ኣብ ኢራን፡ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ምሟታ ቁጠዐ ፈጢሩ

ማህሳ ኣሚኒ

ምንጪ ስእሊ, MAHSA AMINI FAMILY

ሓንቲ ጓል 22 ዓመት ኢራናዊት ፡ ሒጃብ ዝምልከት ጽኑዕ ሕግታት ዘይተኸተለት፡ ብዝብል ብፖሊስ ‘ሞራል’ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ምስ ኣተወት፡ ድሕሪ ሒደት መዓልታት ምሟታ ቁጥዐ ኣስዒቡ።

ማህሳ ኣሚኒ ብሰሉስ ኣብ ቴህራን ኣብ ቀይዲ ምስ ወዓለት፡ ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ናይ ፖሊስ ቫን እንከላ ከምዝተሃርመት ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ገሊጾም።

ፖሊስ ነቲ ክሲ ብምንጻግ፡ ወ/ሮ ኣሚኒ "ሃንደበታዊ ጸገም ልቢ እዩ ኣጋጢምዋ" ኢሉ።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት፡ ብሰበስልጣን ኢራን ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝተፈጸሙ ግፍዕታት ዝምልከቱ ተኸታተልቲ ጸብጻባት ዝወጽኡ ዀይኖም፡ እዚ እቲ ናይ ቀረባ እዩ።

ስድራቤት ወ/ሮ ኣሚኒ፡ ንሃንደበታዊ ጸገም ልቢ ዘቃልዕ ጥዕናዊ ኩነታት ዘይብላ ጥዕይቲ መንእሰይ ምንባራ ይዛረቡ።

እንተኾነ ግን፡ ድሕሪ ምእሳራ ሒደት ሰዓታት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስደት ተሓቢርዎም፡ ዓርቢ ቅድሚ ምሟታ ድማ ተመግዲራ [ኣብ ኮማ] ከም ዝነበረት እቶም ስድራ ገሊጾም።

ፖሊስ ቴህራን ከም ዝበሎ፡ ሚስ ኣሚኒ ብዛዕባ እቲ ኩለን ደቂ ኣንስትዮ ክለብስኦ ግዴታ ዝኾነ ሒጃብ "ርትዓውነትን ትምህርትን" ብዝብል ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተወት ሓቢሩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዓፈና ተግባራት እናዓበየ ምስ ከደ፡ ምስ እስላማዊ ኣከዳድና ዘይሳነ ገይረን ተባሂለን ዝተበየና፡ ናብ ኣብያተ ጽሕፈት መንግስትን ባንክታትን ከይኣትዋ ኣብ ዝተኸልከላሉ እዋን እዩ።

ደገፍቲ መንግስቲ ዝኾኑ ውልቀሰባት ሓዊሱ ብዙሓት ኢራናውያን ኣብ ልዕሊ ‘ሞራላዊ ፖሊስ’ ብዝብል ዝፍለጥ መምርሒ ዘተግበር ኣወዳድባ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ቁጥዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።

'ቅትለት ፓትሮል' ተባሂሉ ዝትርጎም ‘ሃሽታግ’ ተጠቒሞም ድማ ይጉስጉሱ ኣለዉ።

ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ሓለፍቲ ፖሊስ ንደቂ ኣንስትዮ ክኣስሩን ኣብ መሬት እናጎተቱ ብሓይሊ ክወስዱን ዘርእዩ ቪድዮታት ተቐልቂሎም ኣለዉ።

ብዙሓት ኢራናውያን ንላዕለዋይ መራሒ ዓሊ ካመነይ ብቐጥታ ይወቅስዎ።

 ናይ ቀደም መደረኡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዳግማይ ይባዛሕ ዘሎ ኾይኑ፡ ኣብኡ ድማ ተራ ‘ፖሊስ ሞራል’ ደቂ ኣንስትዮ እስላማዊ ኣከዳድና ክኽተላ ከገድድ ምኽንያታዊ ምዃኑ ዘስምዕ እዩ።

እዚ፡ ኣብ መንጎ ሰፊሕ ክፋል መንእሰይን ንጡፍን ሕብረተሰብ ኢራንን ኣኽረርትን ዘሎ ፍልልይ ከዕምቖ እዩ ተባሂሉ ይስጋእ፤ እዚ ምፍልላይ እዚ ንምእራም ካብ ግዜ ናብ ግዜ ዝኸበደ ይመስል።