ብዝብኢ ክልተ ኣእጋሩ ስኢኑ ብህይወት ዝተረፈ ኢትዮጵያዊ መንእሰይ

ብርሃኑ ዳባ

ምንጪ ስእሊ, TENA TEMESGEN

ብርሃኑ ዳባን ስድራኡን ኣብ ፍሉይ ዞባ ኦሮሞ፡ ቁሸት ቡራዩ ለኩ ኬታ እዮም ዝነብሩ።

ዝሓለፈ ሰሙን 04 ነሓሰ 2014 [ግእዝ] ረቡዕ መዓልቲ፡ ካብቲ ዝነብረሉ ሞጆ ብስድራቤታዊ ጕዳይ ከይዱ።

ግን ኣይተዓወተን፤ ንጽባሒቱ ናብ ቦታ ስርሑ ናብ ሞጆ ክምለስ ሓሲቡ ስለ ዝነበረ፡ ብርሃኑ ናብ ዓርኩ ቴሌፎን ይድውል።

“ለይቲ ናብ ሞጆ ዝኸዳ መካይን ኣለዋ። ስለዚ ናብ ዊንጌት ከይደ ክስቀል ሓሲበ፡” ይብል።

“ስርሐይ'ውን ሞጆ ስለ ዝዀነ ናብ ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ደዊለ። ንሱ ድማ ‘ሎሚ ምሸት ክወጽእ እየ፡ ብሓባር ክንጓዓዝ ኢና፡ ጽባሕ ድማ ናብ ስራሕ ክተርክብ ኢኻ'" ከምዝበሎ ቅድሚ እቲ ሓደጋ ዘጋጠመ ዝነበረ ኵነታት የረድእ።

ብርሃኑ፡ ካብ ቡራዩ ናብ ኣስኮ እናተጓዕዘ እንከሎ ኣብቲ ብልምዲ ‘በግ ተራ’ ተባሂሉ ዝፍለጥ ከባቢ ሓደ ዝብኢ ከምዝረኣየ ይዝክር።

ብርሃኑ፡ ኣብቲ ዝሓሰቦ ቦታ ቅድሚ ምብጽሑ ግን፡ ኣዛብእ ተተናኾልዎ። በዚ ምኽንያት ድማ ክልቲኡ ኣእጋሩ ስኢኑ።

“ኣብ ጥቓ በግ ተራ ቝልቁለት እናወረድኩ ከለኹ፡ ሓደ ዝብኢ ናባይ ገጽ ክመጽእ ርእየ ነይረ። ብድሕሪኡ እንታይ ከም ዘጋጠመ ኣይዝክሮን እየ። ንጽባሒቱ ሰዓት ሓሙሽተ ነብሰይ ኣብ ሆስፒታል ረኺበያ፡" ኢሉ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ብርሃኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኣካላቱ ብዝብኢ ተነኺሱ እዩ።

በቲ መንከስቲ፡ ኣብ ሕቘኡ፡ ኢዱን እግሩን መጕዳእቲ ወሪድዎ እዩ።

ካብ ኵሉ ዝኸፍአ ግን ኣብ እግሩ ዘጋጠሞ መጕዳእቲ እዩ ነይሩ።

“ውነይ መስ ምስ ፈለጥኩ፡ ኣብ ሆስፒታል ደቂሰ ነይረ። ትሕቲ ብርከይ ዝዀነ ኣካል የለን። ስድራይ ኣብ ዙርያ እቲ ዝደቀስኩሉ ዓራት ደው ኢሎም ኣለዉ”።

ምስ ተበራበረ፡ ንባዕሉ ኣብ ሆስፒታል ካብ ምርካቡ ወጻኢ፡ እንታይ ከምዘጋጠሞ ክዝክሮ ኣይከኣለን።

“ናብ ሆስፒታል ዘምጽኣትካ ኣምቡላንስ ፖሊስ እያ ኢሎምኒ’ምበር፡ ብጭቡጥ ግን መን ከም ዘምጽኣኒ ኣይፈልጥን" ይብል ብርሃኑ።

“ትሕቲ ብርከይ ተጐዲአ እየ። ሓንቲ እግረይ ትሕቲ ዓንካርዓንካሪተይ የላን። የማነይቲ እግረይ ድማ ተንጠልጢላ ነይራ። ካብዚ ንላዕሊ እንተደሚኻ ክትመውት ኢኻ ኢሎምኒ፡ ስለዚ ተቘሪጻ" ክብል ወሲኹ ይዛረብ።

ብርሃኑ ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ‘ሆስፒታል ኣቤት’ ሕክምና ይግበረሉ ኣሎ።

ኣብቲ ሆስፒታል ክበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት፡ ኣብ ማእከል ጥዕና ቡራዩ ቀዳማይ ረድኤት ምስተገብረሉ፡ ንተወሳኺ ሕክምና ናብዚ ሆስፒታል ክመጽእ ከምዝተገብረ- ከምዝነገርዎ ንቢቢሲ ኣብሪሁ።

ቢቢሲ ዘዘራረቦም ፖሊስ ከም ዝሕብርዎ፡ ንብርሃኑ ካብቲ ዝተጐድኣሉ ቦታ ኣልዒሎም ናብ ሕክምና ዝወሰድዎ ኣባላት ጸጥታ ናይቲ ከባቢ እዮም።

ኢንስፔክተር መልካሙ ኣሰፋ ሓላፊ ክፍሊ ምርመራ ገበን ፖሊስ ቡራዩ እዩ።

ኣብታ መዓልቲ፡ ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ፡ ሓይልታት ጸጥታ ንብርሃኑ ወዲቝ ከምዝረኸብዎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

“ኣብቲ ቦታ ምስ በጻሕና፡ ሓንቲ እግሩ ምሉእ ብምሉእ ተበሊዓ። ካልኣይቲ እግሩ ትሕቲ ዓንካርዓንካሪቱ ተቘሪጹ። ጸጋማይ ጐድኑ ድማ ተበሲዑ።"

እቶም ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ቦታ ኣብ ዝበጽሑሉ፡ ኣዛብእ ክንቅዉ ከም ዝሰምዑ፡ ካብኡ ድማ ንብርሃኑ ኣልዒሎም ብመኪና ፖሊስ ናብቲ ዝቐረበ ማእከል ጥዕና ቡራዩ ከም ዝወሰድዎ ኢንስፔክተር መልካሙ ይዛረብ።

ድሕሪኡ ናብ ሆስፒታል ንክኸይድ ከም ዝሓገዝዎ እቲ ኢንሰፔክተር ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ፖሊስ ቡራዩ ካብ ዝምደብ ሓጺር ግዜ ከምዝኾነ ዝገልጽ ኢንስፔክተር መልካሙ፡ ኣብታ ከተማ ሓሓሊፉ ከምዚ ዓይነት ፍጻመታት ከጋጥም ከምዝጸንሐ ሓበሬታ ከምዘለዎ ሓቢሩ።