ኣብ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ናይ ሩስያ ናይ ሓሶት ዜና ናብ ሚልዮናት የቃልሕ ኣሎ ተባሂሉ

ጉጅለ ምጽራያት ስኑዓት ዜናታት ቢቢሲ፡ ብዛዕባ ሓደ ንመንግስቲ ሩስያ ናብ ሚልዮናት ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ስኑዕ ሓበሬታ ዝዝርግሕ ዘሎ ኩባንያ ሓበሬታ ኣዋህሊሉ።
እቲ ናይ ሚድያ ኩባንያ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ብሕጋዊ ተመዝጊቡ ይርከብ።
እዚ ትካል "ያላ ኒውስ" ዝበሃል ኮይኑ ብናጻ መንገዲ ዜና ከም ዘቕርብ ይገልጽ።
ብኣንጻሩ ትንታነ ቢቢሲ ከም ዘመልክቶ፡ ትሕዝቶ እቲ መራኸቢ ብዙሃን ምስተን ብሩስያ ዝድገፋን ኣብ ሶርያ ዝመደበረን መርበባት ሓበሬታ ናይ ሓደ ሳንቲም ክልተ ገጽ ምዃኑ የረጋግጽ።
ዋና ትካል ያላ ኒውስ ዝኾነት ያላ ግሩፕ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓያል ጽልዋ ኣለዋ። 20 ዝኾኑ ናይ ፌስቡክ ገጻቱ ሰሓብትን ብሞያዊ መንገዲ ዝተነድፉን እዮም።
ሰለስተ ሚልዮን ቋንቋ ዓረብኛ ዝዛረቡ ተኸታተልቱ እውን ኣለውዎ።
እዚኦም ድማ ቃለ መሕትት ፍሉጣት ሰባት፡ ኮሜዲ፡ ፖለቲካ ዓለም ንገለ ንምጥቃስ ይርከብዎም።
ያላ፡ ነጻን ዘተኣማምንን ዜና ከም ዝህብ ዝሕብሩ ሪኢቶታት ኣለዉ። ብቐረባ ዝከታተልዎ ዛንታታት ግን ንሩስያ ብዓይነ ዕሙተይ ከምኡ’ውን ምስቲ ኣብ መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ዝቐርብ ሓበሬታ ዝመሳሰል ሓበሬታ ይቐርብ።
ብፍላይ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ምስ ወረረት፡ እዚ መራኸቢ ብዙሓን ብዙሕ ኣፍልጦ ረኺቡ።
ንኣብነት 1 መጋቢት 2014 ዓ.ም ግእዝ፡ መንግስታዊ ተለቪዥን ሩስያ፡ ኣሜሪካ ንኣዕዋፍ ከም ኣጽዋር ተጠቒማ፡ ቀተልቲ ሕማማት ተሰኪማ ናብ ሩስያ ክትዝርግሕ ትፍትን ከምዘላ ብምግላጽ ዘሰንብድን ፍጹም ልብወለዳዊ ዛንታ ኣቃሊሑ።
ድሕሪ ቀትሪ እቲ ዛንታ ተተርጒሙ ኣብቲ ብመንግስቲ ሩስያ ዝምወል መርበብ ሓበሬታታት ስፑትኒክ ዓረብኛን "ሩስያ ቱደይ" ተሓቲሙ።
ድሕሪ ክልተ ሰዓት ተመሳሳሊ ዛንታ ብመልክዕ ቪድዮ ኣብ ገጽ ፌስቡክ ‘ያላ ኒውስ’ ተዘርጊሑ። ዝተጠቐመሎም ቃላት ከይተረፈ ሓደ ዓይነት ቅዳሕ እዩ ነይሩ።
ንኽልተ ዓመት ዝተገብረ ዳህሳስ
ንሓደ ዓመት ዝኣክል፡ ቢቢሲ ምስ ክኢላታት ምጽራይ ስኑዕ ሓበሬታ ብምትሕብባር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሰፊሑ ዝተራእዩ ቪድዮታት ያላ ኒውስ ክምርምር ጸኒሑ።
ከምኡ ብምግባሩ ድማ ዳርጋ ኩሎም ብክረምሊን ዝውነኑን ምስ ብክረምሊን ዝድገፋ ማዕከናት ዜና ዝካየዱ ወይ ዝተኣሳሰሩን ምዃኖም ኣረጋጊጹ።
ካብዚኦም ኣብ ዩክሬን ኣብ ቡቻ ዝተፈጸመ ህልቂት ዝተፈብረኸ ከምዝኾነ ዝገልጽ፣ ፕረዚደንት ዘለንስኪ ንህዝቢ ዩክሬን ሰኺሩ መግለጺ ከምዝሃበ፣ ወተሃደራት ዩክሬን ካብ ግንባር ይሃድሙ ከምዘለዉ ዝገልጽ ናይ ሓሶት ዜናታት ይርከብዎም።
ምንጪ ናይዚ ኩሉ ዜና መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ሩስያ ኮይኑ፡ ድሕሪ ቁሩብ ሰዓታት ድማ ተመሳሳሊ ዛንታታት ኣብ ቪድዮታት ያላ ኒውስ ይጥቃዕ።

"ሓበሬታ ምዝውዋር"
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ ዝርከብ ማእከል መረዳእታ፡ ጽልዋ ሩስያ ዘጽንዕ ቤለን ካራስኮ ሮድሪገዝ፡ ብዛዕባ ያላ ኒውስ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ድምጺ ክረምሊን ንምቅላሕ ከም መጋውሒ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ገሊጹ።
ብተወሳኺ እቶም ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓትን ዕለትን ተመሳሳሊ ትሕዝቶ ዘለዎምን ዝወጹ ዜናታት፡ ያላ ኒውስ ንሩስያ ከም መትረብ ኮይኑ ይሰርሕ ከምዘሎ ዘመልክት ምዃኑ ይዛረቡ።
እቲ ፕሮፖጋንዳ ብቐጥታ ካብ ክረምሊን ከም ዘይመጽእ ኣምሲሎም፡ ብሳልሳይ ወገን ዝተኣሳሰር ምዃኑ እውን ጠቒሶም።
ሩስያ ቅድሚ ሕጂ ከምዚ ዓይነት ነገራት ከም እትገብር ትፍለጥ እያ።
"ያላ ኒውስ ኣብ ተዛረብቲ ቋንቋ ዓረብ ተፈታዊ ስለዝኾነ ምስ ክረምሊን ዝተኣሳሰሩ ምንጭታት ዜና ሓበሬታ ንምዝርጋሕ ክጥቀሙሉ ይኽእሉ እዮም" ክብል ይገልጽ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







