ዋጋ ነዳዲ ስለምንታይ ይውስኽን ይጐድልን? ዋጋኡ ዝትምንከ መን'ዩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዝሓለፈ ግንቦት፡ ዋጋ ነዳዲ ንኽንኪ ዝቐርብ ዝነበረ ጻውዒት ስዒቡ፡ ቀንዲ ለኣኽቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ተኣኪበን ነይረን።
ኣብዚ እዋን ዘሎ ዋጋ ነዳዲ ዓለም፡ ዝያዳ እቲ ቅድሚ ሸሞንተ ዓመታት ዝነበረ’ዩ።
ነዳዲ ካብ ወጻኢ ዓዲገን ዝጥቀማ ሃገራት፡ እተን ነዳዲ ኣፍርየን ዝልእካ ሃገራት [ኦፔክ+] ምህርቲ ነዳዲ ንኽውስኻ ምሕጽንታአን ኣቕሪበን እየን።
እንተዀነ፡ እተን ለኣኽቲ ሃገራት ነዚ ዝሰምዓ ኣይመስላን። ብኣንጻሩ፡ ኣብ መዓልቲ ዝፈሪ ነዳዲ ብኽልተ ሚልዮን በርሚል ንምንካይ እየን ተሰማሚዐን።
ሩስያ እትርከበን ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ፡ ዋጋ ነዳዲ ንክውስኽ ስጕምቲ ይወስዳ ኣለዋ።
ዋጋ ነዳዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናይ ምንካይ ዝንባለ ኣርእዩ'ኳ እንተነበረ፡ ድሕሪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ግን ወሲኹ።
ኦፔክ ፕላስ እንታይ’ዩ?
ኦፔክ ፕላስ፡ ቀንዲ ለኣኽቲ ነዳዲ ዝዀና 23 ሃገራት ብኣባልነት ዝሓቘፈ ማሕበር እዩ። እዘን ሃገራት፡ 'ናብ ዕዳጋ ዓለም ክንደይ ዝኣክል ነዳዲ ንሽጥ?' ኢለን ብቐጻሊ ይራኸባ።
ኣብ ውሽጢ እዚ ማሕበር ካብ ዘለዋ ሃገራት፡ እተን 13 ሃገራት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን እየን።
ኦፔክ፡ ብ1960ታት ክምስረት እንከሎ፡ ቀረብን ዋጋን ነዳዲ ቅጥዒ ክሕዝ ንምግባር ዝዓለመ ነይሩ። ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ፡ 30 ሚእታዊት ቀረብ ነዳዲ ዓለም የፍርያ።
ስዑዲ ዓረብ እታ ዝዓበየት ኣፍራዪት ነዳዲ እቲ ማሕበር ኰይና፡ መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሚልዮን በርሚል ተፍሪ።
ብ2016፡ ዋጋ ነዳዲ ኣዝዩ ትሑት እናሃለወ፡ ኦፔክ ካልኦት ዓሰርተ ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝዀና ሃገራት ብምውሳኽ ኦፔክ ፕላስ ኰይኑ።
እዘን ሓደስቲ ኣባል ሃገራት፡ ሩስያ እትርከበን ኰይነን፡ መዓልታዊ ልዕሊ 10 ሚልዮን ነዳዲ የፍርያ።
እዘን ሃገራት ብሓባር፡ ኣስታት 40 ሚእታዊት ዘይተጻረየ ነዳዲ ዓለም የፍርያ።
ኣብ ኢንስቲትዩት ኢነርጂ እትሰርሕ ኬት ዶሪን፡ “ኦፔክ ፕላስ፡ ዕዳጋ ንምርግጋእ ቀረብን ድልየትን ክመጣጠን ይገብር’ዩ። ጠለብ ነዳዲ ክንኪ እንከሎ ድማ፡ ቀረብ ክውሕድ ብምግባር ዋጋ ይውስኽ፡” ትብል።
እቲ ማሕበር፡ ብተወሳኺ ዝያዳ ነዳዲ ናብ ዕዳጋ ብምቕራብ ዋጋ ክንኪ ክገብር ይኽእል እዩ።
ስለምንታይ’ዩ ኦፔክ ፕላስ ምህርቲ ነዳዲ ዝንኪ?
ብ2020፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ+ ኣብ ቬና ካብ ዝራኸባ ንደሓር፡ ካብ ነሓሰ 2022 ጀሚሩ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብኽልተ ሚልዮን በርሚል ብምንካይ ትሕቲ 42 ሚልዮን በርሚል ንክኸውን ተሰማሚዐን እየን።
እዚ ምንካይ ምህርቲ፡ ካብ ዝመጽእ ሕዳር ኣትሒዙ ተግባራዊ ዝኸውን ኰይኑ፡ እዚ ምንካይ ምህርቲ ክልተ ሚእታዊት ዓለምለኻዊ ቀረብ ዝሕዝን ትጽቢት ካብ ዝተገብሮ ንላዕልን እዩ።
እዚ ድማ፡ ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ ካብ 2020 ንደሓር ንፈለማ እዋን ዝገበራኦ ዝለዓለ ምንካይ ምህርቲ እዩ።
ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝተኸሰተሉ እዋን፡ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብልዕሊ ትሸዓተ ሚልዮን በርሚል ኣብ መዓልቲ ንምንካይ ተሓሲቡ ነይሩ።
እዚ ድማ፡ እቲ ኣብ ሰነ ካብ 122 ዶላር ናብ 90 ዶላር ወሪዱ ዝነበረ ዋጋ ነዳዲ ሓፍ ንምባል ዝዓለመ እዩ። እንተዀነ፡ ምህርቲ ነዳዲ ንምንካይ ዝተገብረ ውሳነ ወግዓዊ ምስ ኰነ መሊሱ ዋጋ ነዳዲ ወሲኹ።
ምውሳኽ ዋጋ ነዳዲ ድማ፡ ኣብ መላእ ዓለም ዝቕባበ ዋጋ ኣስዒቡ ኣሎ።
ኣሜሪካ፡ ኦፔክ ፕላስ ምህርቲ ነዳዲ ንኸይንኪ ሓቲታ ኣላ። ዋጋ ነዳዲ እንተጐዲሉ እቶት ሩስያ ይንኪ ኣሎ ማለት እዩ።
ዋይት ሃውስ፡ እቲ ውሳነ “ናይ ነዊሕ ግዜ ኵነታት ዘየማእከለ’ዩ” ክብል ገሊጽዎ።
ዝሓለፈ ሓምለ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ናብ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ዝገበሮ ምብጻሕ፡ ንወራሲ ዓራት ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማን ብምርካብ ስዑድያ ምህርቲ ነዳዲ ንኽትውስኽ ሓቲቱ ኣይሰረመሉን።
ቀዳማይ ሚኒስትር ነበር ብሪጣንያ ቦሪሰን ጆንሰን’ውን፡ ንስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተመሳሳሊ ሕቶ ኣቕሪቡለን፤ ግን ኣይሰመረን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋጋ ነዳዲ ስለ ምንታይ ንሂሩ?
ቅድሚ ክልተ ዓመት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክለዓል እንከሎ ብዙሓት ሃገራት ዕጽዋ ኣዊጀን። ዘይተጻረየ ነዳዲ ክኣ ዓዳጊ ስኢኑ ዋጋኡ ጐዲሉ።
“ኣፍረይቲ ነዳዲ፡ ምህርተን ንምሻጥ ንዓደግቲ ገንዘብ ይኸፍላ ነይረን። ኣፍረይቲ ነዳዲ ዝእክብሉ ቦታ’ውን ስኢኖም ነይሮም” ትብል ኬት።
ድሕሪኡ፡ ዋጋ ነዳዲ ክብ ንኽብል ኣባል ሃገራት ኦፔክ ፕላስ ምህርቲ ነዳዲ ኣብ መዓልቲ ብዓሰርተ ሚልዮን በርሚል ንኽንኪ ተሰማሚዐን።
ካብኡ ንደሓር፡ ጠለብ ክውስኽ ስለ ዝጀመረ እቲ ማሕበር መጠን ፍርያት እውን ቀስ ብቐስ ክውስኽ ገይሩ።
ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት ግን፡ ዋጋ ዘይተጻረየ ነዳዲ ንሓደ በርሚል ልዕሊ 100 ዶላር ኰይኑ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብሩ እገዳታት፡ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ሩስያ ከስዕቡ’ዮም ዝብል ስግኣት ኣሕዲሮም።
ካብ ሽዑ ኣትሒዙ እቲ ዋጋ ወሪዱ ብምንባሩ፡ ኦፔክ+ ምህርቲ ከጕድል’ዩ ዝብል ግምታት ኣስዒቡ ነይሩ።
ነዳዲ ሩስያ ኸ?
ሩስያ ንዩክረይን ምስ ወረረት፡ ብዙሓት ሃገራት ውሑድ ነዳዲ ሩስያ እየን ዓዲገን። ብሰንኪ'ዚ ዋጋ ነዳዲ ሩስያ ክጐድል ጀሚሩ።
ኣብ ሓደ እዋን፡ ዘይተጻረየ ነዳዲ ሩስያ ንበርሚል ብልዕሊ 30 ዶላር ተሸይጡ ነይሩ። ኣብ መወዳእታ መስከረም ክኣ፡ ናብ ትሕቲ 20 ዶላር ወሪዱ።
ህንድን ቻይናን፡ ካብተን ኣብ ልዕሊ ሩስያ እገዳታት ዝገበራ ሃገራት ምዕራብ ብዝተፈለየ ልዕሊ ፍርቂ ምህርቲ ነዳዲ ሩስያ ይዕድጋ ኣለዋ።
በዚ መሰረት፡ ሩስያ ንስዑዲ ዓረብ በሊጻ፡ ንቻይና እታ ዝዓበየ ነዳዲ እተቕርብ ዘላ ሃገር እያ።
ኣብ መጋቢት 2022፡ ቻይናን ህንድን ካብ ሩስያ ዝዓደጋኦ ነዳዲ ካብቲ 27 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ ዝዓደጋኦ ይዛይድ።
ሕብረት ኣውሮጳ ድማ፡ ካብ ሓሙሽተ ታሕሳስ ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ነዳዲ ሩስያ እገዳ ክገብር መደብ ኣለዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







