ኵናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካ ኣብ ኣውሮጳ ዘለዋ ዓቕሚ ሰራዊት ክትውስኸሉ’ያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣሜሪካ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ንዝፈጸመቶ ወራር ግብረ-መልሲ ንምሃብ ቍጽሪ ወተሃደራታ ኣብ ኣውሮጳ ክትውስኽ እያ። እዚ፡ ኣባላት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ‘መሰረታዊ ለውጢ’ ክገብራ ኣብ ዝተሰማማዓሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ።
ኣሜሪካ፡ ግዝያዊ ቤት ጽሕፈት ‘እዚ’ ኣብ ፖላንድ ክትከፍት፡ ሓደስቲ መራኽብ ኵናት ናብ ስጳኛ ክትሰድድ፡ ነፈርቲ ኵናት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክትልእኽን ሰራዊታ ኣብ ሮማንያ ከተዐስክርን እያ።
ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ “ኔቶ ከምዚ ሕጂ ተደልይዎ ዘሎ ተደልዩ ኣይፈልጥን’ዩ” ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጆነስ ስቶልተንበርግ፡ እቲ ኪዳን ድሕሪ ዝሑል ኵናት ኣብዚ እዋን ዝዓበየ ፈተነ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ሓቢሩ።
ንወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ግብረ-መልሲ ንምሃብ ወጺኡ ብዘሎ ውጥን፡ እቲ ኣብ ተጠንቀቕ ዝርከብ 40 ሽሕ ሰራዊት ኔቶ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ቍጽሩ ናብ 300 ሽሕ ክብ ክብል እዩ።
ጆ ባይደን ኣብ ማድሪድ ኣብ ዝተጋብአ ኣኼባ ኔቶ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ “ኔቶ ኣብ መሬት፡ ኣየርን ባሕርን ብዅሉ ኣንፈትን ከባብን ዝሓየለ ክኸውን እዩ፡” ኢሉ።
ሚኒስትሪ ምክልኻል ዓባይ ብሪጣንያ፡ ዝርዝርን ቍጽሪን ከይሃበ፡ ዓቕሚ ሰራዊት ኔቶ መራኽብ ውግእ፡ ነፈርቲ ኲናትን ሓይሊ ምድርን ኣዝዩ ክትርንዕ ምዃኑ ገሊጹ።
ኣሜሪካ ብወገና፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ብፍላይ ከኣ ኣብ ምብራቕ ኣውሮጳ ዓቕሚ ሰራዊታ ከምእትውስኽ ብምሕባር፡ ኣብ ፖላንድ ማእከሉ ዝገብር ኵሉ ዓይነት ሰራዊት ዝሓቘፈ ሓምሻይ ኣሃዱ ከተዋፍር’ያ።
ጆ ባይደን፡ ንተጋባእቲ ኔቶ፡ “ንነፍስወከፍ ስድሪ መሬት ክንከላኸል ኣለና፡ ደጊምና ክንርድኦ ዘለና ኣብ ልዕሊ ሓንቲ [ኣባል ኔቶ] ዝፍጸም መጥቃዕቲ ኣብ ልዕሊ ኵልና እዩ ዝፍጸም ዘሎ፡” ኢሉ።
- ዓቕሚ ኣብ ስጳኛ ዝርከብ ጭፍራ ተዋጋእቲ መራኽብ ካብ ኣርባዕተ ናብ ሽዱሽተ ምብራኽ
- ኣብ ሮማንያ 3000 ተዋጋእትን 2000 ፐርሰናላትን ዝሓዘ ሓዲሽ ኣሃዱ ምስፋር
- ክልተ ጭፍራ ተዋጋእቲ F-35 ዝዓይነተን ነፈርቲ ውግእ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ምዕስካር
- ኣብ ጀርመንን ኢጣልያን ኣባላት ሓይሊ ኣየር ምስ ምሉእ ኣጽዋሮም ምውሳኽ

ብሪጣንያ ብወገና ኣብ ኢስቶንያ ዝርከብ ዓቕሚ ሰራዊታ ብዕጽፊ ብምዕባይ ናብ 1600 ክብ ኣቢላቶ ኣላ።
ብዘይካ እዚ፡ ኣብ ባልካን’ውን ሰራዊት ከም እተዋፍር ብምሕባር፣ እንተዀነ እቲ ሰራዊት ንግዚኡ ኣብ ሃገሩ ኰይኑ ኣብ ተጠንቀቕ ከም ዝጸንሕ ሚኒስትሪ ምክልኻል እታ ሃገር ገሊጹ።
ኣብቲ ኣኼባ፡ ስዊድንን ፊንላድን ኣባላት ኔቶ ንኽዀና ዘቕረባኦ ሕቶ ምሉእ ብምሉእ ተቐባልነት ረኺቡ፣ እንተዀነ እቲ ነገር ውዱእ ንኽኸውን ኵለን 30 ኣባላት ኔቶ ብወግዒ ክታመን ከንብራሉ ኣለወን።
ጆ ባይደን፡ ምሕዋስ ፊንላንድን ስዊድንን ምስ ኔቶ “ብርግጽ ፑቲን ዘይደልዮ’ዩ፡፡ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ንኽፍጸም ዝሓንጸጾ ስትራተጂ ከኣ ድሮ ናብ ነብሱ ይባረቘ’ሎ” ኢሉ።
ዋና ጸሓፊ ኔቶ ጆነስ ስቶልተንበርግ፡ ፊንላንድን ስዊድንን ካብ ሕጂ ንደሓር ኣብ ፖለቲካ፡ ሕግን ዓቕሚ ሰራዊትን እቲ ኔቶ ዝጠልቦ መለክዒ ከማልኣ ከም ዘለወን ሓሳቡ ሂቡ'ሎ።
እቲ ሓላፊ፡ ኣባላት ኔቶ ንዩክረይን ነዳዲ፡ ቀረብ መድሃኒት፡ ዕጥቂ መከላኻሊ ብረት፡ ጸረ ድሮንን ጸረ ነታጒ ዝርከቦ ኵሉ ዓይነት ሓገዝ ክገብራላ ከም ዝተሰማምዑ ገሊጹ።
ኣባላት ኔቶ፡ ሩስያ ንኔቶ ስግኣት ከም ዝዀነትን፡ ኣብ መላእ ኣውሮጳን ኣትላንቲክን ሰላምን ርግኣትን ከይሰፍን ትሕምስ ከምዘላን ኣብ ሓደ መደምደምታ ምብጽሐን ስቶልተንበርግ ገሊጹ።
ኣስዒቡ፡ “ኣብ ልዕሊ ኣባላት ኔቶ መጥቃዕቲ ክፍጸም ኣይክእልን’ዩ ኢልና ኢድና ኣጣሚርና ክንጸንሕ ኣይንኽእልን ኢና” ይብል።
ፑቲን ብወገኑ ፊንላድን ስዊድንን ኣብ ኔቶ እንተ ተጸንቢረን ወጥሪ ክዛይድ ከምዝኽእል ብምግላጽ፡ ብፍላይ ኔቶ ኣብ ውሽጢ እዘን ክልተ ሃገራት ትሕተ ቅርጺ እንተ ኣንቢሩ፡ ሃገሩ [ሩስያ] ግብረ-መልሲ ከምእትህብ ኣጠንቂቝ ኣሎ ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







