩክረይን ተካይዶ ዘላ ኵናት ናይ ኢራን ድሮን ተጠቂማ እንተደኣ ኮይና ሸለል ከምዘይብሉዎ ብረቡዕ ተዛሪቡ።

ዞባዊ መቀናቅንቲ ኢራን ዝኾነት እስራኤል’ውን፡ ኣብ ዋይት ሃውስ ምስ ፕረዚደንት ኣሜርካ ጆ ባይደን ኣብ ዝነበረ ኣኼባ፡ በቲ ዝብሃል ዘሎ ሰደድ ድሮን ንኢራን ዘሊፋታ።
ፕረዚደንት እስራኤል ኢሳቅ ሀርዞግ፡ ብሓሙስ ናይቲ ስርዓት [ኢራን] ንጥፈታት ብትሪ ነቂፍዎ።
እቲ ፕረዚደንት “ኢራን ንገዛእ ዜጋታታ ኣብ ምቅታልን ኑይክለራዊ ኣጽዋር ብዘይ ምቁራጽ ምህናጻን ነቲ ዞባን ንመላእ ዓለም ኣብ ሓደጋ ዘእቱ እዩ፡ ሕጂ'ውን ኣብ ዩክረይን ንንጹሃንን ሰለማውያን ሰባትን ምቕታላ እንታይነት ኢራን ብግሉጽ ዘርኢ ኢዩ” ኢሉ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ንዩክረይን ተወሳኺ 275 ሚልዮን ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተበርክተላ ምዃና ኣሶሸትድ ፕረስ ኣቃሊሑ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







