ናብ ኢትዮጵያ እኽሊ ዝፀዓነት እትርከበን መራኽብ ካብ ወደብ ዩክረይን ተበጊሰን

መኽዝናት እኽሊ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሩስያ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ ንዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ስዒቡ፡ ካብቲ ካብ ዩክረይን እኽሊ ንምውፃእ ዝተበጽሐ ዓለማዊ ስምምዕ እኳ ንርእሳ እንተግለለት፡ እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ካብ ወደባታ ከምዝተበገሳ ዩክረይን ኣፍሊጣ።

ዩክረይን፡ 12 እኽሊ ዝጸዓና መራኽብ ትማሊ ሰኑይ ካብ ወደባታ ከምዝተበገሳ ክትሕብር እንከላ፡ ካብተን መራኽብ እታ ሓንቲ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝበፅሕ እኽሊ ከምዝፀዓነት ተፈሊጡ’ሎ።

ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ዩክረይን ከምዝሓበሮ፡ እቲ 40 ሽሕ ቶን እኽሊ ናብቶም ኣብ ኢትዮጵያ ብጥምየት ዝተጎድኡ ዜጋታት ዝበፅሕ’ዩ።

"ኣብ ኢትዮጵያ ብዙሓት ሰባት ሓደጋ ጥምየት ኣንፀላልይዎም ኣሎ" ክብል እቲ በዓልስልጣን ወሲኹ ሓቢሩ።

ቅድሚ ሕጂ ብውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ ካብ ዩክረይን ንኢትዮጵያ ዝተዓደገ እኽሊ ብ2 ነሓሰ 2014 ኣቆፃፅራ ግእዝ ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ይፍለጥ።

እቲ ናይ ረድኤት ስርናይ፡ ሩስያ ንዩክረይን ድሕሪ ምውራራ ናብ ኣፍሪቃ ዝተላእከ ናይ መጀመርታ እኽሊ ምዃኑ እውን ኣብቲ እዋን ተገሊጹ ነይሩ።

ናብ ኢትዮጵያ ዝቐርብ ረድኤት ስርናይ ሒዛ ናብ ጅቡቲ ዝኣተወት መርከብ፡ ባንዴራ ሊባኖስ እተንበልብልን ‘ብሬቭ ኮማንደር’ ብዝብል እትፅዋዕን ኮይና፡ 23 ሽሕ ቶን ስርናይ ጽዒና ነይራ።

ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ሽዑ ናብ ኢትዮጵያ ዝበጽሐ ስርናይ፡ ንልዕሊ ሓደ ሚልዮንን ፈረቓን ዝተጸገሙ ሰባት ንሓደ ወርሒ ንምምጋብ ዝሕግዝ ምዃኑ’ዩ ኣፍሊጡ።

ሩስያ ካብ ስምምዕ ምንስሓባ

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሩስያ ካብቲ ኣብ ቀረባ እዋን እኽሊ ብጸሊም ባሕሪ ኣቢሉ ብውሑስ መንገዲ ንኽሓልፍ ዝተፈረመ ዓለማዊ ስምምዕ ድሕሪ ምውጽኣ፡ ዩክረይን ነቲ ስጉምቲ ኮኒናቶ’ላ።

"ሩስያ ንዓለም ብጥምየት ተፈራርሕ ኣላ" ክትብል እውን ነቒፋ።

ሩስያ ነዚ ዓለማዊ ስምምዕ ዘቋረጸት፡ ዩክረይን ብቀዳም ኣብ ጸሊም ባሕሪ ኣብ ልዕሊ መራኽብ ሰፊሕ መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ፈጺማ ብዝብል’ዩ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ሰባስቶፖል ክሪሚያ ከምዝተፈጸመ ይግለፅ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ እቲ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ ድሕሪ ሒደት ሰዓታት፡ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ንዝጓዓዛ ናይ ጽዕነት መራኽብ ውሕስነት ክትህብ ስለዘይትኽእል፡ ንዘይተወሰነ እዋን ደው ክብል እዩ" ኢሉ።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ምሉእ ብምሉእ ከምዘየንሰሓበትን ንዘይተወሰነ እዋን ከምዝተቛረጸን ትማሊ ሰኑይ ኣፍሊጡ።

ዩክረይን ነቲ መጥቃዕቲ ሓላፍነት ከምዘይትወስድ ብምሕባር፡ ሩስያ ነቲ መጥቃዕቲ ከም ምኽንያት ተጠቒማ ካብቲ ዓለምለኻዊ ስምምዕ ተንሳሕብ ኣላ ክትብል ከሲሳ።

ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ድሕሪ ምኽፋታ፡ ካብ ወደባት ጸሊም ባሕሪ እኽሊ ከይወጽእ ብሓይሊ ባሕራ ዓጊታ ኔራ።

በዚ ድማ ንሰደድ ዝተዳለወ ኣስታት 20 ሚልዮን ቶን እኽሊ ከምኡ’ውን መግብን ነዳድን መውጽኢ ስኢኑ ፀኒሑ’ዩ። ሩስያ ድሕሪ ኣዋርሕ ነቲ ኣብ ወደባት ዝተነበረ እገዳ ኣልዒላቶ እያ።

ሚኒስተር ትሕተ-ቅርፂ ዩክረይን ኦሌክሳንድር ኩብራኮቭ ኣብ ትዊተር ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ትማሊ ሰኑይ፡ እኽሊ ዝጸዓና 12 መራኽብ ካብ ወደባት ዩክረይን ከምዝተበገሳ ሓቢሩ።

ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን፡ ዩክረይን እኽሊ ምልኣኽ ክትቅጽል ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን እዩ ክብል ኣጠንቂቑ።

"ሩስያ ኣብዞም ከባቢታት ድሕነት እዘን መራኽብ ምርግጋጽ ኣይከኣልን እዩ ክትብል ከላ፡ እቲ ስምምዕ ፈጺሙ ኣብ ግብሪ ኣብ ዘይውዕለሉ ደረጃ በጺሑ'ሎ ማለት እዩ። ኣብዚ እዋን በዞም ወደባት እኽሊ ምልኣኽ ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ። ውሕስነት ምሃብ ኣይከኣልን እዩ" ይብል ዲሚትሪ ፔስኮቭ።

ኣሜሪካ፡ ሩስያ ካብቲ ስምምዕ ምውጻኣ ብምኹናን "ንመግቢ ከም ኣጽዋር ትጥቀም ኣላ" ክትብል ከሲሳ።

ሓላፊ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦረል፡ ሩስያ ውሳነኣ ክትቅይር ፃውዒት ብምቕራብ፡ ሰደድ እኽልን ድኹዒን ኣብ ሓደጋ ምእታው ኣብ ቕልውላው መግቢ ዓለም ፅልዋ ዘሕድር ምዃኑ ገሊጹ።

ሩስያን ዩክረይንን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ውሑስ መሕለፊ (ኮሪደር) ንምኽፋት ምስ ሕቡራት ሃገራትን ቱርኪን ስምምዕ ከምዝፈረማ ይዝከር።