ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ምክልኻል ሚሳይል ዩክረይን ንምሕያል ሓገዝ ኣጽዋር ገይረን

ዩክሬይን ካብ ጀርመን ዝቐረበላ ሓገዝ ኣጽዋር ከም ዝበጽሓ ትገልጽ

ምንጪ ስእሊ, GENERAL STAFF OF UKRAINE'S ARMED FORCES

ሩስያ፡ ኣብ ልዕሊ ከተማ ኪቭ መጥቃዕታት ሚሳይል ድሕሪ ምፍጻማ፡ ኣብ ጐኒ ዩክረይን ዘለዋ ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ንኪቭ፡ ምዕቡል ኣጽዋር ምክልኻል ኣየር ክህባ ምዃነን ኣፍሊጠን።

ዓባይ ብሪጣንያ፣ ካናዳ፣ ፈረንሳን ሆላንድን፡ ሚሳይላትን ራዳርን ንዩክሬይን ከም ዝህባ ቃል ኣትየን።

ኣሜሪካ፡ ኣቐዲማ ተመሳሳሊ መብጽዓ ክትኣቱ እንከላ፡ ሓደ ካብ ጀርመን ዝመጽአ ላዕለዋይ ስርዓት - ቴክኖሎጂ ድሮ ናብ ዩክረይን በጺሑ ኣሎ።

መራሕቲ 50 ኣባል ሃገራት ኔቶ፡ ትማሊ ኣብ ብራስለስ - ቤልጅዩም ኣብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት እቲ ወተሃደራዊ ኪዳን ተኣኪቦም ነይሮም።

ኪቭ፡ ነቲ ዋዕላ "ታሪኻዊ" ክትብል ንኢዳቶ።

ዩክረይን፡ ብሰኑይን ሰሉስን፡ ሩስያ ልዕሊ 100 ሚሳይላት ከም ዝተኮሰትን ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ከም ዝተጠቕመትን ትገልጽ።

በዚ፡ ትሕተ ቅርጺ ጸዓትን ካልኦት ወተሃደራዊ ዘይኰኑ ዒላማታትን ከም ዝሃረመት ትኸስስ።

ኣብቲ ኣብ መጀመርታ መዓልቲ ዝተፈጸመ መጥቃዕታት ከኣ፡ 19 ሰባት ሞይቶም።

ብተወሳኺ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ዩክረይን ሰፊሕ ምቁራጽ ሓይሊ ኤለክትሪክን ምቁራጽ ቀረብ ማይን ኣስዒቦም።

በዚ ምኽንያት፡ ሰበ ስልጣን ርእሰ ከተማ ኪቭ፡ ናብ ምምቕራሕ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኣትው ተገዲዶም ኣለው።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ እቲ ናይ ሚሳይል መጥቃዕቲ ሕነ ናይቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ንሩስያን ክረምያን ዘራኽብ ኣገዳሲ ድልድል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ከም ዝዀነ ይገልጽ።

ሩስያ፡ ኣብ 2014 ንክረሚያ ከም ዝጐበጠታ ይዝከር።

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ኣብ ልዕሊ እቲ ድልድል ዘጋጠመ ነትጒ፡ ብትካል ስለያ ዩክረይን ዝተወደበ ምዃኑ መንግስቲ ሩስያ ይገልጽ። ዩክረይን ግን ነዚ ኽሲ ትነጽጐ።

ዓባይ ብሪጣንያ፡ ሚሳይላት ምክልኻል ኣየርን ንዓቕሚ ምእካብ ሓበሬታን ሎጀስቲክስን ዩክረይን ክሕግዙ ዝኽእሉ ኣማኢት ድሮናትን ከተበርክት እያ። ብተወሳኺ፡ 18 ሆዊትዘር ዝተባሃለ ከቢድ ብረት ከተህብ እያ።

ሚኒስተር ምክልኻል እታ ሃገር ቤን ዋሌስ፡ "ሩስያ ኣብ ዩክሬን ኣብ ልዕሊ ሲቪላዊ ከባቢታት ዘካየደቶ መጥቃዕቲ፡ ነቶም ንሃገሮም ክከላኸሉ ዝደልዩ ተወሳኺ ደገፍ ከም ዘድልዮም ዘረጋግጽ’ዩ።

"እዚ ኣጽዋር፡ ዩክረይን ሰማያታ ካብ መጥቃዕቲ ክትከላኸልን ሓፈሻዊ ዓቕሚ ምክልኻል ሚሳይል ከተሐይልን ክሕግዝ'ዩ" ኢሉ።

ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን ብወገኑ፡ ድሕሪ እቲ ትማሊ ኣብ ብራስለስ ዝተኻየደ ኣኼባ-ኔቶ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ንሳቶም [ዩክሬናውያን] ውጽኢታዊ ንኽዀኑ፡ ኣድላዩ ዘበለ ኩሉ ክንገብር ኢና” ክብል ተዛሪቡ።

ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ድማ፡ ሃገሩ ንዩክረይን ስርዓታት ምክልኻል ኣየር ከም እተቕርብ ሓቢሩ።

ንሱ፡ ምስ ተለቪዥን ፈረንሳ-2 ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ኣየኖት ስርዓታት ከም ዝለኣኹ እኳ እንተዘየነጸረ፡ ቀንዲ ዕማሞ እቶም ዝቐርቡ ሓገዛት ህዝቢ ካብ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ንምክልኻል ከም ዝኸውን ገሊጹ።

ሆላንድ፡ 14.5 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ሚሳይላት ምክልኻል ኣየር ከተቕርብ እያ ዝበለ ሚኒስተር ምክልኻል ካጅሳ ኦሎንግረን፡ መጥቃዕቲ ሩስያ "ንዩክረይንን ህዝባን ዘይዛሪ ድጋፍ ብምግባር ጥራይ’ዩ ክምከት ዝኽእል” ኢሉ።

ካናዳ፡ ናይ ሳተላይት መራኸቢታትን ካሜራታት ሰብ ኣልቦ ነፈርትን ዝርከቦ ልዕሊ 34 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትህብ ቃል ኣትያ።

ዓባይ ብሪጣንያ እትገብሮ ሓገዝ ኣጽዋር ኣብ ቀረባ እዋን ወግዓዊ ክትገብር ትጽቢት ይግበር። ሰራዊት ዩክረይን ብረቡዕ ካብ ጀርመን ዝመጽእ ኣጽዋር ከም ዝተቐበሉ ገሊጹ ነይሩ።

ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዜለንስኪ፡ ኣብ ልዕሊ እታ ሃገር ዝበጽሕ ደብዳብ ነፈርቲ ንምክልኻል ንኣዋርሕ መሓዙት ዩክረይን ሓገዝ ክገብራ ክምሕጸን ጸኒሑ እዩ።