ሜዳሊያ ኖቤል ሩስያዊ ጋዜጠኛ ሙራቶቭ ብ103.5 ሚሊዮን ዶላር ተጫሪቱ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያዊ ዋና ኤዲተር ናይ ብሕቲ ኖቫያ ዝተሰመየት ጋዜጣ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተዋህቦ ሜዳልያ ሽልማት ኖቤል ሰላም ብ103.5 ሚሊዮን ዶላር ኣጫሪቱዎ።
ዲመትሪ ሙራቶቭ፡ ኩሉ እቲ ካብ መሸጣ እዚ ሜዳልያ ዝርከብ ገንዘብ ኣብ ዩክሬይን ብዝካየድ ዘሎ ኲናት ንዝተሰደዱ ከም ዝውዕል ሓቢሩ።
ጋዜጣ ኖቫያ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ፈጸመት ኣብ ወርሒ መጋቢት ስርሓ ጠጠው ኣቢላ’ያ።
መንግስቲ፡ ዝዀነ ነቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝወሰደቶ ስጉምቲ “ኲናት” ኢሉ ዝገለጾ ከቢድ መቕጻዕቲ ከም ዝወርዶ ድሕሪ ምግላጹ’ያ እታ ጋዜጣ ስርሓ ጠጠው ኣቢላ።
ክረምሊን፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝተወስደ ስጉምቲ “ፍሉይ ወተሃደራዊ ስርሒት” ክትብል እያ ትገልጾ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚያዚያ ሙራቶቭ፡ ኣብ ባቡር ተሳፊሩ እናኸደ እንከሎ ቀይሕ ዝተበጽበጸ ፈሳሲ ናብ ዝባኑ ተደፊኡዎ።
እቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸመ ውልቀሰብ “ሙራቶቭ፡ እዚ ምእንቲ ኣሕዋትና”ዩ’ ክብሎ ተሰሚዑ።
እታ ባቡር ካብ ሞስኮ ናብ ሳማራ'ያ ትኸይድ ነይራ።

ምንጪ ስእሊ, DMITRY MURATOV
ሙራቶቭ፡ ብ1993 [ኣቆጻጸዕራ ኤውሮጳ] ሕብረት ሶቭየት ድሕሪ ምፍራሱ ንጋዜጣ ኖቫያ ካብ ሞንጎ ዝመስረቱ ጋዜጠኛታት እዩ።
ካብ 2000 ኣትሒዙ ድማ፡ ሽዱሽተ ጋዜጠኛታትን ተሓባበርትን እታ ጋዜጣ ምስ ስርሖም ብዝተሓሓዝ ተቐቲሎም።
መሸጣ ሜዳሊያ ሙራቶቭ ኣብ ኒውዮርክ ዝካየድ ዘሎ ኰይኑ፡ ዩኒሴፍ ካብ ዩክረይን ንዝተመዛበሉ ህጻናት ንምሕጋዝ ዝገብሮ ሰብኣዊ ምላሽ ዝሕግዝ ከም ዝዀነ ተገሊጹ።
ሙራቶቭ ብ2021፡ ኣብ ሩስያ ንናጽነት ሓሳብካ ምግላጽ ብምቅላስ ምስ ፍሊፒናዊት ኣመሪካዊት ማሪያ ሪሳ ጋዜጠኛ ብምዃን ሽልማት ኖቤል ሰላም ከም ዝወሰደ ይዝከር።
ሪሳን ሙራቶቭን፡ መራሕቲ ሃገሮም ዘቘጥዑ መርመራዊ ጸብጻባት ብምሕታም ዝፍለጡ ጋዜጠኛታት ኰይኖም፡ ምልክት ቃልጺ ናጽነት ፕረስ ተገይሮም ይውሰዱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







