'ኣይከትትን' ኢሉ ብድፍረት ዝምጕት ዘሎ መንእሰይ

ሰበስልጣን ሩስያ፡ ካብ ሞስኮ 500 ማይልስ ርሒቓ ኣብ እትርከብ ከተማ ፖድጎሪካ ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ስልጠና ተኣኪቦም ነይሮም።
እቲ ኣኼባ ነባሪ እታ ከተማ ዝዀነ ሚካኤል ኣሽቾቭ፡ ናብ ዩክረይን ከይዱ ክዋጋእ ይግባእ ድዩ ኣይግባእን? ንምውሳን እዩ ነይሩ።
ሚካኤል ድማ ይምጕት።
"ኣነ ‘ኲናትጌጋ እዩ’ ዝብል እምነት ዘለኒ ሰብ ኣይኰንኩን። ሓንቲ ሃገር ዓደይ ክትወርር ወይ ንሩስያ ከተጥቅዕ እንተፈቲና፡ ትኽ ኢለ ናብ ቤት ጽሕፈት ወተሃደራዊ ታዕሊም ከይደ ክምዝገብ እየ። ዝዀነ ጻውዒት’ውን ኣይጽበን እየ። ኣብዚ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ግን ኣብ ልዕሊ ዓደይ ሓደጋ ኲናት ኣሎ ዝብል እምነት የብለይን" ክብል ይገልጽ።
ድሕሪ እቲ መደረ ሓደ በዓል ስልጣን "ሃገርና ግን ኣብ ሓደጋ ኣላ" ይብል።
ሚካኤል፡ ሩስያ ንዩክረይን ዝወረረትላ መዓልቲ ጠቒሱ፡ "ሃገርና ቅድሚ 24 ለካቲት ኣብ ሓደጋ ኣይነበረትን" ክብል ይምልስ።
ወዲ 34 ዓመት ሚካኤል በዓል ሞያ መካኒክ እዩ።
ሩስያ፡ ሲቪላውን ሰብኣውን መሰላት ዝግሃሰላ ሃገር'ኳ እንተዀነት፡ ሚካኤል ግን ቅዋም ሩስያ ናይ ተቓውሞ መሰል ከም ዝህቦ ይዛረብ።
ስለዚ ድማ ነቲ ኣብ ዩክረይን ክኸትት ዝቐረበ ጻውዒት ምቕባል ኣብዩ ኣሎ።
“ክበኣስ ኣይደልን እየ፡ ምስ በልኩ ኣዝየ ፈሪሐ፤ ድሒረ ግን ነቲ ብቪድዮ ዝተቐድሐ መደረይ ምስ ረኣኹ ብኣንጻሩ ኣብ ኣዒንቲ እቶም ዝሰምዑኒ ዝነበሩ ሰባት ፍርሒ ርእየ።
“ንሰባት ብቐሊሉ ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክግዕዙ ወይ ከም ድላዮም ክተሕዙ ዝኽእሉ ህይወት ዘይብሎም ነገራት ገይሮም ምርኣይ ስለ ዝለመዱ ዘረባይ ዘሰንበዶም ይመስለኒ። ሃንደበት ዝተዛረብክዎ እዩ" ይብል ሚካኤል ኣብቲ እዋን ዝተሰምዖ ክገልጽ።
ብድሕሪኡ ግን ምፍርራሕ ከምዝሰዓቦ ይዛረብ።
" ‘ንፖሊስ ክንጥቁመካ ኢና፡ ክምርምሩኻ እዮም' ኢሎምኒ" ይብል።
"ከምዚ ክብሉኒ ከለዉ፡ ነገራት ካብ ቍጽጽሮም ወጻኢ ከይከውን ከም ዝፈርሑ ተረዲኡኒ። ምኽንያቱ እዚ ዘይለመድዎ ነገር ስለዝዀነ። ንኵሉ ነገር ምቁጽጻር ዝለመዱ እዮም" ይብል ሚካኤል።
ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ "ከፊላዊ ክተት" ካብ ዝእውጅ ንደሓር ልዕሊ 220 ሽሕ ኣባላት ዕቑር ሓይልታት ሩስያ ተጸዊዖም።
እቲ መራሒ፡ እቲ ወፍሪ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝዛዘም ኣመልኪቱ፡ ናይ መወዳእታ ግዜ ግን ኣየቐመጠን።
ቅድሚ ሓደ ሰሙን ፕረዚደንት ፑቲን ኣብ ዞባ ርያዛን ኣብ ዝርከብ መሰልጠኒ ቦታ ምስ ዝተመልመሉ ወተሃደራት ኣኼባ ከካይድ እንከሎ፡ ኣብ መንግስታዊ ተለቪዥን ተራእዩ። እዚ ድማ ኣብ ጎስጓሶም ህዝባዊ ደገፍ ንምርካብ ዝግበር ፈተነ ምዃኑ ይንገር።
ይዅን እምበር ኣብ ሩስያ ዝካየድ ዘሎ ወፍሪ ጸረ-ሴማውነት ኣብ ሕብረተሰብ ስክፍታ ፈጢሩ ክኸውን ኣለዎ ተባሂሉ።
ኣብ ዝሓለፈ መጋቢት ቭላድሚር ፑቲን ተወሳኺ ምልዕዓል ከምዘይህሉን ኣብቲ ኲናት፡ ዝሰልጠኑ ወተሃደራት ጥራይ ከምዝሳተፉን ቃል ኣትዩ ነይሩ።
እዚ ኵሉ ግን "ኣዋጅ ከፊላዊ ክተት" ኣማኢት ኣሽሓት ዕቑር ሓይልታት ምስ ጸውዑ ተቐይሩ።
ሃንደበት ግን ሰብኡት፡ ኣቦታትን ኣወዳትን ተጠርኒፎም ናብ ግንባር ተጓዒዞም።
ኣብ ገለ ገለ እዋናት ብዘይ እኹል መሳርሕን ስልጠናን ናብቲ ኲናት ዝተጸንበሩ ኣለዉ።
ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብናዕቢ ናብቲ ኲናት ዝተጸንበሩ ሩስያውያን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዝተዘርግሑ ቪድዮታት፡ ብዛዕባ ሕማቕ ኵነታትን ሕጽረት ናውትን ቅሬታኦም ክገልጹ ጸኒሖም እዮም።
ሚካኤል ከምዝብሎ፡ ኣብ ከባቢኡ ዘለዉ ሰባት ብሰንኪ እቲ ኲናት ይጭነቑ ኣለዉ። ምኽንያት ክገልጽ ከሎ፡ እዚ ሕጂ ማዕጾ ኵሉ ሰብ ስለዝኹሕኩሕ እዩ ይብል።
ሚካኤል፡ ‘ኣይከትትን እየ’ ድሕሪ ምባሉ፡ መዛረቢ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሩስያ ኰይኑ።
እንተዀነ ገለ ዘይግቡእ ርእይቶታት ይወሃብዎ ኣለዉ።
ካብኣቶም፡ "ከምዚ ዝብል ወዲ ከም ሰብኣይ ኣይቈጽሮን" ዝብሉ ይርከቡ።
ብኣንጻሩ ብዙሓት፡ ብጅግንነቱን ቅንዕናኡን "ንቕትለት ምቅዋም ሰብኣዊ እዩ" ብምባልን፡ ካልእ ርእይቶታትን ይንእድዎ።
ሚካኤል ዝዀነ ሕጋዊ ኣገባብ ተጠቒሙ ንመርገጺኡ ክከላኸል ቈሪጹ ተላዒሉ ኣሎ።
እዚ እንተፈሺሉኸ? ዝተሓተተ ሚካኤል፡ "ምስ ስድራይ ተዘራሪብና ዋላ ኣብ ቤት ማእሰርቲ እንተደርበዩኒ ኣይስለፍን እየ" ኢሉ።
“ዝግደድ እንተዀይነ ግን ቤት ማእሰርቲ ክመርጽ እየ። ዝፈርሖ ነገር የብለይን” ኢሉ።
"ኣብ ዩክረይን ሰባት ኣብ ፍርስራስ ይሞቱ ከምዘለዉ፡ ወለዲ ድማ ደቆም ይቐብሩ ከምዘለዉን ንፈልጥ ኢና። ነዚ ኲናት ከይደ እንተዘይተዋጋእኩ፡ መንግስቲ ከም ገበነኛ ክርእየኒ ይኽእል እዩ፤ እንተዀነ ብመንጽር ሰብኣውነትን ናተይ ኣረኣእያን ገበነኛ ኣይኮንኩን" ክብል መልሲ ሂቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







