እስራኤል፡ ፈነወ ኣልጀዚራ ክትእግድ ወሲና

ሓላፊ ቢሮ ኣልጀዚራ-ቃዛ ዋኤል ኣልዳህዱህ ሓምዛ ኣልዳህዱህ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ሓላፊ ቢሮ ኣልጀዚራ-ቃዛ ዋእል ኣልዳሕዱሕ ሓምዛ ኣልዳሕዱሕ

ፓርላማ እስራኤል ብመንግስቲ ቐጠር ዝውነን መርበብ ሓበሬታ ኣልጀዚራ ዝርከቦ ፈነወ ቻነላት ቲቪ ናይ ምእጋድ ስልጣን ዝህብ ሕጊ ኣጽዲቑ።

ቀዳማይ ሚኒስተር በንያሚን ነታንያሁ "ብቕልጡፍ ስጕምቲ ክውሰድ'ዩ" ብምባል፡ ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት እቲ ማዕከን ዜና ክዕጾ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣመሪካ በቲ ስጕምቲ ሕጕስቲ ከምዘይኰነት ገሊጻ።

ዝዀኑ ጋዜጠኛታት ወጻኢ ናብ ቓዛ ከይኣቱ ኣብ ዝተኣገደሉ እዋን፡ ኣብቲ ወሽመጥ ዝመደበሮም ሰራሕተኛታት ኣልጀዚራ እንኮ ነቲ ኲናት ካብ ባይታ ክሽፍኑ ዝኽእሉ ነይሮም።

ፓርላማ እስራኤል ዝዀነ ‘ክነሰት’ ነቲ ንሃገራዊ ድሕነት ሓደጋ እዩ ዝበሎ ማዕከናት፡ "ንግዚኡ" ክእገዱ ዝፈቅድ እማመ ኣጽዲቑ።

እቲ እገዳ ንግዚኡ ን45 መዓልታት ክጸንሕ ምዃኑን፡ እዚ ድማ ክሕደስ ከምዝኽእልን ተገሊጹ።

እቲ ሕጊ ክሳብ ሓምለ ወይ ድማ ኣብ ቓዛ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ክሳብ ዝውዳእ ኣብ ግብሪ ክጸንሕ እዩ።

ሚስተር ነታንያሁ ኣብ ትዊተር/ኤክስ፡ "ኣልጀዚራ ድሕሪ ደጊም ካብ እስራኤል ኣይክፍኖን'ዩ" ብምባል፡ ነቲ ማዕከን ዜና "ሽበራዊ ቻነል" ክብል ከሲሱ።

ሰበስልጣን እስራኤል፡ ነቲ ማዕከን ዜና ጸረ-እስራኤል መርገጽ ከምዘለዎ ንዓመታት ይኸስዎ ነይሮም።

ኣብ ልዕሊ ማዕከን ዜና ዘስምዕዎ ነቐፌታ ግን ድሕሪ መጥቃዕቲ ሓማስ ብ7 ጥቅምቲ እናሓየለ መጺኡ።

ሰብመዚ ምስ ሓማስ ጥቡቕ ርክብ ከም ዘለዎ ይገልጹ፤ ኣልጀዚራ ነዚ ክሲ ብትሪ ይነጽጐ።

ኣልጀዚራ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ "ነታንያሁ ኣብ ልዕሊ ኣልጀዚራን መሰል ሰራሕተኛታቱን ሓድሽ ሓሶትን ጸለመታትን ካብ ምቕራብ ሓሊፉ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊ ኣልጀዚራ ዘቕርቦ ዘሎ ፀለመ ዝድግፍ መርትዖ ክረክብ ኣይከኣለን" ኢሉ።

"ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል ንኣልጀዚራ ብዘሕፍር መንገዲ ብሕሶት ድሕሪ ምጽላሙ፡ ኣብ ልዕሊ ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱን ኣብያተ ጽሕፈቱን ንዝወርድ ጉድኣት ሓላፍነት ክወስድ እዩ።"

እዛ ቻነል፡ እስራኤል ንሰራሕተኛታታ ኮነ ኢላ ዒላማ ገይራ ክትብል ከሲሳ ኣላ።

ወዲ ሓላፊ ቤትጽሕፈት ኣልጀዚራ-ቓዛ ዋእል ኣልዳሕዱሕ ሓምዛ ኣልዳሕዱሕ ዝርከቦም ጋዜጠኛታት ብደብዳብ እስራኤል ተቐቲሎም።

እስራኤል ንጋዜጠኛታት ዒላማ ትገብር እያ ንዝብል ክሲ ኣይትቕበሎን።

ዋና ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ ዝርከበላ ቐጠር፡ ነቲ ሻድሻይ ወርሑ ሒዙ ዘሎ ግጭት ንምፍታሕ፡ ኣብ መንጐ እስራኤልን ሓማስን ዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ተማእክል ኣላ።

ቅድሚ ሕጂ ብመንጐኝነት ቐጠር ዝተኻየደ ዝርርብ፡ ብግዝያዊነት ተዅሲ ደው ክብልን፡105 እስራኤላውያን ጅሆ ዝተታሕዙ ሰባት ክፍትሑን ኣኽኢሉ ነይሩ።

እስራኤል ዝወሰደቶ ስጕምቲ ነቲ ዝርርብ ተዅሲ ደው ምባል ዝጸሉ እንተዀይኑ ግን ንጹር ኣይኰነን።

እስራኤል ቅድሚ ሕጂ ኣልማያደን ዝተባህለት ንእሽቶ ናይ ሊባኖስ ቻነል ኣብታ ሃገር ከይሰርሕ ኣጊዳ ነይራ።

ጸሓፊት ፕረስ ዋይት ሃውስ ካሪን ዣን ፒየር ብዛዕባ እቲ ዝቐረበ እገዳ ምስ ተሓተተት "ሓቂ እንተዀይኑ ከምዚ ዓይነት ስጕምቲ ዘሰክፍ 'ዩ" ኢላ።

ኣልጀዚራ ኣብ 1996 ፈነወ ዝተጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ኣብ ልዕሊ መንግስታትን ገዛእትን ናይቲ ዞባ ነቐፌታታት ብምፍናው ይፍለጥ።

ገለ መንግስታት እቲ ክልል ግን ብዛዕባ ሽፋን እቲ ማዕከን ዜና ሕጕሳት ኣይኰኑን።

ኣብ ስዑዲ ዓረብ፡ ዮርዳኖስን ግብጽን ሓዊሱ ኣብ ገለ ሃገራት ዓረብ ተኣጊዱ ወይ ተዓጽዩ ኣሎ።