ኣብ ሩስያ ዝተኣሰረ ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ብስለያ ተኸሲሱ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣመሪካዊ ጋዜጠኛ ኢቫን ገርሽኮቪች፡ ንኣመሪካ ይስልል ነይሩ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሉ ተገሊጹ።
ሪፖርተር ዎል ስትሪት ጆርናል ኣብ ሩስያ ዝኾነ ምኩር ጋዜጠኛ ገርሺኮቪች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን እዩ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ።
እቲ ጋዜጠኛ ነቲ ክሲ ከምዝነጸጎ ዝተገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ዝሰርሐላ ጋዜጣ ድማ ብቕልጡፍ ክፍታሕ ጸዊዓ ኣላ።
ቤተ መንግስቲ ክረምሊን ግና እቲ ጋዜጠኛ ንኣመሪካ ክስልል ‘‘ኢድ ብኢድ’’ እዩ ተታሒዙ ኢላ።
ወዲ 31 ገርሽኮቪች፡ ብብዙሓት ኣብ ሞስኮ ዝሰርሑ ሪፖርተራት ወጻኢ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኢዲተር ቢቢሲ ሩስያ ስቲቭ ሮዘንርግ፡ ንፉዕ ሪፖርተርን መትከላዊ ጋዜጠኛን ክብል ይገልጾ።
ቤት ጽሐፈት መንግስቲ ኣመሪካ እውን ንማእሰርቲ እቲ ጋዜጠኛ ኮኒኑ ኣሎ።
‘‘ጋዜጠኝነት ገበን ኣይኮነን’’ ዝበሉ መራሕቲ ባይቶ ሪፐብሊካንን ዲሞክራትን እውን እቲ ‘‘መሰረት ዘይብሉ’’ ዝበልዎ ክሲ ክቋረጽን እቲ ጋዜጠኛ ክፍታሕን ኣብ ዝሃብዎ ሓበራዊ መግለጺ ጸዊዖም ኣለዉ።
ሰብ መዚ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ማእሰርቲ ዘሎ ጋዜጠኛ ክበጽሕዎ ንሩስያ ሓቲቶም ፍቓድ ከምዘይተውሃም ክገልጹ እንከለዉ፡ ጠበቓታት ዎል ስትሪት ጆርናል ግና ከምዝረኸብዎ እታ ጋዜጣ ሓቢራ።
ዲፕሎማሰኛታት ኣመሪካ ነቲ ጋዜጠኛ ክረኽብዎ መስርሐ ፍቓድ ይሳለጥ ከምዘሎ ዝሓበረ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ብወገኑ ‘‘ኣብዚ ጉዳይ ዘሎ ሸቐልቀል ኣመሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ሰብ መዚ ሩስያ ጸቕጢ ንምፍጣር ዝዓለመን ተስፋ ይኹን ትርጉም ዘይብሉን እዩ’’ ክብል ገሊጹ።
ገሪሽኮቪች፡ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ረቡዕ ድሕሪ ቐትሪ ኣብ ከተማ የካተሪንበርግ ኣብ ስራሕ እናሃለወ፡ ምስ ኢዲተሩ ዝነበሮ ርክብ ከምዝተቛረጸ ሓቢራ ነይራ።
‘‘ዘይሕጋዊ ስራሕቲ’’ ክቋረጹ ከምዝገበረ ዝገለጸ ድሕነት ሩስያ፡ እቲ ጋዜጠኛ ‘‘ብመሰረት ትእዛዝ ኣመሪካ’’ ኣብ ዝሰርሐሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሓቢሩ።
እቲ ጋዜጠኛ ክሳብ 29 ጉንበት ኣብ ማእሰርቲ ክጸንሕ ተወሲኑ ኣሎ።
ስለያ ኣብ ሩስያ ክሳብ ማእሰርቲ 20 ዓመት ዘቕጽዕ ገበን እዩ።
ኢቫን ገርሽኮቪች ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብዛዕባ እናንቆልቆለ ዝመጽእ ዘሎ ቁጠባ ሩስያን ነታ ሃገር ኣብ መጻብቦ ኣእትይዋ ዘሎ ወታሃደራዊ ወጻኢታትን ዝምልከት ጸብጻብ ኣብ ጋዜጣ ዎል ስትሪት ኣሐቲሙ ነይሩ።
ንመሰል ጋዜጠኛታት ዝሕለቕ ሪፖርተርስ ዊዝኣውት ቦርደርስ፡ እቲ ጋዜጠኛ ንንጠፈታት እቲ ኣብ ኲናት ዩክረይን ዝሳተፍ ዘሎ ዕሱብ ጉጅለ ዋግነር ዝምልከት ጸብጻብ ክሰርሕ ናብ ከተማ የካተሪንበርግ ከምዝተጉዓዘ ገሊጹ።
ስራሕቲ ጋዜጠኝነት ኣብ ኣመሪካ ዝጀመረ ኢቫን፡ ቅድም ክብል ወኪል ኤኤፍፒን ሞስኮ ታይምስን ኣብ ሩስያ ኮይኑ ሰሪሑ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







