ሽልማት ኖቤል እንታይ እዩ? ንምንታይ እዩ ኸ ኣገዳሲ ዝኸውን?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዓወትቲ፡ ናይቲ ኣብ ዓለም ሓደ ካብ ዝዓበዩ ዝበሃል ሽልማታት ዝዀነ ኖቤል ኣብዚ ሰሙን’ዚ ይግለጹ ኣለዉ። ተዓወትቲ 'ዚ ሽልማት፣ እንታይን ኣብ ምንታይ ዓውድን ከም ዝተዓወቱ ከኣ ይንገር ኣሎ። ምዕዳል እቲ ዝዓበየ ሽልማት ኖቤል ግን ዝመጽእ ዓርቢ 7 ጥቅምቲ ክግለጽ እዩ።
ሽልማት ኖቤል ሰላም፡ "ኣብ መንጐ ሃገራት/ኣህዛብ ሕብረት ንምስጓም፡ ኣጽዋራት ንምንካይ ወይ ንምዕናው፡ ከምኡ'ውን ጉባኤታት ሰላም ንምምስራትን ንምድንፋዕን" ዝከኣሎ ንዝሰርሐ ሰብ ወይ ትካል ይወሃብ።
ምሉእ ዝርዝር ሕጹያት ን50 ዓመታት ተቘሊፉ ዝጸንሕ’ኳ እንተዀነ፡ እዚ ናይ 2022 ውድድር ልዕሊ 300 ሕጹያት ኣለዉዎ። ኣብቲ መረጻ፡ ጋዜጣ ኪቭ ኢንዲፐንደንት፡ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪን ኣብ ስደት እትርከብ መራሒት ተቓወምቲ መንግስቲ ቤላሩስ ስቬትላና ቲካኖቭስካያን ከምዝርከቡ ግን ይግመት።
ስለምንታይ እዩ እዚ ሽልማት ክሳብ ክንድኡ ዓቢይ ኰይኑ? ገለ ካብቶም ቅድሚ ሕጂ ዝተዓወቱ ኸ በዓል መን እዮም?
እቲ ሽልማት
ሽልማት ኖቤል፡ ኣብ ዓውድታት ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ፡ ሕክምና፡ ስነ-ጽሑፍን ሰላምን ዓመታዊ ክወሃብ ዝጀመረ እዩ።
በዚ መሰረት፡ ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓውዲታት፡ ኣብ ዝሓለፉ 12 ኣዋርሕ "ንወዲ ሰብ ዘርብሕ ነገራት ዘበርከቱ" ሰባት ክሽለሙ እዮም።
እቲ ሽም፡ ካብቲ ነዚ ሽልማት ዝመስረተ ሽወደናዊ ነጋዳይ - መሃዚ ዳይናሚት ቦምብ - ኣልፍረድ ኖቤል ዝተወስደ እዩ። ዝበዝሕ ሃብቱ ኣብ ሓደ ማዕከን ገዲፉ ነቲ ሽልማት ኣበገሰ፤ ኣብ 1901 ከኣ እዚ ሽልማት ንመጀመርታ ግዜ ተዋህበ።
ኣብ 1968 ድማ ብማእከላይ ባንክ ሽወደን ሽልማት ስነቝጠባ ተወሲኽዎ እቲ ዓውድታት ሽልማት ዓበየ።
ብመሰረት ጸብጻብ መርበብ ሓበሬታ Nobelpeace.org፡ ካብ 1901 - 2021 ሽልማት ኖቤልን ሽልማት ስቨሪጅስ ሪክስ ባንክን ኣብ ዓውዲ ቝጠባ፡ ንዝኽሪ ኣልፍረድ ኖቤል ብድምር ን943 ውልቀሰባትን 25 ትካላትን ከም ዝተዋህበ ሰፊሩ’ሎ።
ኖብል ኣብዚ ዝተጠቕሰ ዓመታት፡ 58 ግዜ ንደቂ ኣንስትዮ ሸሊሙ።
ኣብ ታሪኽ ኖቤል፡ ፈረንሳዊ ጸሓፊ ዣን ፖል ሳርተን መራሒ ቬትናም ለ ዱክ ቶን ጥራይ እዮም ነቲ ሽልማት ነጺጐምዎ።
እዞም ሽልማታት ብኸመይ ይሰርሑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምሁራት፡ ፕሮፌሰራት ዩኒቨርሲቲ፡ ሳይንሰኛታት፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተዓወቱን ካልኦትን ኵላቶም ሕጹያቶም የቕርቡ። ብመሰረት ሕጊ ኖቤል ፋውንደሽን፡ ዝርዝር ሕጹያት ን50 ዓመታት ክሕተም/ክዝርጋሕ ኣይፍቀድን እዩ። ዝዀነ ሰብ ባዕሉ ንነብሱ ክሓጺ ኣይክእልን።
ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል 'ሎሬት' ይበሃል፣ እዚ ድማ ነቲ ኣብ ጥንታዊት ግሪኽ ይካየድ ኣብ ዝነበረ ውድድራት ንዝዕወቱ ሰባት ዝወሃብ ዕንበባ ሎረል ንምምልካት እዩ።
ካብ ሓደ ንላዕሊ፡ ግን ከኣ ካብ ሰለስተ ዘይበዝሑ ሰባት ንሓደ ሽልማት ክዕወቱ ይኽእሉ።
እዚ ሽልማት፡ መብዛሕትኡ ኣብ ክልተኡ ኲናታት ዓለም፡ ዘይተዋህበሉ ገለ ዓመታት ነይሩ እዩ።
ብመሰረት ሕግታት ኖቤል ፋውንደሽን ኣብ ሓደ ዓውዲ ሽልማት ዝግባኦ ሰብ እንተዘይተረኺቡ፡ ሽልማት ኣይወሃብን፤ እቲ ገንዘብ ድማ ንዝቕጽል ዓመት ይዕቀብ።
መረጻ ሎሬትን ዝወሃብ ሽልማትን
ሽልማት ኖቤል ፊዚክስ፡ ኬሚስትሪ፡ ፊዚዮሎጂ ወይ ሕክምና፡ ስነ-ጽሑፍን ቁጠባዊ ስነፍልጠትን ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ይወሃብ።
ተዓዋቲ ሽልማት ኖቤል ሰላም ከኣ፡ ኣብ ኖርወይ ብባይቶ ኖርወይ ብዝተመዘዙ ሓሙሽተ ኣባላት ብዝቘመት ኮሚቴ ይምረጽ፤ ኣብ ኦስሎ ርእሰ ከተማ ኖርወይ ድማ ይሽለም።
ተሸለምቲ ነፍሲ ወከፍ ሽልማት ሰለስተ ነገራት ይረኽቡ፤
• ዲፕሎማ ኖቤል - ነፍሲ ወከፉ ፍሉይ ስነ-ጥበባዊ ስርሓት ዘንጸባርቕ
• መዳልያ ኖቤል - ዝተፈላለየ ንድፊ/ዲዛይን ዘለዎም
• 10 ሚልዮን ሽወደን ክሮና (911,000 ዶላር) ዝግመት ገንዘባዊ ሽልማት፣ ተዓወትቲ ካብ ሓደ ንላዕሊ ምስ ዝዀኑ፡ ገንዘብ ኣብ መንጐ ዕዉታት ብማዕረ ይምቀል። ነቲ ገንዘብ ንምቕባል፡ ተዓዋቲ ሓደ ኣስተምህሮ/መደረ ከቕርብ ይግደድ።
እቶም ሽልማታት ኣብ 10 ታሕሳስ ዝኽሪ ዕለተ ሞት ኖቤል ኣብ ዝካየደሉ ስነ-ስርዓት ይወሃቡ።
ፍሉጣት ተዓወትቲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ባራክ ኦባማ፡ "ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲን ምትሕብባር ህዝብታትን ንምሕያል ብዝገበሮ ፍሉይ ጻዕሪ" ኣብ 2009 ሽልማት ኖቤል ሰላም ተዓዊቱ።
ፕረዚደንት ኦባማ ኣመና ከም ዝተገረመ ብምግላጽ፡ ነቲ ሽልማት ከም "ጻውዒት ንተግባር" ክጥቀመሉ ምዃኑ ገሊጹ። ይዅን እምበር ኦባማ፡ ምቕራብ ሕጹያት ዝዕጸወሉ ግዜ 12 መዓልታት ጥራይ ክትርፎ እንከሎ ኣብ ስልጣን ስለዝመጽአ፡ ሽልማቱ ብዙሕ ነቐፌታታት ኣስዒቡ እዩ።
ካልኦት ፍሉጣት ሰባትን ትካላት ከኣ፥ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ነበር ጂሚ ካርተር (2002)፡ ሕብረት ኤውሮጳ (2012)፡ ሕቡራት ሃገራትን ሽዑ ዋና ጸሓፊኡ ዝነበረን ኮፊ ኣናን (ብሓባር 2001)፡ ከምኡ’ውን ቅድስቲ ተረዛ ናይ ካልካታ (1979) ምጥቃስ ይከኣል።
ብዘይካ’ዚ፡ ኣልበርት ኣይንስታይን (ብፊዚክስ - 1921)፡ ማሪ ኩሪ (1903 - ፊዚክስ፣ 1911 - ኬሚስትሪ) እውን ሽልማት ኖቤል ተቐቢሎም እዮም።
ስድራቤት ማሪ ኩሪ ኣብ ታሪኽ ኖቤል ክብረወሰን ሒዞም ዘለው እዮም፣ ማሪ ክልተ ግዜ ነዚ ሽልማት ተዓዊታትሉ እያ፣ በዓል ቤታ ፒረን ጓሎም ኢሪን ድማ ሐሓደ ግዜ ተዓዊቶም። እዛ ስድራ፡ ንሰብኣይ ጓሎም ፍረደሪክ ኩሪ ጆሊየት ሓዊስካ ሓሙሽተ ኣባላታ ነዚ ሽልማት ዝተዓወቱሉ ብምዃን ኣብ ዓለም ፍሉይ ክብረወሰን ዝሓዘት ምዃና ይንገር።
ኣብ 17 ዓመት ዕድመኣ ሽልማት ኖቤል ዝወሰደት፡ ተቓላሲት ትምህርቲ ህጻናት ማላላ ዩሱፍዛይ (2014) ክሳብ ሕጂ እታ ዝነኣሰት ተዓዋቲት ኰይና ትቕጽል ኣላ።
ጆን ቢ ጉድኖው ከኣ እቲ ዝዓበየ፡ ኣብ መበል 98 ዕድመኡ፡ ኣብ 2019 ሽልማት ኖቤል ኬሚስትሪ ክወስድ ዝኸኣለ ተባሂሉ ተመዝጊቡ’ሎ።
ክልተ ሰባት - ፈረንሳዊ ደራስን ፈላስፋን ዣን ፖል ሳርተ ኣብ 1964፣ ከምኡ'ውን ቬትናማዊ ፖለቲከኛ ለ ዱክ ቶ ኣብ 1973 - ነቲ ሽልማት ተሓሲሞምዎ፤ ካልኦት ኣርባዕተ ድማ ንኸይቅበሉዎ፡ ብሃገራቶም ተገዲዶም።
ኣብ 2016፡ ድምጻዊ ቦብ ዲላን ሽልማት ኖቤል ስነ-ጽሑፍ ክቕበሎ ድዩ ኣይቅበሎን ዝብል ዘይርጕጽነት ኣልዒሉ ነይሩ፣ ኣብ መወዳእታ ግን ኣብ ሰነ 2017 ነቲ ሽልማት ንኽቕበል ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።
ገለ ዕዉታት በቲ ዝረኸብዎ እንታይ ገይሮም?

ምንጪ ስእሊ, Swaminathan Natarajan
ማሪን ፒየር ኪዩሪን ነቲ ኣብ 1903 ብፊዚክስ ዝተቐበልዎ ሽልማት ገንዘብ ንተወሳኺ ሳይንሳዊ ምርምር ተጠቒሞምሉ፤ ኣብ 2006 ተዓዋቲ ፊዚክስ ጆን ማዘር ድማ ነቲ ገንዘብ ንትካሉ ኣወፍዩ።
ኣብ 1993፡ ብሪጣንያዊ ባዮኬሚስት ሪቻርድ ሮበርትስ፡ ነቲ ብሕክምና ዝረኸቦ ሽልማት ገንዘብ፡ ሜዳ መጻወቲ ክሮኬት ዓዲግዎ፤ ኣብ 1993 ተዓዋቲ ብጻዩ ፊሊፕ ሻርፕ ድማ 100 ዓመታት ዝዕድመኡ ብ ‘ፌደራላዊ ቅዲ’ ዝተሰርሐ ገዛ ገዚኡሉ።
ኣብ 2001 ተዓዋቲ ሽልማት ሕክምና ዝዀነ ሰር ፖል ነርስ፡ ንባዕሉ ልዑል ደረጃ ዘለዋ ሞተር ብሽክለታ ገዚኡ።
ኦርሃን ፓሙክ ተዓዋቲ ሽልማት ስነ-ጽሑፍ 2006፡ ኣብ ኢስታንቡል ቤተ መዘክር ኣቝሙ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ዋና ኣሰናዳኢ ናጻ ጋዜጣ ‘ኖቫያ ጋዜጣ’ ሩስያዊ ዲሚትሪ ሙራቶቭ፡ ብሰንኪ ኲናት ዝተመዛበሉ ህጻናት ዩክረይን ንምሕጋዝ፡ ነቲ ዝረኸቦ ሜዳልያ ኖቤል፡ ክብረወሰን ብዝሓዘ 103.5 ሚልዮን ዶላር ብጨረታ ሸይጥዎ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







