ልደት ፑቲን፡ ነዚ ወዲ 70 ዓመት ዝቐረጻ ሸውዓተ ኣገደስቲ ህሞታት

ፕሬዝደንት ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ 70 ዓመት ገይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ቭላድሚር ፑቲን ሎሚ ዓርቢ፡ 70 ዓመት ገይሩ ኣሎ። እዚ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ዝኸፈተ መራሒ፡ ከመይ ኢሉ’ዩ ካብ ዓለም ዝተገለለ ሰብ ኰይኑ ዘሎ?

ጸሓፊ፡ 'We Need To Talk About Putin' ከምኡ'ውን 'The forthcoming Putin's Wars' ዝብላ መጽሓፍትን መምህርን ፕሮፌሰር ማርክ ጋሎቲ፡ ፑቲን ኣብ ህይወቱ ንኣተሓሳስባኡ ዝቐረጻ ሸውዓተ ኣገደስቲ ህሞታት ኣለዋ ይብል።

እዚአን፡ ነቲ ቀጻሊ ካብ ምዕራብ ዘጋጥሞ ፖለቲካዊ ተነጽሎ ዘብርሃ እየን።

ጁዶ - 1965

ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም፡ ኣብ እዋን ናይ 872 መዓልታት ዕጽዋ ኣብ ለኒንጋርድ እዩ ተወሊዱ።

ኣብ እዋን ቁልዕነቱ፡ ኣብ ቤት ትምህርቲ፡ እከይን ደላዪ ባእስን’ዩ ነይሩ ክብል ዝዝክር ናይ ቀረባ መሓዝኡ “ስለ ዘይፈርሕ፡ ምስ ዝዀነ ሰብ ክብኣስ ይኽእል’ዩ” ይብል።

ወዲኒታት ኣብ ዝበዝሕሉ ጐደናታት እታ ከተማ ዝዓበየ ፑቲን፡ ወዲ 12 ዓመት ምስ ኰነ ናይ መጀመርታ ስልጠና 'ሳምቦ' ወሲዱ።

ሳምቦ፡ ማርሻል ኣርት ሩስያ እዩ። ቀጺሉ ጁዶ ሰልጢኑ።

ውፉይን ስነ ምግባሩ ዝሓለወን ነይሩ። ወዲ 18 ዓመት ምስ ኰነ፡ ብጁዶ ጸሊም ቅናት [black belt] ረኺቡ።

ኣብ ሃገራዊ ውድድር ጁኒየር ክኣ ሳልሳይ ወጺኡ።

ብርግጽ እዚ፡ ካብቲ ግዜ ኣትሒዙ፡ ብጥንቃቐ ዝተመረጸ ኣካል ስብእና macho persona ' ኰይኑ ኣብ ጥቕሚ ክውዕል እንከሎ፡ ነቲ ኣብ ሓደገኛ ዓለም ርእሰ ተኣማንነት ዘለዎ ሰብ ክትከውን ኣለካ ዝብል እምነቱ ኣሐዪልዎ’ዩ።

ብተወሳኺ፡ ፑቲን ባእሲ ዘይተርፍ እንተዀይኑ “ቀዲምካ ክተጥቅዕ ኣለካ፤ መባእስትኻ ድማ ብእግሩ ደው ከም ዘይብል ጌርካ ኣሕሚምካ ኣጥቅዓዮ” እዩ ዝብል።

ኣብ ኬጂቢ ስራሕ ሓቲቱ - 1968

ሰባት፡ ኣብ ሌኒንጋርድ ናብ ዝርከብ ዋና ቤት ጽሕፈት ፖለቲካዊ ፖሊስ ኬጂቢ ክኸዱ ኣይመርጹን።

ብዙሓት፡ ኣብ እዋን መራሒ ሕብረት ሶቭየት ዝነበረ ስታሊን፡ በቲ ቤትጽሕፈት ኣቢሎም ናብ'ቶም ግዱድ ናይ ጉልበት ስራሕ ይካየደሎም ዝነበሩ ካምፕታት ጉላግ ተሰጋጊሮም እዮም።

እዚ ህንጻ፡ ኣብ ሌኒንግራድ እቲ ዝነውሐ ህንጻ ስለ ዝነበረ፡ መብዛሕትኦም “ዓብዪ ገዛ” ኢሎም’ዮም ዝጽውዑዎ። ኣብ ትሕተ-ቤት እቲ ህንጻ ኰይንካ፡ ሰርቢያ ክትርእያ ትኽእል ኢኻ።

ፑቲን ግን፡ ወዲ 16 ዓመት እናሃለወ፡ ናብቲ ቀይሕ ምንጻፍ ዝተነጽፎ መቐበሊ ጋሻ ኣትዩ፡ ኣብ ኬጂቢ ከመይ ኢለ’የ ስራሕ ክረክብ ዝኽእል ኢሉ ሓተተ።

ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲኡ እንተዀይኑ ወይ ዲግሪ እንተሃልዩዎ ክኣቱ ከም ዝኽእል ተነጊሩዎ።

ንሱ ክኣ፡ ኣየናይ’ዩ እቲ ዝበለጸ ዲግሪ ኢሉ ሓቲቱ።

ሕጊ ዝብል ምላሽ ምስ ተዋሃቦ፡ ፑቲን ሕጊ ከጽንዕ ቈሪጹ ተላዒሉ፤ ብድሕሪኡ ከኣ ተቖጺሩ።

ኬጂቢ ውሕስነትን ዕብየትን ዝረኽበሉ ብምንባሩ፡ ነቲ ናይ ከተማ ጐበዝ ዝነበረ ፑቲን፡ ዝዓበየ ጉጅለ ወዲኒታት እዩ ኮይኑሉ።

ግን ክኣ፡ ኣብኡ፡ ዋና ተዋሳኢ ንክኸውን ዕድል ነይሩዎ። ኰተቴ እንከሎ፡ ናይ ስለላ ፊልምታት ይርኢ ከም ዝነበረ ዝዛረብ ፑቲን፡ “ሓደ ሰላሊ፡ ዕጫ ኣሽሓት ክውስን ይኽእል’ዩ” ይብል።

ኣብ 1971፡ ኣብ ረስሊንግ መማህርቱ ዝነበረ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ 1971፡ ኣብ ረስሊንግ መማህርቱ ዝነበረ

ብዕስለ ተኸቢቡ - 1989

ፑቲን፡ ኣብ ኬጂቢ ንፉዕ ሰራሕተኛ እንተነበረ’ውን ዕብየት ኣይረኸበን።

ስለዚ፡ ኣብ ድሪስደን ኣብ ዝርከቡ ኣብያተ ጽሕፈት ኬጂቢ ኦፊሰር ንምዃን ዘኽእሎ ስራሕ ንምርካብ፡ ቋንቋ ጀርመን ክመሃር ወሲኑ።

ኣብኡ ክኣ፡ ጽቡቕ ህይወት ክነብር ጀሚሩ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር 1989 ግን፡ ዞባ ምብራቕ ጀርመን ብዘደንጹ ፍጥነት ክዓኑ ጀሚሩ።

ብሓሙሽተ ታሕሳስ ድማ፡ እቲ ኣብ ድሪስደን ዝርከብ ህንጻ ኬጂቪ ብዕስለ ተኸቢቡ።

ሽዑ፡ ፑቲን ኣብ ቀረባ ካብ ዝነበረ ሰራዊት ሓገዝ ሓለዋ ሓቲቱ፤ ግን “ካብ ሞስኮ ትእዛዝ እንተዘይመጺኡ ዝዀነ ክንገብር ኣይንኽእልን። ሞስኮ ክኣ ምንም ኣይበለትን” ኢሎምዎ።

ፑቲን፡ ሃንደበት እቲ ማእከላይ ሓይሊ ከይፈርስ ስግኣት ሓዲሩዎ።

ስለ ዝዀነ ድማ፡ ተቓውሞ ክገጥመካ እንከሎ ቅልጡፍ መልሲ ዘይምሃብ ዝብል ስሕተት መራሒ ሶቭየት ሕብረት ሚካኤል ጎርባቺቭ ፈጺሙ ክድገም የብሉን በለ።

ፕሮግራም፡ 'ነዳዲ ብመግቢ' - 1992

ኣብ መወዳእታ፡ ፑቲን ካብ ኬጂቢ ወጺኡ። ከይጸንሐ ግና፡ ኣሳላጢ ከንቲባ ቅዱስ ፒተርስበርግ ናይ ዝነበረ በዓል ስልጣን ኰይኑ ስራሕ ጀሚሩ።

ቁጠባ እታ ሃገር ብቕልጡፍ የንቆልቁል ኔሩ።

ኣብቲ እዋን፡ ፑቲን ነበርቲ እታ ከተማ ንምሕጋዝ 100 ሚሊዮን ዶላር ዝግመት ነዳድን ሓጺንን ብመግቢ ንምልዋጥ ደሊሉ ብዝብል ተኸሲሱ።

ብግብሪ፡ ዋላ ሓደ መግቢ ዝረኣየ ሰብ ኣይነበረን። ግን፡ ብመሰረት ሓደ መርመራ ቀልጢፉ ጠጠው ክብል ስለ ዝተገብረ፡ ፑቲን፣ መሓዙቱን ወዲኒታት እታ ከተማን እቲ ገንዘብ ከም ዝወሰዱዎ ይጥቀስ።

ኣብ 1990ታት፡ ፑቲን፡ ፖለቲካዊ ጽልዋ ብገንዘብ ክልወጥ ዝኽእል ነገር ከም ዝዀነን ጭፍራ ገበነኛታት ክኣ ክጠቕምዎ ከምዝኽእሉን ቀልጢፉ ኣስተውዓለ።

ኣብ ከባቢኡ ዘለው ካብቲ ዝነበሮም መዝነት ክጥቀሙ እንከለው፡ ንሱ ኸ ድኣ?

ወራር ጆርጂያ - 2008

ፑቲን፡ ኣብ 2000 ዓ.ም ፕረዚደንት ምስ ኰነ፡ ምስ ምዕራብ ጽቡቕ ርክባት ክምስርት እዩ ዝብል ተስፋ ነይሩ።

ግን፡ ምዕራብ ንሩስያ ንምድኻምን ንምንጻልን ይጽዕር’ዩ ዘሎ ብምባል ቀልጢፉ ሓራቕ፣ ጸኒሑ ክኣ ዀራዪ ኰይኑ።

ፕረዚደንት ጆርጂያ ሚኸይል ሳካሽቪሊ ሃገሩ ናብ ኔቶ ክትጽንበር ምስ ወሰነ፡ ፑቲን እዚ ቀይሕ ካርዲ’ዩ ኢሉ።

ጆርጂያ ክኣ፡ ነታ ብሩስያ እትድገፍ ተፈልያ ዝወጽአት ዞባ ደቡብ ኦሴትያ ክትቈጻጸር ትፍትን ኣላ ዝብል ምኽኒት ተጠቒሙ ወተሃደራዊ ስጉምቲ ክወስድ ጀሚሩ።

ኣብ ውሽጢ ሓሙሽተ መዓልታት፡ ወተሃደራት ሩስያ ንሰራዊት ጆርጂያ ሓምሺሾምዎ።

ሃገራት ምዕራብ ተቘጢዐን።

ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ፕረዚደንት ኣሜሪካ ባራክ ኦባማ ምስ ሩስያ ዝነበረ ርክብ “ዳግም ክሕደስ” ከም ዝደሊ ገሊጹ።

ነዚ ስዒቡ፡ ሞስኮ ግጥማት ዋንጫ ዓለም 2018 ከተአንግድ ዕድል ተዋሂባ።

ኣብ ደቡብ ኦስቴያ ወዳ ዝሞታ ኣደ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደቡብ ኦስቴያ ወዳ ዝሞታ ኣደ

ተቓውሞ ኣብ ሞስኮ 2011-13

ኣብ 2011 ኣብ ዝተኻየዱ ባይቶኣዊ መረጻታት ስርቂ ተፈጺሙ እዩ ዝብል እምነት፡ እቲ ተቓውሞ ንክልዓል ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይግለጽ።

ፑቲን፡ ኣብቲ ኣብ 2012 ዝካየድ ውድድር መረጻ ክወዳደር እየ ምባሉ ግን ነቲ ኩነታት ከም ዘጉሃሃሮ ይእመን።

እቲ “ተቓውሞታት ቦሎትናያ” ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣብ ኣደባባይ ሞስኮ ዝተኻየደ ሰፊሕ ተቓውሞ፡ ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፑቲን ዝዓበየ ህዝባዊ ተቓውሞ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ።

ንሱ ግን፡ እቶም ተቓውሞታት ብኣሜሪካ ዝተወደቡ’ዮም ኢሉ ይኣምን።

ነዚ ድማ፡ ብውልቀሰብ ደረጃ ንሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሂላሪ ክሊንተን ይነቅፍ።

ንፑቲን፡ ምዕራብ ብቐጥታ ኣንጻሩ ከም ዝተላዕለት ዘርኢ ብቕላዕ ዝወጽአ ሚስጢር’ዩ ነይሩ።

ሰልፈኛታት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ተነጽሎ ኮቪድ - 2020 -21

ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዓለም ክላባዕ እንከሎ፡ ፑቲን ብዝተፈለየ መገዲ ንርእሱ ኣግሊሉ።

ብኣካል ክረኽቦ ዝደለየ ሰብ ንርእሱ፡ ንኽልተ ሰሙን ተፈልዩ ጸኒሑ፡ ጀርምታት ብዝቐትል ብርሃን ኣልትራቫዮሌትን ኣምካኒ ቫይረሳትን ብዘለዎ ኰሪደር ክሓልፍ ይግደድ ነይሩ።

ኣብዚ ግዜ፡ ቑጽሪ ምስ ፑቲን ዝራኸቡ ዝነበሩ መላፍንትን መነሓንሕትን ፑቲን፡ ብዘገርም ኩነታት እናውሓደ መጽኡ።

እዚ ንንኣሽቱ ኣማራጺ ርኢይቶታት ዝተቓልዐን ንናይ ባዕሉ ሃገር ዝኣክል ኣጠማምታ ዘለዎን ፑቲን፡ ኩሎም ግምታቱ ልክዕ ከም ዝነበሩ "ተማሂሩ"።

ኩሎም ዕሙታት ግምታቱ ክኣ ዘርኢ ወራር ዩክሬይን ወሊዶም።