ኲናት ዩክረይን፡ ኣሜሪካ ምስ ሩስያ 'ምስጢራዊ ርክብ' ከምዘየቋረጸት ኣረጋጊጻ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ መንጎ ኣሜሪካን ሩስያን ዘሎ መስመራት ርክብ ክፉት ምዃኑ ኣማኻሪ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ጄክ ሱሊቫን ኣረጋጊጹ።
እዚ ዝኸውን ዘሎ ዋይት ሃውስ፡ ሱሊቫን ኣብ ዩክሬን ኑክሌራዊ ወጥሪ ንምክልኻል ምስ ሩስያ ዝካየድ ዝርርብ ክመርሕ ጸኒሑ ዝብል ጸብጻባት ክትነጽጎ ኣይደለየትን።
ሱሊቫን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ምስ ክረምሊን ዘሎ ርክብ ምዕቃብ፡ "ንረብሓ" ኣሜሪካ ምዃኑ ገሊጹ።
ሰብመዚ ኣመሪካ'ውን "ምስ መን ንራኸብ ከምዘለና ንጹር ግንዛበ ከምዘለዎም" ኣነጺሩ።
እቲ ላዕለዋይ ብዓል ስልጣን ኣብ ዝሓለፉ ሓያሎ ኣዋርሕ ምስ ሩስያዊ መዘንኡ ጸሓፊ ባይቶ ጸጥታ ኒኮላይ ፓትሩሸቭን ላዕለዋይ ተሓጋጋዚ ፖሊሲ ወጻኢ ክረምሊን ዩሪ ኡሻኮቭን ምስጢራዊ ዝርርብ ከምዘካየደ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ጆርናል ጸብጺቡ እዩ።
ንሳቶም፡ ኣብ ዩክሬን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ሓደጋ ምውሳኽ ኑክሌራዊ ወጥሪ ዝከላኸሉሉ መንገድታት ኣመልኪቱ ከምዝተዘራረቡን፡ ኣብ ዙርያ እቲ ግጭት ዘብቅዓሉ መንገድታት ግን ዝኾነ ድርድር ከምዘይገበሩን ላዕለዎት ሰበስልጣን ነቲ ጋዜጣ ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሱሊቫን ዝኾነ ይኹን ኒዩክለራዊ ኣጽዋር ምጥቃም "ንሩስያ ኣዕናዊ ሳዕቤን" ከምዝህልዎ ገሊጹ ነይሩ። ንሱ፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ ምስ ሰበስልጣን ሩስያ ኣብ ዝገበርዎ ናይ ስቱር ዝርርብ፡ ስፍሓት ናይቲ ኣሜሪካ ክትህቦ እትኽእል ምላሽ "ኣነጺሮምዎ" ከምዘለዉ ንማዕከን ዜና ኤን-ቢ-ሲ ሓቢሩ።
ወሃቢት ቃል ባይቶ ሃገራዊ ድሕነት ኣሜሪካ ኣድሪን ዋትሰን፡ ነቲ ጋዜጣ "ሰባት ብዙሕ ነገራት ይዛረቡ" ክትብል ነቲ ዛንታ ከተረጋግጽ ኣይደለየትን፡፡ ወሃቢ ቃል ክረምሊን ዲሚትሪ ፔስኮቭ ድማ ምዕራባውያን ጋዜጣታት "ብዙሕ ምትላል ይዝርግሑ" ኣለዉ ክብል ከሲሱ።
ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር ግን ኣሜሪካ ምስ ሩስያ ናይ ምዝርራብ መሰላ ዝተሓለወ ምዃኑ ትማሊ ሰኑይ ገሊጻ ነይራ።
ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ምስ ሩስያ ንምዝታይ ዝደፍኡ ዘለዉ ላዕለዎት ኣማኸርቲ ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን ምዃኑ ዝንገረሉ ሚስተር ሱሊቫን፡ ምስ ሞስኮ ዝግበር ርክብ "ንረብሓ ነፍሲ ወከፍ በዚ ግጭት ዝተሃስያ ሃገራት" ምዃኑ ይገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ላዕለዎት ሰበስልጣን ኣሜሪካ፡ ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን፡ ዩክረይን ምስ ሩስያ ንምድርዳር ድልዉነታ ክትገልጽን፡ እቲ ኲናት ንክቛረጽ ዘተ ምንጻጎም ክገድፉን ይላበውዎ ከምዘለዉ ዋሽንግተን ፖስት ጸብጺቡ ነይሩ።
ሚስተር ሱሊቫን ግን ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ መደብ ምምሕዳር ባይደን "ተሓታትነት ናይ ምኽታል ግዴታ" ከምዘለዎ ብምግላጽ፡ ምስ ኣህጉራውያን መሻርኽቲ ብምትሕብባር "ኣብ ዩክረይን ከበድትን ዘስካሕክሕን ገበናት ኲናት ዝፈጸሙ ኣካላት ተሓተትቲ ንምግባር" ቃል ኣትዩ።
"ዓርቢ ኣብ ኪየቭ እየ ነይረ። ምስ ፕረዚደንት [ቮሎዲሚር] ዘለንስኪን መዘናይ ኣንድሪ የርማክን ወተሃደራዊ መራሕቲን ክራኸብ ከምኡ'ውን ብዛዕባ ኲናት ፑቲን ዘስዓቦ ደረጃ ሞትን ዕንወትን መብርሂ ክረክብ ዕድል ረኺበ’የ" ክብል ሱሊቫን ተዛሪቡ።
ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ፡ ሩስያ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ዝጎበጠተን ኣርባዕተ ዞባታት ዩክረይን ንምክልኻል ብተስፋ ምቑራጽ ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክትጥቀም ከምእትኽእል ስክፍታታት እናወሰኸ መጺኡ እዩ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ዩክረይን ወተሃደራዊ ሕግታት ኲናት ተጠቒማ ንብረት ሓሙሽተ ስትራተጂካዊ ኣገደስቲ ኩባንያታት ተቖጻጺራ’ላ።
ክልተ ኩባንያታት ጸዓት፡ ከምኡ'ውን ሞተር፡ ተሽከርከርትን ትራንስፎርመርን ዝሰርሑ ትካላትን ሓዊሱ ገለ ካብተን ኩባንያታት፡ ምስቲ ምስ ሩስያ ብምትሕብባር ተጠርጢሩ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ቭያቸስላቭ ቦሁስላየቭ ዝተኣሳሰራ እየን።
ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ እዚ ስጉምቲ ምክልኻል ዩክረይን፡ ድሌታት ናይቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ደቡባውን ምብራቓውን እታ ሃገር ኣብ ጸረ-መጥቃዕቲ ዝተዋፈረ ሰራዊት ንምምላእ ዝሕግዝ’ዩ ኢሉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







