ቱርኪ፡ ፊንላንድን ስዊድንን ናብ ኔቶ ክጽንበራ ደጊፋ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣባል ሰራዊት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ [ኔቶ] ዝዀነት ቱርኪ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክዀና ንዘቕረብኦ ጠለብ ደጊፋ።
ኣብ መጀመርታ፡ ቱርኪ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ሚሊሻታት ኩርድ ኣዕቚበን እየን ብዝብል ክሲ ውሳነ ክልቲአን ሃገራት ተቓዊማቶ ምንባራ ይፍለጥ።
ብዘይካ ደገፍ እዛ ሃገር ድማ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣቕሪበናኦ ዝነበራ ሕቶ ምጽንባር ክሰምር ኣይክእልን።
ሩስያ፡ ምጽንባር እዘን ሃገራት ክትቃወሞ እንከላ፡ ኣብቲ ዞባ ዝርአ ዘሎ ምስፍሕፋሕ ሰራዊት ሃገራት ምዕራብ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ኲናት ንምውላዕ ተጠቒማትሉ እያ።
ሚኒስትራት ጉዳያት ወጻኢ ቱርኪ፡ ስዊድንን ፊንላንድን፡ ስግኣት ቱርኪ መረጋገጺ ዝኸውን ሓባራዊ ስምምዕ ፈሪሞም።
ኣዛዚ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ስዊድን እቶም ቱርኪ እትጥርጥሮም ሚሊሻታት ካብ ሃገራ ንምስጓግ ከም ዝተሰማምዐት ገሊጹ።
ቅድም ኢሉ፡ ስዊድንን ፊንላንድን ኣብ ልዕሊ ቱርኪ ኣንቢረናኦ ዝነበራ እገዳ መሸጣ ኣጽዋር’ውን ከልዕላ እየን።
ፕረዚደንት ፊንላንድ ኒኒስቶ፡ ሰለስቲአን ሃገራት “ኣንጻር ኣብ ልዕሊ እተን ሃገራት ዘንጸላሉ ስግኣታት ድሕነት ንምትሕብባር” ስሉሳዊ ስምምዕ ከም ዝፈረማ ተዛሪቡ።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ስዊድን ማግዳሊና ኣንደርሰን ብወገና እዚ፡ ንኔቶ ኣገዳሲ ስጉሚ” እዩ ኢላ።
ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ድማ፡ ቱርኪ ካብ ስዊድንን ፊንላንድን “እትደልዮ ረኺባ’ያ” ክብል ኣብ መግለጺኡ ሓቢሩ።
ስዊድንን ፊንላንድን፡ ድሕሪ እቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ናብ ኔቶ ክጽንበራ ምዃነን ወግዓዊ ገይረን።
ሕጂ፡ እተን ሃገራት ምስ ኔቶ ዘለወን ርክብ ጥንኩር ከም ዝዀነ ዝገልጽ ኣዛዚ ኔቶ ጄንስ ስቶልተንበርግ ወግዓዊ መስርሕ ምጽንባር “ብቕልጡፍ” ከም ዝውገን ሓቢሩ።
ዝዀነ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝቐርብ ጠለብ ብዅለን ኣባላት እቲ ልፍንቲ ክጸድቕ ኣለዎ።
ስዊድንን ፊንላንድን ኣባላት እንተዀይነን፡ እታ ንልዕሊ 200 ዓመታት ምስ ዝዀነት ሃገር ጸግዒ ሒዛ ዘይትፈልጥ ስዊድን እዚ ናይ መጀመርታኣ ታሪኽ ክኸውን እዩ።
ፊንላንድ ብወገና ድሕሪ ውድቀት ሕብረት ሶቭየት ንዝሓለፈ ልዕሊ ሰላሳ ዓመታት ዘይሻራዊት ሃገር ኰይና’ያ ክትከይድ ጸኒሓ።
ፊንላንድ ናብዚ ወተሃደራዊ ልፍንቲ ንምጽንባር ከተርእዮ ንዝጸንሐት ድልየታት፡ ንዓመታት ህዝቢ እታ ሃገር ዝነበሮ ደገፍ ካብ 20 ክሳብ 25 ሚእታዊት ኰይኑ ጸኒሑ’ዩ።
ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ግን ናብ 79 ሚእታዊት ሓፍ ኢሉ። ኣብ ስዊድን ድማ 60 ሚእታዊት ህዝቢ ጥራይ እቲ ሕቶ ልክዕ’ዩ ኢሉ ይቕበሎ፤ እዚ ቅድሚ እቲ ኲናት ዝተሓተ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







