ክልተ ህጻናት ቀቲላ ኣብ ባልጃ ከም ዝሓብአት ዝተጠርጠረት ሰበይቲ ኣብ ቀይዲ ኣትያ

መርመርቲ ኣስከሬን

ምንጪ ስእሊ, TVNZ/REUTERS

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ክልተ ህጻናት ብምቕታል ዝተጠርጠረት ጓል ኣንስተይቲ፡ ኣብ ደቡብ ኮርያ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወት ፖሊስ ኒውዚላንድ ኣፍሊጡ።

እታ ውልቀሰብ፡ ነቶም ቈልዑ ቀቲላ ኣስከሬኖም ኣብ ባልጃ ከም ዘእተወቶ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ይንገር ነይሩ።

እቲ ኣስከሬናት፡ ኣብ ዓባይ ከተማ ኡክላንድ - ኒውዚላንድ ኣብ ዝርከብ ሓደ ድኳን ነቲ ባልጃ ዝዓደጉ ሰባት’ዮም ረኺቦምዎ።

እቶም ህጻናት ዕድመኦም ካብ ሓሙሽተ ክሳብ ዓሰርተ ዓመት ዝግመት ኰይኑ፡ እቲ ኣስከሬን ንዓመታት ኣብቲ ባልጃ ከም ዝጸንሐ ተገሊጹ።

ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት፡ እታ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ንምውዓል ፖሊስ ኒውዚላንድ ምስ ፖሊስ ደቡብ ኮርያ ብሓባር ክሰርሕ ጸኒሑ። ሕጂ ግን እታ ውልቀሰብ ምስተታሕዘት፡ ኒውዚላንድ ተመሓላሊፋ ክትወሃባ ሓቲታ ኣላ።

እታ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወት፡ መንነት እቶም ህጻናት ምስ ተፈልጠ እያ።

መርማሪ ፖሊስ ኒውዚላንድ ቶፊሉ ፋማኑያ ቫሉአ፡ “ፖሊስ ደቡብ ኮርያ ምስ ሰራሕተኛታት ኢንተርፖል ኒውዚላንድ ብምትሕብባር ኣብ ቀይዲ ክትውዕል ክኢላ” ኢሉ።

እታ ውልቀሰብ ምስቶም ቈልዑ ዝምድና ክህልዋ ከም ዝኽእል ይግመት።

ስድራ እዞም ቈልዑ ንዝተወሰኑ ዓመታት ኣብ ኦክላንድ ዝነበሩ ኰይኖም፡ ኣቦኦም፡ እቶም ህጻናት ቅድሚ ምማቶም ከም ዝዓረፈ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ጸብጺበን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ፡ ሓደ ቤተሰብ ኣብ ኦክላንድ ኣብ ዝርከብ ድኳን ባልጃ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣቑሑ ምስ ገዝአ’ዩ፡ እቶም ህጻናት ኣብቲ ባልጃ ተረኺቦም።