ንረድኤት ኢዳ ትዝርግሕ ኢትዮጵያ፡ ብሓቂ ድያ ብስርናይ ርእሳ ክትክእል?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኬንያ፡ ኣብ መወዳእታ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ኢትዮጵያ ስርናይ ንምእታው ኣብ ስምምዕ ከምዝበጽሐት ኣፍሊጣ ነይራ።
ቤት ምኽሪ መንግስቲ ኬንያ ነዚ ዝገለጾ፡ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ንፈለማ እዋን ናብ ኢትዮጵያ ዑደት ድሕሪ ምክያዱ፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ክልተኣዊ ዘተ ምክያዱ ስዒቡ እዩ።
ኣብዚ ተመሳሳሊ እዋን፡ ምስ ስርናይ ዝተተሓሓዘ ዜና ድማ፡ ንኢትዮጵያ ካብ ዩክረይን ዝኣቱ ረድኤት ሓገዝ እኽሊ ምህላው እዩ።
ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እቲ ረድኤት ነቲ ብኲናትን ብርቱዕ ድርቅን ንዝተሃስዩ ሚልዮናት ነበርቲ ንምምጋብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ከምዝድግፍ ሓቢሩ።
ምስዚ ተጋራጫዊ ሓሳባት ተተሓሒዙ፡ ሓንቲ ረድኤት ትሓትት ዘላ ሃገር ንርእሳ ከይከኣለት፡ ከመይ ኢላ ስርናይ ክትሰድድ ትኽእል ዝብል ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።
ኢትዮጵያ፡ ዋላ'ኳ እቲ ዝበዝሕ ኣብ መዓሙቕ ድኽነት ጥሒሉ ዝነብር ህዝባ ንምምጋብ ካብ ደገ ሓገዝ ዘድልያ እንተዀነት ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ብብዝሒ ኣፍራይት ስርናይ እያ።
እንተዀነ፡ እቲ ስርናይ ነቲ ጠለብ ውሽጢ ሃገር ክትሽፍኖ ኣይከኣለትን።
ስለዚ እዩ ድማ እታ ሃገር ነቲ ሕጽረት ንምምላእ ወፍሪ ብምግባር ስርናይ ካብ ወጻኢ ተእቱ ዘላ።
ነዚ ታሪኽ ሓንሳብን ንሓዋሩን ንምቕያር፡ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ሰለስተ ዓመታት፡ ጠለብ ህዝባ ንምምላእን ናብ ወጻኢ ንምልኣኽ ዝዓለመን ኣብ ሰፊሕ ምህርቲ ስርናይ ተዋፊራ ትርከብ።
ስርናይ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ
ኦሮሞታይ ሓረስታይ ተወላዲ ወረዳ ሉሜ ከባቢ ቆቃ፡ ኣቶ እንግዳ ብሩ፡ ኣብ ትሕቲ መደብ ምልማዕ ስርናይ ሓጋይ፡ ኣብቲ ሽጉርትን ኮሚደረን ዘልምዓሉ ሕርሻ፡ ብመስኖ ስርናይ ጥራይ ከፍሪ ከም ዝኽእል ብመንግስቲ ምስ ተነግሮ፡ ስክፍታ ፈጢርሉ ነይሩ።
“ቀዳማይ ነገር፡ ሓድሽ እዩ። ቅድሚኡ ኣብ ሓጋይ ብመስኖ ዝበቁል ስርናይ ርኢና ኣይንፈልጥን። ካልኣይ፡ እቲ መኽሰብ ምስ ካልኦት ፍርያት ተነጻጺሩ ትሑት እዩ፤ ምኽንያቱ ዋጋ ሓደ ኪሎ ሽጉርቲ 40 ብር ክኸውን እንከሎ፡ ዋጋ ሓደ ኪሎ ስርናይ ግን ካብኡ ይንእስ።”
ብድጋፍ ክኢላታት ናብ ምህርቲ መስኖ ስርናይ ዝኣተወ ኣቶ እንግዳ፡ ብዓይኒ ዕዳጋ ሽጉርቲ ምብቋል የኽስብ ብዝብል ሓሳብ፡ ብመንጽር ወጻኢታትን ጠለብ ማይን፡ ስርናይ ሓጋይ ዝያዳ ውጽኢታዊ ኰይኑ ከምዝረኸቦ ይዛረብ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ናብ ወቕቲ ክረምቲ ቅድሚ ምእታው፡ ኣብ ሓጋይ ካብ ሽዱሽተ ሄክታር መሬት 320 ኩንታል ስርናይ ከምዝረኸበ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
እቶም ሓረስቶት፡ ኣብ ወቕቲ ስርናይ ሓጋይ ዘጋጥሙ በላዕቲ ኣዕዋፍ ክከላኸሉ እንተኽኢሎም፡ ዝሓሸ መሳለጥያታት ምርባሕ እንተረኺቦም፡ ኣፍራይነቶም ዝያዳ ከም ዝውስኽ ይኣምኑ።
ኣብ እዋን ክረምቲ ካብ ሓደ ሄክታር ብማእከላይ ገምጋም 32 ኩንታል ስርናይ ምርካብ ዝከኣል ኰይኑ፡ ኣብ ሓጋይ ድማ ካብ ሓደ ሄክታር ክሳብ 45 ኩንታል ከምዝርከብ ምክትል ሓላፊ ሕርሻ እቲ ክልል የረድእ።
ኣብ ገሊኡ ቦታታት፡ ስርናይ ሓጋይ ካብቲ ንቡር ዘራእቲ ክረምቲ ዕጽፊ ምዃኑ ድማ ይዛረብ።
እቶም ሓረስቶት፡ ካብ መንግስቲ ዘመናዊ ድኹዒ፡ ዘርእን ሞያዊ ደገፍን ከምዝረኽቡ እውን ይዛረቡ።
ኣቶ እንግዳ፡ ኣብ ግራቱ ጉድጓድ ማይ ብምፍሓር፡ ኣብ ወቕቲ ሓጋይ፡ ስርናይ ከም ዝዘርአ ይዛረብ።
ሰለስተ ወይ ኣርባዕተ ሄክታር መሬት መስኖ ክህብ ዝኽእል ዒላ ንምዅዓት ክሳብ 40 ሽሕ ቅርሺ ከምዝሓተቶ ኣይሓብአን።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ኦሮሚያ ኣቶ ጌቱ ኣብ ምብራቕ ሽዋን፡ ኣብ ሃጓፍ ስንጭሮ [ሪፍት ቫሊ] ኣብ ዝርከቡ ቦታታት፡ ካብ ሸውዓተ ክሳብ 10 ሜትሮ ዕምቈት ዘለዎ ማይ ዒላ ናይ ምርካብ ዓቕሚ ኣብ ፈተነ ዝረኸብዎ ጽቡቕ ተመኵሮ ምዃኑ የመልክት።
እቲ ሓላፊ፡ እዚ ሜላ ዘይተለምደ እንተዀነ'ኳ፡ ብቐጻልነት ምህርቲ ስርናይ ሓጋይ ትርጕም ዘለዎ ኣበርክቶ ከም ዘለዎ ይገልጽ።
ጥርዓን ሓረስቶት
ኣብ መብዛሕትኡ እዋን፡ ጸጋታት ምፍራይን ሞያዊ ደገፍን ብግቡእ ንምጥቃም፡ ከምኡ’ውን ወራር ኣዕዋፍ ንምክልኻል፡ ስርናይ ሓጋይ ኣብ ዝተበታተነ ግራውቲ ንኣሽቱ ሓረስቶት ዘይኮነስ፡ ብኩታ-ገጠም [ሓዊስካ] እዩ ዝለምዕ።
ብተወሳኺ ኣብ እዋን ሓጋይ፡ ብብዕራይ ምሕራስ ኣጸጋሚ ስለዝዀነ ኣብ ዝተፈላለዩ ወረዳታት ትራክተራት ሕርሻ ናይ ምቕራብ ስርሓት ከምዝተሰርሐ ይግለጽ።
ንልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ኣብ ሕርሻ ክሰርሕ ከም ዝጸንሐ ዝገልጽ ወዲ 29 ዓመት እንግዳ፡ ኣስታት 25 ሄክታር መሬት ተኻርዩ ሽጉርትን ኮሚደረን ኣፍርዩ ናብ ዕዳጋ ከቕርብ ከም ዝጸንሐ ይዛረብ።
ይዅን እምበር፡ መንግስቲ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ፡ ንዕኡን ካልኦት ነበርትን ቀበሌ ቆቃ፡ ወረዳ ሉሜ፡ ኣብቲ መሬቶም ስርናይ ሓጋይ ከብቁሉ ምግዳድ ከምዝጀመረ ይዛረብ።
ሓረስቶት ክራይ መሬት፡ ትራክተር፡ ነዳዲ፡ ማይን ካልኦት ወጻኢታትን ብምሕሳብ፡ ኣየናይ ፍርያት ኣብ ኣየናይ ወቕቲ ክዘርኡ ከምዘለዎም ዝበለጸ ይፈልጡ እዮም ዝብል እምነት ኣሎ።
ንሱን ካልኦትን፡ ስርናይ ንምፍራይ ዋላ'ኳ ተገዳስነት እንተሃለዎም፡ ሓለፍቲ መንግስቲ እቲ ወረዳ ግን፡ ብግዴታን ኣንጻር ድሌቶምን መደቦምን ከገድድዎም ምርኣይ ግቡእ ከምዘይኰነ ንቢቢሲ ይገልጽ።
ኣብዚ ሓጋይ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ሓጋይ ስርናይ ዘብቁልሉ ግራት፡ ሽጉርቲ ከም ዝተኸሉ ይዛረብ።
እንተዀነ፡ ሰበስልጣን መንግስቲ እቲ ከባቢ 'ንምንታይ ስርናይ ዘይትተኽሉ?' ብምባል ካብ ምፍርራሕ ሓሊፎም፡ ነቲ ዝተኸልዎ ሽጉርቲ ከብቁልዎ ከምዘገደድዎም ይዛረብ።
ኣቶ እንግዳ፡ ንቢቢሲብ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብዙሓት ሓረስቶት ሞተር-ማይ ብሰበስልጣን ቀበሌ ከምዝተወሰዱን፡ 10 ካብቶም ሓረስቶት ድማ ንኽልተ ሰሙን ተኣሲሮም ከምዝተፈትሑን ሓቢሩ።
ንላዕለዎት ኣካለት መንግስቲ ጥርዓን ምስ ኣስምዑ፡ ስግኣታት መራሕቲ ወረዳን ቀበሌን ንግዚኡ ሃዲኡ ከምዘሎ ይዛረብ።
ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሕርሻ ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ ግን፡ ብኩታ-ገጠም ኣቢሉ ብመስኖ ዝፈሪ፡ ስርናይ ወቕቲ ሓጋይ ሓድሽ ስለዝዀነ ምጥርጣራት ከምዘሎ የረድእ።
“ኣሽንኳይ ሓረስቶት፡ ‘ቶም ሰብ ሞያን ሓለፍቲ መንግስትን’ውን ኣብ ሓጋይ ስርናይ ብኸመይ ይፈሪ ዝብል ሕቶ ፈጢርሎም ነይሩ። ድሒሩ ግን፡ እቲ ኣፍራይነት ካብ ከበሳታት ክሳብ ቆላታት ዘዋጽእ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ተረጋጊጹ። ስለዚ ኣብ ኵሉ ደረጃታት ዝርከቡ ሓረስቶት ብዛዕባ ስርናይ ሓጋይ ኣፍልጦ ረኺቦም እዮም" ይብል።
"ሕጂ በዓል ዋና እቲ ጉዳይ ባዕሉ’ቲ ሓረስታይ ኰይኑ ኣሎ" ብምባል ብምርድዳእን ምትእምማንን ከምዝስራሕ እዩ ዝዛረብ።
ሕርሻ ካብ ጽግዕተኛነት ዝናብ ሓራ ክወጽእ?
ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሕ ምህርቲ ስርናይ ብንኣሽቱ ሓረስቶትን ካብ ዝናብን እዩ ዝሳለጥ።
ይዅን እምበር፡ ብመሰረት ዝተረኽበ መረዳእታ፡ መንግስቲ ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት ምህርቲ መካናይዝድ ሕርሻ ብዕጽፊ ከምዝወሰኸ የመልክት።
ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት መንግስቲ፡ 'ኩታ-ገጠም' (ክላስተር)ን መካናይዝድ ሕርሻን ብምድንፋዕ፡ ከም ድዅዒን ምሩጽ ዘርእን ዝኣመሰሉ እተወታት ክድጉም ከምዝጸንሐ ይዝረብ።
እታ ሃገር፡ እዚ ትልምታት ብምጥቃም፡ ክሳብ 2023 ዘለዋ ጠለብ ስርናይ፡ ብውሽጣዊ ምህርቲ ንምምላእን ካብ ወጻኢ ዝኣቱ ስርናይ ደው ንምባልን መደብ ከምዘለዋ መንግስቲ ይገልጽ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ቀረባ እዋን፡ ብሜላ መደብ ኩታ-ገጠም፡ ኣብ ሓጋይ ስርናይ ዝፈሪ ምህርቲ ዝሓሸ ምዃኑ ኣብሪሁ፡ ስርናይ ካብ ወጻኢ ከይኣቱ ውጥን ተታሒዙ ከምዘሎ እውን ገሊጹ።
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ካብ ከበሳታት ክሳብ ቆላ፡ መልክዓ ምድርን ክሊማን እታ ሃገር ንፍርያት ስርናይ ኣዝዩ ምቹእ ምዃኑን፡ ነዚ ጸጋ ብግቡእ ብምጥቃም፡ ታሪኽ እዛ ሃገር እትፍለጠሉ ፤ 'ልማኖ' ስርናይ ንምቕያር ጻዕርታት ይግበር ከምዘሎ ይዛረቡ።
ዶ/ር ደምስ ጫኔ፡ ካብ ግዜ ኢህወደግ ጀሚሩ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ስርሓት ፖሊሲን ምርምርን ሕርሻ ዝነጥፍ ምሁር እዩ።
ኣብዚ ጉዳይ ሓሙሽተ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ኣዳልዮ ኣሎ። ሓደ ካብኦም፡ ኣብ 2015 ብእንግሊዝኛ ዝተዳለወ፡ 'ኢትዮጵያ ሕርሻኣ ከመይ ገይራ ዘመናዊ ክትገብር ኣለዋ' ዝብል መጽሕፍ ይርከቦም።
ንሱ፡ ምስ ካልኦት ምሁራት ወጻኢ ብምዃን፡ ነቲ ኣብ ዝናብ ዝምርኮስ ሕርሻ እታ ሃገር ሓራ ንምውጻእ፡ መስኖ መሰረት ዝገበረ ሕርሻ ክተኣታቶ ሓሳብ ኣቕሪቡ።
ይዅን እምበር፡ ኣብቲ እዋን ምህርቲ ስርናይ ብመስኖ ብዙሕ ከምዘይተሰርሐሉ ይዝክር።
"ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን፡ ብመስኖ ስርናይ ንምፍራይ ዝተሸፈነ ስፍሓት መሬት፡ 670 ሽሕ ሄክታር በጺሑ" ይብል።
ብመሰረት እቲ ኣብ መርበብ ሓበሬታ ኢካርዳ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ሃገራት ትሕተ ሰሃራ ሰፊሕ ስርናይ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ኣለዋ።
እዚ መረዳእታታት ከምዘመልክቶ፡ ኣብ 2020 ብመስኖ ዝለምዐ ስፍሓት መሬት እታ ሃገር፡ 20 ሽሕ ሄክታር ጥራይ ነይሩ።
ኢትዮጵያ ባጀታ ብምንካይ፡ ብሸርፊ ወጻኢ ካብ ካልኦት ሃገራት ዝኣቱ ስርናይ ደው ብምባል፡ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዘድሊ ቀረብ ስርናይ ንምምላእ ትጽዕር ኣላ።
ስርናይ ሰደድ ክትገብር ትኽእል ድያ?
ብመሰረት መረዳእታ፡ እታ ሃገር 70 ሚእታዊት ጠለብ ስርናይ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝፍጠር ኰይኑ፡ 30 ሚእታዊ ድማ ብመልክዕ ዕድጊ ወይ ረድኤት ካብ ወጻኢ ዝኣቱ እዩ።
ንዝተፈላለዩ ምኽንያታት፡ ደገፍ ንዘድልዮም ህዝቢ ብናይ ወጻኢ ሓገዝ ዝሽፈን እዩ።
ብሰንኪ ዝተናውሐ ድርቂ፡ ኲናትን ዝተፈላለዩ ሰብ-ሰርሖምን ተፈጥሮኣዊ ጸገማትን፡ ኣብታ ሃገር ብሚልዮናት ዝቝፀሩ ዜጋታት ሓገዝ የድልዮም ኣሎ፤ ነዚ ድማ ሕጂ'ውን ስርናይ ካብ ወጻኢ ይኣቱ ኣሎ።
ኣብዚ ቐረባ እዋን፡ ካብ ዩክረይን ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ሕቡራት ሃገራት ኣቢሉ፡ ናብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ስርናይ ይጥቀስ።
ብመሰረት ጸብጻብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ብፍላይ ድማ ኣብ ትግራይን ኣብ መዳውብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን፡ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ክሳብ 9 ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ሓገዝ የድልዮ ኣሎ።
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ዜጋታት ብሰንኪ ድርቂ ህጹጽ ረድኤት ከምዘድልዮም ይግለጽ።
ኣብ ከምዚ ኵነታት፡ 'ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ስርናይ ናብ ወጻኢ ሰደድ ትገብር?' ዝብል ሕቶ ዝለዓል ይመስል።
ኣቶ ጌቱ እቲ ሕቶ ዘገርም ከምዘይኰነ የረድእ።
"ህዝቢ ክንዲ ዝተረድኦ ይዛረብ" ዝብል ኣቶ ጌቱ፡ "ኢትዮጵያ ከመይ ገይራ ስርናይ ሰደድ ትገብር?" ዝብል ሕቶ ብተግባር ዝረኣይዎ ምዃኑ ይሕብር።
ተመራማሪ ዶክተር ደመስ ጫነ፡ ብወገኑ ምስቲ "ንግዲ ክትገብር ኣይትኽእልን ኢኻ" ዝብል ኣበሃህላ ኣይሰማማዕን እዩ።
“ኣብዚ ዳሕረዋይ እዋን ከም ዝተባህለ ኣይኰነን። ክንዛረብ ከለና ብመጽናዕቲ ኢና እንድግፎ። መጀመርያ ኢትዮጵያ ካብ ወጻኢ ስርናይ ምግዛእ ደው ከተብል ኣለዋ ኢልና። እዚ ሓሳብ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር መለስ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን ዝቐረበ እዩ።
ኣብቲ እዋን ኣስታት 600 ሽሕ ሜትሪክ ቶን ስርናይ ካብ ደገ ከም ዝዕደግ ይዝክሩ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ እዋን ለውጢ መንግስቲ፡ ዓቕሚ ምፍራይ እታ ሃገር እንታይ ክመስል ከም ዘለዎ ዝምልከት፡ ተወሳኺ መጽናዕቲ ናብ መንግስቲ ከም ዘቕረቡ ይዝክር።
“ቀዳማይ ነገር፡ ኣብታ ሃገር ዘሎ ጠለብ ክንሽፍኖ ኣለና። ንሱ ሸፊንና ክንነብር እንተኽኢልና፡ ንሰደድ ንግዲ ዝውዕል እንተዀይኑ ጸገም የብሉን።"
"ስርናይ ይሽየጥ ኣይሸየጥ"፡ ዝብል ስክፍታ የብለይን ዝብል ዶ/ር ደመስ፡ ብቐንዱ "ብዘላቕነት ብኸመይ ክስርሓሉ ይኽእል?" ዝብል ሕቶ የልዕል።
ብተወሳኺ ብመልክዕ ሓገዝ ናብ ሃገር ዝኣቱ ሓገዝ ስርናይ፡ ኣብቲ ብኲናት ዝተመዛበሉን ብድርቂ ዝተሃስየን ከባቢታት ስለዝበጽሕ ኣገዳሲ ምዃኑ ይኣምን።
'ሓድሽ ክስተት ኣይኰነን'
ብኢህወደግ ዝምራሕ መንግስቲ፡ ሕርሻ-መሪሕ [ኣድሊ] ዝዀነ ቁጠባዊ ፖሊሲ ዘሰጕም ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ንሓያሎ ዓመታት ተኸታቲሉ፡ ሓፈሻዊ ቍጠባዊ ዕብየት እታ ሃገር ብኽልተ ኣሃዝ ከምዝነበረን፡ ጽላት ሕርሻ ድማ ልዑል ብጽሒት ከምዝነበሮን መረዳእታታት ይሕብሩ።
ኣብ መጽናዕቱ፡ ንብቕዓትን ድኽመትን 'ኣድሊ' ዝገምገመ ዶክተር ደምስ፡ "እቲ ኣቐዲሙ ዝተተግበረ ፖሊሲ ውጽኢት ኣየምጽአን ማለት ዘይኮነ፡ እቲ ዝተረኽበ ውጽኢት ግን ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክሰጋገር ነይርዎ" ይብል።
ስርዓት ሕርሻ ኣድሊ፡ ኣብ መሬትን ጉልበትን ዝተመስረተ ምንባሩ ብምጥቃስ፡ ኣብ ርእሰማል ዝተመስረተ እንተዀይኑ ዝያዳ ውጽኢት ክረጋገጽ ከምዝኽእል ኣንጸባሪቑ።
ከም ኣገላልጻኡ፡ እዚ ናብ መካናይዝድን ዘመናውን ሕርሻ ዝሰጋገረሉ መገዲ ምዃኑን፡ ምስፍሕፋሕ ንግዳዊ ሕርሻታት ከም ኣብነት ይጠቅስ።
ዶክተር ደምስ ከም ዝበሎ፡ ኣብዚ እዋን'ዚ "ካብ መሬትን ጉልበትን ዝቐንዐ ስትራተጂ ናብ መካናይዘሽን ንምስግጋር ዝግበር ምንቅስቓሳት" ኣሎ።
ንሱ ወሲኹ፡ "ብርግጽ እዚ ካብቲ ዝጸንሐ ፖሊሲ ዝተፈልየ እዩ ክንብል ኣይንኽእልን ኢና" ኢሉ።
"ክስተኻኸል ዘለዎ ፖሊሲታትን ስትራተጂታትን ከስተኻኽል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ እዚ መደብ፡ ኣብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ሓያል ጐድኒ ዝመንጨወ 'ምበር፡ ሓድሽ ክስተት [ፖሊሲ] እዩ ዝብል እምነት የብለይን።"
“ምሉእ እኽሊ እንተ ኣፍሪና፤ ኣብቲ ዝድለ ደረጃ ክበጽሕ ንምግባር መደብን ኣሰራርሓን ምትካል ኣድላዪ እዩ" ይብሉ።
ኣብ መደብ 'ኩታ-ገጠም' ዝለዓሉ ሻቕሎታት
ዶ/ር ዮሴፍ ገብረሃዋርያት ሓደ ካብቶም ነዚ ዓውዲ ዘጽንዑ ክኢላታት እዩ።
ንሱ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ባዮቨርሲቲ ኢንተርናሽናል [ሲኣይኣር]ን ሲጂኣይኣር ሰንተርን፡ ዓለም ለኻዊ ሳይንቲስት ኰይኑ፡ መጽናዕቱ ኣብ ኣገዳስነት ምጥቃም ዝተፈላለዩ ዓሌታት ዘርኢ ዘተኮረ እዩ።
"ከምቲ ዝተበሃለ፡ ኣብ ምህርቲ ስርናይ ዓርስና ክኢልና፡ ንወጻኢ ሰደድ ናይ ምግባር ዓቕሚ ኣሎና። እቲ እንሰርሓሉ ኣገባብ ምምራጽ ግን ኣገዳሲ'ዩ" ኢሉ።
ንሱ፡ ኩታ-ገጠም፡ ኣብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ይትግበር ከምዘሎ "ዓሚቝ ሓበሬታ የብለይን" እኳ እንተበለ፡ ሓሓሊፎም ዝረኣዩ ዝብሎም ጸገማት የልዕል።
እቲ ተመራማሪ፡ ስርናይ ኣክንዲ ካልኦት ፍርያት እዩ ዝፈሪ ዘሎ፡ ዝብል ስክፍታ ኣለዎ።
"ካልኦት ዘራእቲ ዝበቍሉ ዝነበሩ ከባቢታት 'ዲስፕላስ' [ብምትካእ] እንተዀይኑ፡ ምህርቲ ስርናይ ክውስኽ ይኽእል'ዩ። ኣብ ምህርቲ ናይቲ ዝተገደፈ ዘራእቲ ግን ምንካይ ክህሉ ይኽእል'ዩ" ክብል ገሊጹ።
እቶም ብቢቢሲ ቃለ መጠይቕ ዝተገብረሎም ክልተ ሓረስቶት፡ እቲ ሽጉርትን ኮሚደረን ዘፈርዩሉ ዝነበሩ ሕርሻ፡ ሕጂ ስርናይ ይለምዓሉ ከምዘሎ ይዛረቡ።
እዚ ድማ፡ ነቲ ዕላማ በግቡእ ዘይምርዳእ ዝፈጠሮ ክኸውን ከም ዝኽእል እቲ ተመራማሪ ይግምት።
"እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝትግበር ዘሎ መደብ 'ኩታ-ገጠም' ሓደ ሜላ'ዩ" ዝብል እቲ ተመራማሪ፡ ኣብ ድሌት ሓረስቶትን ኣብ ምርድዳእ ዝተመርኮሰን ክኸውን ኣለዎ ዝብል እምነት ኣለዎም።
“ኣብ ዝተቘራረጸ ዋንነት መሬት ዘለዋ ሃገር፡ ብሓባር ክትውጥንን ክትሰርሕን ኣጸጋሚ እዩ። ስለዚ ከምዚ ዓይነት ኣገባባት ምትእትታው ግቡእ ክኸውን ይኽእል እዩ። እቲ ግቡእነት ግን ኣብ ድሌት ሓረስቶት ማእከል ዝገበረ ክኸውን ምስ ዝኽእል ጥራይ እዩ ቅኑዕ ዝኸውን፡" ኢሉ።
ብመንጽር ቀጻልነት እቲ ኣሰራርሓ'ውን ኣብ ሓደ ዘራእቲ ጥራይ ትዅረት ምግባር ኣብ ነዊሕ እዋን ንተፈጥሮኣዊ ከባቢ ክጐድእ ከምዝኽእል ይገልጽ።
"እቲ ተግባር 'ንብዙሕነት ህይወት ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱ' ክኸውን ይኽእል'ዩ። ሓደ ዓይነት ዓሌት ዘርኡ ጥራይ እንተፈርዩ፡ ንለውጢ ክሊማ ዘለዎ ተቓላዕነት ክውስኽ ይኽእል። ምኽንያቱ፡ ነቲ ዓይነት ዓሌት ዘርኢ ዘጥፍእ ፍጻመ እንተ ኣጋጢሙ ሕማቕ ሳዕቤን ስለ ዘስዕብ።"
“ብሐጺሩ፡ ኣብ ሓደ ከባቢ ስርናይ ጥራይ ክፈሪ የብሉን። ካልእ ዘራእቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ክዝራእን ክቕየርን ይግባእ። ኣብ ተፈጥሮኣዊ ጸጋን ብዙሕነት ሕርሻን ዝተመስረተ ክኸውን ይግባእ" ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







