ሓላፊ ጸጥታ ሩስያ ብኑክሌሳዊ ውጥረት ንምዕራባውያን ከሲሱ

መራሕቲ ሃገራት ምዕራብ፡ ሩስያ ኣብቲ ዝሓለፈ ለካቲት ንዩክረይን ካብ እትወርር ኣትሒዞም፡ ፕረዚደንት ፑቲን ዝርከቦም ሰብመዚ ሩስያ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ክጥቀሙ ይኽእሉ’ዮም፡ ኣብ ዝብል ልዑል ሻቕሎት ተፀሚዶም ይርከቡ።
ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ሩስያ ሰርገይ ናይሪሽኪን ግን፡ ነዚ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝቐርብ ዘሎ ነቐፌታታት ብምንጻግ፡ ንጠንቂ'ዚ ተፈጢሩ ዘሎ ውጥረት ንምዕራባውያን ይኸስስ።
ንሱ፡ ሩስያ፡ ኣብዚ ኵናት ዘለዋ ኑክሌሳዊ ዓቕሚ ከም ዘይትጥቀም ብድፍረት ምዝራብ ትኽእል’ዶ? ንዝብል ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሕቶ ብቐጥታ ምላሽ ኣይሃበሉን።
ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ “ብርግጽ እዚ ብምዕራባውያን ዝናፈስ ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ምጥቃም ዝብል ዘረባታት የተሓሳስበና እዩ፡" ይብል።
"ትማሊ ሚኒስተር ምክልኻል ሩስያ፡ ምስ ናይ ቱርኪ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳይን መዛንኡ ብተሌፎን ተዘራሪቡ’ዩ። ዩክረይን ክትጥቀሞ ብዛዕባ ዝሓለነቶ ተኽእሎታት ምጥቃም 'ረሳሕ ኑክሌሳዊ ቦምባ' ነጊርዎም’ዩ” ክብል ወሲኹ የረድእ።
ሃገራት ብሪጣንያ፡ ኣሜሪካን ፈረንሳን ኣብቲ ዝሓለፈ ሰንበት ብልፍንቲ ኣብ ዝሃባኦ መግለጺ፡ ነዚ ብመንግስቲ ሩስያ ኣንጻር ኪቭ ዝቐረበ ርእይቶ፡ “ቅሉዕ ናይ ሓሶት ክሲ” ብምባል ኰኒነናኦ እየን።
“እዚ ክሲ፡ ነቲ ኵናት ሰማይ ንምዕራግ ዝግበር ዘሎ ፈተነ ምዃኑ ምሉእ ዓለም ዝርድኦ እዩ” ብምባል፡ እተን ሃገራት ብልፍንቲ ኣብ ዝሃብኦ መግለጺ ኣፍሊጠን።
ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ ኣብ ውሽጢ ሙዝየም ምክልኻል ሩስያ ኣብ ዝተዳለወ ምርኢት’ዩ፡ ንሕቶታት ቢቢሲ ምላሽ ሂቡ።
እዚ ምርኢት፡ መበል 60 ዓመት ቅልቅላው ሚሳይል ኩባ ንምዝካር እዩ ተዳልዩ። እቲ 'ቅልውላው ኩባ'፡ ሕብረት ሶቭየት ምስ ኣሜሪካ፡ ኣብ እዋን ዝሑልፍ ኲናት ን 35 መዓልታት ኣብ ወጥሪ ዝኣተዋሉ ክስተት ምዃኑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ምርኢት ስእሊ መራሒ ሕብረት ሶቭየት ሕብረት ነበር ኒኪታ ክሩስቸቭን ኣመሪካዊ ፕረዚደንት ጆን ኤፍ ኬነዲን ተሰቒሎም ይረኣዩ።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ሞስኮ ኣብቲ እዋን ናብ መሻርኽታ ኩባ ዝለኣኸቶም ሚሳይላትን፡ ጆን ኤፍ ኬነዲ፡ ክረምሊን ንክተውጽኦም ጸቕጢ ዝገበረሎም ሚሳይላትን ኣብቲ ምርኢት ይረኣዩ።
ሩስያ ካብ ቅልውላው ሚሳይል ኩባ እንታይ ትመሃር ዝብል ሕቶ ካብ ቢቢሲ ዝቐረበሉ ሰርገይ ናይሪሽኪን፡ “ቅልውላው ሚሳይል ኩባ፡ ፖለቲካዊ መራሕቲ ኣብ እንካን ሃባን ዝተደረኸ ዓለማዊ ጸገም ንምፍታሕ ዘኽእል ውሽጣዊ ጥንካረ ከማዕብሉ ከምዝግባእ እዩ ዘምህረና፡” ኢሉ።
ኣብ እዋን ቅልውላው ኩባ፡ መራሒ ሶቭየትን ፕረዝደንት ኣሜሪካን ድሕሪ ነዊሕ ኣዕናዊ ቅልውላው፡ ኣብ ልዝብ ዝተደረኸ ውሳነ በጺሖም ነይሮም።
ኒኪታ ክሩስቸቭ ኣብ ኩባ ዝነበረ ሚሳይላት ኑክሌስ ከተውጽእ እንከላ፡ ኬነዲ ድማ ኣብ ቱርኪ ዝነበረ ሚሳይላት ኣሜሪካ ክኣልዮም ቃል ኣትዩ።
እንተዀነ ድሕሪ ሽድሽተ ዓሰርተታት ዓመታት፡ መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ሂብካ ንምቕባል ድሉው ምዃኑ ዘርእይ ምልክት የለን። ሕጂ እውን ኑክሌሳዊ ኵናት ክህሉ እዩ ዝብል ሻቕሎት ዓሲሉ ኣሎ።
ኵናት ዩክረይን፡ ንቅልውላው ሚሳይል ኩባ ብዝተፈለየ መልክዑ ዝቐጸለ እዩ። ዝሓለፈ ለካቲት መራሒ ሩስያ ንልኡላዊት ሃገር ወሪሩ።
ዋላ’ኳ ኣብ ዓውደ ግምባር ብከቢድ እንተተበድሀ፡ ሕጂ'ውን ፑቲን ኣብ ልዕሊ ዩክረይንን ኣንጻር ምዕራባውያንን ዓወት ንምሕፋስ ኣብ ውሳነኡ ዝጸንዐ ይመስል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







