ኪዳን ሩስያ-ኢራን ሓድሽ ሓደጋ ንዓለም ዶ ይኸውን?

ኢራን፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዝተራቐቝ ኣጽዋራት ንሩስያ ክትህብ ስለእትኽእል ኣስጋኢ እዩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኢራን፡ ኣብ መጻኢ ዝያዳ ዝተራቐቝ ኣጽዋራት ንሩስያ ክትህብ ስለእትኽእል ኣስጋኢ እዩ

ዝሓለፈ ዓመታት፡ ዛዕባ'ቲ ካብ ሩስያ ናብ ኢራን ዘምርሕ ዝነበረ ዝተራቐቐ መከላኸሊ ኣየር መዛረቢ ማዕከናት ዜና ኰይኑ ነይሩ እዩ። ሕጂ ግን ብኣንጻሩ፡ ዋሕዚ ኣጽዋር ኣንፈቱ ቀይሩ ከምዘሎ ጆናታን ማርከስ ካብ ትካል ስትራተጂን ጸጥታን ዩኒቨርሲቲ ኤክስተር ጽሒፉ’ሎ።

ድሮናት ኢራን፡ ንሰላማውያን ዩክሬናውያን ንምርዓድን ንስርዓተ ምምንጫውን ምዝርጋሕን ጸዓት እታ ሃገር ንምጥቃዕ ተዋፊረን ኣለዋ።

ሩስያ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዘጋጥማ ዘሎ ጸገማት፡ ልክዕ ዕላማኦም ዝሃርሙ ተመራሕቲ ኣጽዋራት ንምርካብ ናብ ኢራን ገጻ ክትጥምት ደሪኽዋ ኣሎ፤ መሳርያታት ብቕልጡፍ ይውዳእ’ዩ ዘሎ።

ሩስያውያን፡ ንመሬታዊ ዒላማታት ዩክረይን ንምጥቃዕ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣጋጣሚታት ሚሳይላት ምክልኻል ገማግም ባሕርን ኣየርን ተጠቒሞም እዮም፤ ነዚ ግን ብቝዓት ኰይኖም ኣይተረኽቡን።

ካብ ኢራን ናብ ሩስያ ዘቕንዐ በረራታት ክትትል ተገይሩሉ እዩ። ምንጭታት ኣሜሪካ ዘውጽእዎ ጸብጻባት ከም ዝመልክትዎ፡ ኢራናውያን ኣሰልጠንቲ ኣባላት ሓለዋ ሰውራ ኢራን፡ ኣብ ክረሚያ ናብ ዝርከብ መደበር ተዋፊሮም ንኣጠቓቕማ ‘ቲ ስርዓተ ኣጽዋር ንሩስያውያን የሰልጥኑ ኣለው።

ካብተን ተሃሪመን ዝወደቓ ክልቲኡ ዓይነት ድሮን፣ ‘ሻሂድ-131’ [ካሚካዘ ተባሂለን ዝፍለጣ] ከምኡ'ውን ዝዓበየ ‘ሻሂድ-136’ ዝተረኽበ ስብርባር ተተንቲኑ እዩ።

ኢራን፡ ዋላ’ኳ ነዚ እንተኸሓደት፡ ነቲ ኣብ ኣጽዋራት ሩስያ ኣጋጢሙ ዘሎ ርኡይ ሕጽረት ትሽፍን ከም ዘላ ዘጠራጥር ኣይኰነን።

እዚ ንዩክረይን ጽቡቕ ዜና ከምዘይኰነ ብሩህ እዩ። ሓያለ ካብተን ብኢራን ዝቐረባ ድሮናት ተሃሪመን ይወድቃ’ኳ እንተለዋ፡ ካብዚ ዝኸፍአ ክመጽእ ከም ዝኽእል ግን ይፍራሕ።

ኢራን ዝያዳ ዓቕሚ ዘለዎም ኣጽዋራት ኣለዉዋ። ስለዚ፡ ካብዚ ንላዕሊ ሓደገኛ ዝዀኑ ከም ባሊስቲክ ሚሳይላት ዝኣመሰሉ ኣጽዋራታ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ሩስያ ክግዕዙ ከምዝኽእሉ ስግኣታት ኣሎ።

እዞም ኣጽዋራት ካብተን ድሮናት ንላዕሊ ዓበይቲ ርእሲ ኲናት ዝጸሩ ክዀኑ እንከለዉ፡ በቲ ኻልእ ገጽ፡ ዩክረይን ናይ ጸረ-ባሊስቲክ ሚሳይል ዓቕማ ድሩት እዩ። እዚ ድማ ምዕራባውያን ንጸረ-ኣየርን ጸረ-ሚሳይላትን ዓቕሚ ዩክረይን ንምድልዳል ዝገብርዎ ዘለዉ ጻዕርታት ዝያዳ ክሓላልኾ ይኽእል እዩ። 

ስብርባር ድሮን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሓድሽ ወጥሪ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ኣብ መንጐ ሞስኮን ቴህራንን እናዓሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ዝምድና፡ ዝሰፍሐ ጽልዋታቱ ኸ እንታይ ይኸውን?

እዚ ብቐንዱ ነቲ ኣብ መንጐ ማሕበረሰብ ዓለምን ቴህራንን እናሞተ ዝኸይድ ዘሎ ኑክሌራዊ ውዕል ክጸልዎ ከም ዝኽእል ይግመት። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ነቲ ኣብ ሶርያ ዘሎ ተኣፋፊ ሚዛን ሓይልታት፡ ንእስራኤል ሳዕቤን ክህልዎ ብዝኽእልን ከም ውጽኢቱ ምስ ሞስኮ ንዘለዋ ዝምድና ብዝጸሉን ክገማጥሎ ይኽእል እዩ።

ክልቲአን ሩስያን ኢራንን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ንጹላት ስለዝዀና ዝምድናታት ክፈጥራ ከምዘድልየን ብሩህ እዩ።

ሩስያ፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረን ዘካየደቶ ወራር፡ ቍጠባዊ እገዳታት ኣጋጢምዋ እዩ፤ እቲ ኲናት ከኣ ከምቲ ዝሓሰበቶ ጽቡቕ ኣይከይደላን ዘሎ። ስርዓት ኢራን’ውን ብሰንኪ ኑክሌሳዊ መደባቱን ትሑት መዝገብ ሰብኣዊ መሰላትን ኣብ ትሕቲ እገዳ እዩ ዘሎ፤ ኣብ ውሽጢ ሃገር’ውን ሰፊሕ ተቓውሞታት ይገጥሞ'ሎ።

ክልቲኦም፡ ንቻይና ሓዊስካ ኣካል ሓደ ንእሽቶ "ክለብ" ምልካውያን ኰይኖም፡ ናይ ገዛእ ርእሶም ዞባዊ ስትራተጂያዊ ዕላማታት ንምዕዋት ዝንቀሳቐሱ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ብሰፊሑ፡ ኣንጻር እቲ ብኣሜሪካ ዝዕብለል ዓለማዊ ስርዓት ደው ኢሎም ንምጥቃዑ ዝጽዕሩን እዮም።

ኢራን፡ ብሰንኪ’ቲ ኣብ ውሽጢ ሃገራ እትገብሮ ዘላ ጸጥታዊ ስጕምቲታት ድሮ ካብ ምዕራባውያን ተወሳኺ ቍጠባዊ እገዳ ወሪድዋ ኣሎ። እዚ ሕጂ ናብ ሩስያ ትገብሮ ዘላ ምትሕልላፍ ኣጽዋር ከኣ፡ ብብሪጣንያን ፈረንሳን ከም ምጥሓስ ናይቲ ኣብ 2015 ዝጸደቐ፡ ውሳነ 2231 ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተገይሩ ይርአ ኣሎ።

እዚ ድማ ናብቶም ምስ ኑክሌር ዝተኣሳሰሩ እገዳታት ክመርሕ ይኽእል እዩ። እዚ ሓድሽ ወጥሪታት፡ ነቲ ኣብ ግንቦት 2018 ብምምሕዳር ትራምፕ ዝተነጽገ ኑክሌሳዊ ንጥፈታት ኢራን ንምድራት ተበጺሑ ዝነበረ ኣህጉራዊ ስምምዕ ‘JCPOA’ እንደገና ንምምላስ ክግበር ንዝጸንሐ ጻዕሪ ዝያዳ ከዳኽም እዩ።

እቲ ብትራምፕ ውዱቕ ዝተገብረ ስምምዕ እንደገና ንምምላስ ክግበር ዝጸንሐ ጻዕሪ፡ እንተወሓደ ክሳብ'ቲ ብ8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ ፍርቂ-እብረ ኣሜሪካ ደስኪሉ ኣሎ። እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ግን ኢራን ኣብ ንጥፈታት ምምዕባል ኑክሌሳዊ ኣጽዋር ትቕጽል ኣላ።

ምዕራባውያን ኣብ ኲናት ተጸሚደን ኣብ ዘለዋሉ፡ ጉዳይ ኑክሌየር ኢራን ስግኣት ምዃኑ ቀጺሉ’ሎ። ሩስያ - ሓንቲ ካብተን ቀንዲ ኣካላት’ቲ ስምምዕ ትዅን እምበር፡ ነዛ ሓዳስ ቀራቢት ኣጽዋር ኰይናታ ዘላ ኢራን ጸቕጢ ክትገብር ዳርጋ ዘይሕሰብ እዩ። 

ጕዳይ ሶርያ ከም ረቛሒ

እዚ ኣብ መንጐ ሞስኮን ቴህራንን እናዐበየ ዝመጽእ ዘሎ ርክብ፡ ብዅነታት ዝድረኽ እምበር ዝዀነ ዓሚቝ ስነ-ሓሳባዊ ምትእስሳር ዝፈጠሮ ኣይኰነን።

ሩስያ ምስ ኢራን ዘለዋ ርክብ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ብመጠኑ ምጥርጣራት ዝተሓወሶ እናዀነ እዩ ክመጽእ ጸኒሑ፤ እቲ ኣብ ሶርያ ዘለወን ዝተፈላለየ ህርፋን ከኣ ከም ሓደ ጽቡቕ መርኣያ ክውሰድ ይከኣል።

ወተሃደራዊ ምትእትታው ሩስያ ንስርዓት ኣሳድ ኣድሒንዎ እዩ። ሓይሊ ሰብ ኢራን፡ ኣጽዋርን ምልሻታትን እውን ንህላወኡ ወሳኒ ምንባሩ ዝፍለጥ እዩ።

እታ ክሳብ ሕጂ ህላወኣ ኣብ ሶርያ ዓቂባ ዘላ ሩስያ ግን፡ ብዛዕባ’ቲ ቴህራን ዘለዋ ዞባዊ ህርፋን ንኽትርዳእ ብዙሕ ትምሰጥ ኣይትመስልን። እንተዀነ ንጽልዋ ኢራን ንምግታእ ከምቲ እስራኤል እትምነዮ ዝነበረት ዝዀነ ስጕምቲ ኣይወሰደትን። እዚ ክበሃል እንከሎ፡ ጽልዋ ኢራን ኣብ ሶርያ ንምቕልባስ ዝዓለመ መጥቃዕቲ ኣየር እስራኤል ንምፍሻል ብዙሕ ኣይሰርሐትን።

ስለዚ፡ እቲ ሓድሽ ምዕባለ ዝምድና ሩስያን ኢራንን ነዚ ክቕይሮ ይኽእል ዶ?

ዝተወሰነ ሓይሊ ምክልኻል ኣየርን ሰራዊትን ሩስያ ካብ ሶርያ ኣብ ዝወጽኣሉ’ውን፡ ሞስኮ ኣንጻር ስርሒታት እስራኤል ጣልቃ ናይ ምእታው ዓቕሚ ኣሎዋ።

እዚ ጉዳይ’ዚ፡ ሓደ ካብቶም እስራኤል ንዩክረይን እትገብሮ ግዝያዊ ደገፋት ዝጸሉ ቀንዲ ስክፍታታት ኰይኑ ጸኒሑ እዩ።

ኣብ መጻኢ ኸ እንታይ ክስዕብ ይኽእል? ንኣብነት ሩስያ ኣምሳያ ‘ቲ ዝተገብረላ ዝያዳ ዝማዕበለን ዝተራቐቐን ኣጽዋር ንኢራን ክትህብ እንተወሲና፡ እስራኤል ከም ግብረመልሲ ነቲ ኣብ ዩክረይን ዘለዋ ተራ ክጸልዎ ይኽእል ዶ?

እዚ ንግዚኡ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ እስራኤል ኣብ ዝቐርበሉ ዘሎ እዋን ዝኸውን ኣይመስልን። እዚ ሓድሽ ዝምድና ሩስያን ኢራንን ግን ካብቲ ኣብ ዩክረይን ዝካየድ ዘሎ ኲናት ንላዕሊ ኣብ ዓለማዊ ጉዳያት ጽልዋ ከሕድር ዘለዎ ተኽእሎ ዓቢይ እዩ።