ተዘሚታ ዝነበረት 1 ሚልዮን ዶላር ትግመት ሳንቲም ናብ እስራኤል ተመሊሳ

ሓደ ሚልዮን ዶላር ዝተገመተት ሳንቲም

ምንጪ ስእሊ, MIRI BAR, ISRAEL ANTIQUITIES AUTHORITY

እታ 1 ሚልዮን ዶላር ዝዋግኣ ሳንቲም ኣሰራ ንክትርከብን ናብ እስራኤል ንክትምለስን፡ ኣህጉራት ዝሰገረ ኣስታት 20 ዓመታት ዝወሰደ መርመራ ከምዝተገብረ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል (IAA) ይገልጽ።

ወኪል መርመራ ጸጥታ ኣሜሪካ ሪኪ ጄ ፓቴል፡ ነታ ሳንቲም ንምምላስ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት፡ "ሓንቲ ክብርቲ ንእሽቶ ኣካል ታሪኽ ኣብ መወዳእታ ናብ ዓዳ ትምለስ ኣላ" ኢሉ።

እታ ንእሽቶ ኣካል ታሪኽ፡ ዳርጋ ቅድሚ 2,000 ዓመት ኣብ እዋን ናዕቢ ኣይሁድ ዝተሰርሐት ብሩር ሳንቲም እያ።

ኣብ 2002 ኣብ እስራኤል ከምዝተዘምተት ዝግለጽ እዛ ሳንቲም፡ ኣብ መወዳእታ ኣሰራ ተደልዩ፡ ተረኺባ ናብ መበቆል ሃገራ ትምለስ ኣላ።

እቲ ዛንታ መርመራ፡ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ እታ ሳንቲም ካብቲ ኣብ ደቡባዊ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝርከብ ጎልጎል ኤላ ዝተዃዕተ ዕቑር ገንዘብ ብፍልስጤማውያን ከም ዝተወሰደት ዝገልጽ ሓበሬታ ምስረኸበ'ዩ ዝጅምር።

በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ ነታ ኣብ እስራኤል፡ ዮርዳኖስን ዓባይ ብሪጣንያን ብዝርከቡ ዘይሕጋዊ ዕዳጋታት ጥንታዊ ቅርስታት ዝሓለፈት ሳንቲም ንምድላይ ኣስታት 15 ዓመታት ከምዝወሰደሉ ይገልጽ። ኣብ መወዳእታ ኣብ 2017 ኣብ ዝተኻየደ 'ሓራጅ' ንመሸጣ ናብ ኣሜሪካ ተላኢኻ።

ኣብቲ እዋን እቲ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ ንመርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ (HSI) መጠንቀቕታ ሂቡ ነይሩ። ድሕሪኡ መርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ፡ ነታ ሳንቲም ኣብ ምምሕዳራዊ ቁጽጽር ክትኣቱ ገይሩ።

ስለዚ ድማ ኣሃዱ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ጥንታዊ ቅርሲ ዓቃቢ ሕጊ ከባቢ ማንሃታን (ኒውዮርክ) መርመራ ከካይድ ተገይሩ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ካብ ሰበስልጣን ኣውሮጳን ማእከላይ ምብራቕን ብዝተረኽበ ሓገዝን ካብ ዜጋታት ሓሙሽተ ሃገራት ዝተጠቆመ ሓበሬታ መሰረት ብምግባር፡ እታ ሳንቲም ናብ ሃገራ ክትምለስ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተዋሂቡ።

እታ ሳንቲም ትማሊ ሰኑይ ኣብ ቤት ጽሕፈት ዓቃቢ ሕጊ ዞባ ማንሃታን ኣብ ዝተኻየደ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣምባሳደር እስራኤል ጊላድ ኤርዳን፡ ሰበስልጣን ኣሜሪካን እስራኤልን ዝተረኽቡሉ ስነ-ስርዓት ንዝምልከቶ ኣካል ከምዝተወሃበት ተፈሊጡ’ሎ።

"ሎሚ ምስ መሻርኽትና ኮይና፡ ንምእማን ዘጸግም ብርቂ ዝኾነት ንእሽቶ ታሪኽ እስራኤል፡ ማለት እስራኤል ካብ ሮማውያን ናጻ ናይ ዝኾነትሉ እዋን ተመልክት ሳንቲም ንመልስ ኣለና" ክብል ወኪል መርመራ ጸጥታ ሃገር ኣሜሪካ ሪኪ ጄ ፓቴል ገሊጹ።

እታ ብናይ ኣይሁድ ቴማ ዝተቐርጸት ብሩር ሳንቲም፡ ሓንቲ ካብተን ብዓይነት ኣርባዕተ ጥራይ ዝኾና ሳንቲማት እያ። በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል፡ መበቆል እታ ሳንቲም ኣብ 69 ዓ.ም፡ ኣብ መበል ራብዓይ ዓመት ዓብዪ ናዕቢ ከምዝኾነ ይገልጽ።

ከምዚ ዓይነት ሳንቲም ምቕራጽ "ብሓቂ ምእዋጅ ናጽነት ኣይሁዳውያንን፡ መግለጺ ተቓውሞኦም ኣንጻር'ቲ ኣብ ቅድሚኦም ደው ዝበለ ሓያል ግዝኣት" እዩ ይብል ተወካሊ በዓል መዚ ጥንታዊ ቅርስታት እስራኤል ኢላን ሃዳድ።

እቲ ዓብዪ ናዕቢ፡ ኣይሁድ ኣብ ይሁዳ ኣንጻር እቲ ቕድሚ ሓደ ዘመን ኣትሒዙ ዝነበረ ጨቋኒ ግዝኣት ሮማውያን ዝተኻየደ ሰውራ እዩ።

እቲ ናዕቢ ሮማውያን ንኢየሩሳሌምን መበል ካልኣይቲ ቤተ መቕደስ ኣይሁድን ምስ ኣዕነዉ ኣብ 70 ዓ.ም እዩ ተዛዚሙ።

ኣብቲ እዋን ካብ ኣማኢት ኣሽሓት ክሳብ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ዝግመቱ ኣይሁድ ከምዝተቐትሉ ይግመት።