ቴሌግራም፡ ካብ ፕሮፖንዳ ኲናት ዝኸስቡ ዘለው ጸለውቲ

ጸለውቲ ደገፍቲ ኲናት ሩስያ

ደገፍቲ ኲናት ዝዀኑ ጸለውቲ ሩስያ፡ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝህብዎ ሽፋን እቲ ጐንጺ ዓቢ ኣታዊታት መወዓውዒ ይረኽቡ ኣለው።

ጐና ጐኒ ዘስካሕክሕ ቪድዮታት መጥቃዕቲ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ብዛዕባ ፕረዚደንት ዩክሬይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ዝዝርግሑዎም ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ካብ ክሪፕቶካረንሲ ዝመጽእ ዝዀነ ይኹን መወዓውዒታት የካፍሉ።

ኣብ ሩስያ “ዘ-ብሎገርስ” (Z-Bloggers) ተባሂሎም ዝፍለጡ ደገፍቲ ኲናት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ምስ ሰራዊት ሩስያ ተሰዂዖም ካብ ቅድመ ግንባር ተንቀሳቓሲ ስእሊ ብምልጣፍ መንእሰያት ሩስያውያን ክምዝገቡ ይጽውዑ።

እዚኦም፡ ንኲናት ዘለዎም ደገፍ ‘Z’ ብዝብል ምልክት ይፍለጡ።

ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት 2022 ንዩክሬይን ካብ እትወርር ኣትሒዙ፡ ደገፍቲ ኲናት ዝዀኑ ጸለውቲ ኣብ ቴሌግራም ሚሊዮናት ሰዓብቲ ረኺቦም።

ፕረዚደንት ቭላድሚር ፑቲን ኢንስታግራም፡ ፌስቡክን ትዊተርን ድሕሪ ምእጋዱ ብዙሓት ሩስያውያን ናብ ቴሌግራም ክኸዱ ተገዲዶም’ዮም።

እዚ ድማ፡ ዕዳጋ መወዓውዒ ቴሌግራም ንኽዓቢ ምኽንያት ኰይኑ ኣሎ።

ጸለውቲ ኲናት ክኣ ነዚ ኣጋጣሚ ተጠቒሞምሉ፤ ንመንእሰያት ክበጽሑ ንዝደልዩ ኩባንያታት ክኣ ናይ መወዓውዒ ቦታታት ይሸጡ።

እዞም ጕጅለታት ካብዚ ክንደይ ከም ዝሓቱ ንምፍላጥ፡ ኣባላት ዓለማዊ ጉጅለ ናይ ሓሶት ሓበሬታ ቢቢሲ፡ ኣብ ቻነላቶም መወዓውዒታት ንምጥቃዕ ዝደልዩ ወነንቲ ሆቴላት መሲሎም ኣትዮም።

ንገለ ካብቶም ፍሉጣት ውልቀሰባት ክኣ ረኺቦም።

ሓደ ካብኣቶም ኣሌክሳንደር ኮትስ ዝተባህለ ወኪል ናይ ሓንቲ ደጋፊት መንግስቲ ዝዀነት ጋዜጣ ዝነበረን ድሓር ጸላዊ ኲናት ዝዀነን ኰይኑ፡ ኣብ ውልቃዊ ቴሌግራም ቻነሉ ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ኣለውዎ።

ብ’ዋርጎንዞ’ (WarGonzo) ዝፍለጥ ሰሚዮን ፔጎቭ ክኣ ኣሎ።

እዚ ምናልባት እቲ ዝያዳ ፍሉጥ ‘Z ብሎገር’ ክኸውን ይኽእል፤ ልዕሊ 1.3 ሚልዮን ሰዓብቲ ኣለውዎ።

ኣሌክሳንደር ኮትስ፡ እቲ ኣብ ቴሌግራሙ ዝፍኖ መወዓውዒ ንሓንቲ ልጣፍ ካብ 48,000-70,000 ሩብል (£440-£680) ከም ዝዀነን እዚ ኣብቲ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጸንሓሉ ግዜ ከም ዝውስኖም ይነግረና።

‘ዋርጎንዞ’ ንሓንቲ ልጣፍ ኣስታት 1550 ፓውንድ ከም ዝዀነ ተዛሪቡ።

ላዕለዎት ጸለውቲ ኲናት ሩስያ፡ ኣብ መዓልቲ ብውሑድ ሓደ መወዓውዒ ይጥቅዑ።

ካብዚ ብማእኸላይ ኣብ ወርሒ 66 ሽሕ ሩብል (550 ፓውንድ) ይረኽቡ።

ወኪል መወዓውዒ ምስ ቫግነር ዝተኣሳሰራ ቻነላት ቴሌግራም፡ ኣብ ‘ግሬይ ዞን’ ንሓደ መወዓውዒ ኣስታት 260 ፓውንድ ከም ዝዀነ ነጊሩና።

እዚ ቻነል ቫግነር ዝጥቀመሉን ልዕሊ 600 ሽሕ ሰዓብቲ ዘለዎን ቻነል ቴሌግራም እዩ።

ኣብ ቻነል ኣሌክሳንደር ሲሞኖቭ፡ ንሓደ ልጣፍ 180 ፓውንድ ተሓቲትና።

ንሱ፡ ጋጤጠኛ ‘ሪያ ፋን’ ዝተባህለ ብሓላፊ ጕጅለ ቫግነር ነበር የቭገኒ ፕሪጐዢን ዝተመስረተ መርበብ ሓበሬታ እዩ።

ካልእ ሪፖርተር ሪያ ፋን ኣሌክሳንደር ያረምቹክ ውሑዳት ተኸታተልቲ ስለ ዘለዎ ትሑት ክፍሊት ሓቲቱ፤ ንሓደ ጽሑፍ 86 ፓውንድ።

ገለ ካብቶም ኣብ ‘Z-bloggers’ ዘለው ሰባት መብዛሕትኦም ኣብ መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ጸብጻባት ኲናት ኣብ ምስራሕ ተሞክሮ ክህልዎም እንከሎ፡ ካልኦት ከም በዓል ማሪያና ናውሞቫ ዝበሉ ግን ሞያዊ ስልጠና የብሎምን።

ንሳ፡ ብቫግነር እያ ስልጠና ጸብጻባት ወሲዳ። ሕጂ ናይ ገዛእ ርእሳ መደብ ኣብ ሃገራዊ ቲቪ ተቕርብ ኣላ።

ማሪያና ነዚ ስእሊ ናብ ቢቢሲ ልኢኻ፤ ክትዛረብ ግን ፍቓደኛ ኣይኰነትን

ምንጪ ስእሊ, MARYANA NAUMOVA

መግለጺ ስእሊ, ማሪያና ነዚ ስእሊ ናብ ቢቢሲ ልኢኻ፤ ክትዛረብ ግን ፍቓደኛ ኣይኰነትን

ቢቢሲ ንፍሉጣት ጸሓፍቲ ኲናት ቃለ መሕትት ክገብር ፈቲኑ፤ ካብኣቶም ግን ኣሌክሳንደር ኮትስ ጥራይ እዩ ክዛረብ ተሰማሚዑ።

ካብታ ዝተጎበጠት ከተማ ባክሙት ዩክሬን ድማ ኣዘራሪብናዮ።

ንነብሱ ኣብቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ሓበሬታ ኲናት ዝሰርሕ ሪፖርተር እየ ክብል ይገልጻ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕሮፖጋንዳ ሩስያ ብኸፊል ኣብ ከማኡ ዝኣመሰሉ ሰባት ከም ዝምርኮስ ይርዳእ።

"ሚኒስትሪ ምክልኻል ብዙሕ ግዜ ንዓና ይሰምዓና’ዩ፤ ብውልቂ ምስኦም ሓበሬታ እንለዋወጠሉ ቀጥታዊ ቻነል ኣለና። ኩሉ ብድሕሪ መጋረጃ'ዩ፡ ኣነ ድማ ከምኡ እገብር" ኢሉ።

ን’Z-bloggers’ እናዓበየ ዝኸይድ ዘሎ ዕዳጋ ካብ ዋሕዚ ቪድዮታት ዝረኸብዎ እዩ።

እቲ ኣብ ቴሌግራሞም ዝጽዓን ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ ካብ ውሽጣዊ ደገፍቲ ኲናት ጀሚሩ ክሳብ ኣብ ሩስያ ብሓቂ እንታይ ይፍጸም ከም ዘሎ ንምርዳእ ዝጽዕሩ ምዕራባውያንን ዩክሬናውያንን ተንተንቲ ዝተፈላለየ ተኸታተልቲ የምጽኣሎም።

ይኹን’ምበር፡ ገለ ዝጥቅዑዎም ቪድዮታት ናይ ሓሶት እዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት፡ ኣሌክሳንደር ኮትስ ዝርከቦም ፍሉጣት ጸለውቲ፡ ክልተ ወተሃደራት ዩክሬይን መኪና ንዝሓዘት ሓንቲ ሰበይትን ንእሽቶ ቈልዓን ደው ከብሉ ዘርኢ ቪድዮ ጠቂዖም ነይሮም።

እቶም ኣብቲ ቪድዮ ዝርኣዩ ዕጡቓት ነታ ጓል ኣንስተይቲ ብቋንቋ ሩስያ "ሓሸማ" እናበሉ ከፈራርሑዋ ይርኣዩ።

‘Z-bloggers’ እቲ ቪድዮ ዩክሬይን ንሲቪላት ብኸመይ ከም እትሕዞም ዘርኢ እዩ ኢሎም።

እቶም ጸለውቲ ነዚ ቪድዮ ሓቃዊ'ዩ ጠቂዖም፤ ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ ግን ኰነ ተባሂሉ ዝተመስርሐ ምዃኑ ኣረጋጊጹ
መግለጺ ስእሊ, እቶም ጸለውቲ ነዚ ቪድዮ ሓቃዊ'ዩ ጠቂዖም፤ ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ ግን ኰነ ተባሂሉ ዝተመስርሐ ምዃኑ ኣረጋጊጹ

ቢቢሲ ብዝገበሮ ምጽራይ ግን፡ እዚ ቪድዮ ኣብ ጥቓ ዶኔትስክ እትርከብ ከተማ ማኪቭካ ዝተቐድሐ ምዃኑ ክፈልጥ ክኢሉ።

እዚ ከባቢ ዩክሬይን ካብ 2014 ጀሚሩ ብደገፍቲ ሩስያ ዝዀኑ ሓይልታት ተታሒዙ ይርከብ።

ኣብዚ ዝተጎበጠ መሬት ሓደ ደንቢ ልብሲ ዝለበሰ ወተሃደር ዩክሬይን ክንቀሳቐስ ኣይኽእልን።

ኣብ ርእሲኡ ድማ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ዩክሬይን ኣብ ውሽጢ መኪናኻ ዝግጠም መገዲ ዝቐድሕ መሳርሒ (ዳሽካም) ምጥቃም ሕጋዊ ኣይኰነን።

እዚ እገዳ ድሕሪ ወራር ሩስያ ምንቅስቓስ ሰራዊት ምስጢር ንምሕላው ብዝብል ዝተነብረ እዩ።

ካልእ፡ ኣብ ውሽጢ እታ መኪና ዝርኣይ መስቀል ድማ ካብቲ ዕጡቓት ሓይልታት ዩክሬይን ዝጥቀመሉ መስቀል ዝተፈለየ እዩ።

እዚ ኩሉ ባእታታት ደሚርካ እቲ ቪድዮ ዝተመስርሐ ምዃኑ ምርዳእ ይክኣል።

እዚ፡ መንእሰያት ሩስያ ነቲ ኲናት ክድግፉ ንምትብባዕ ብ’Z-bloggers’ ካብ ሞንጐ ዝዝርግሑ ብዙሓት ናይ ሓሶት ሓበሬታታት ሓደ ኰይኑ፡ እዚ ክኣ ይሰምረሎም ከም ዘሎ ዘርእዩ መርትዖታት ኣሎ።

ፑቲን ንጸለውቲ፡ ሜዳልያን ሽመትን ሂቡ

ምንጪ ስእሊ, MIKHAEL KLIMENTYEV/KREMLIN/POOL/EPA-EFE/REX/SHUTTE

መግለጺ ስእሊ, ፑቲን ንጸለውቲ፡ ሜዳልያን ሽመትን ሂቡ

ኣብ ሓደ ቪድዮ፡ ሓደ ዝተጣየሰ ሩስያዊ ሰብኣይ፡ ቭላድለን ታታርስኪ ዝሰርሖም ብርክት ዝበሉ ቪድዮታት ድሕሪ ምርኣዩ ናብ ሓደ ማእከል ምልመላ ከም ዝኸደ ይዛረብ።

ታታርስኪ ኣብ ሚያዝያ 2023 ምስ ደገፍቱ ምስ ተራኸበ ተቐቲሉ።

ካልእ ኣብ ዩክሬን ብወለንታ ክዋጋእ ዝወሰነ ሩስያዊ፡ ብዙሕ ጸብጻባት ‘ዋርጎንዞ’ ድሕሪ ምርኣዩ ከም ዝወሰነ ይዛረብ።

“ኩሉ ወተሃደራዊ ዜናታትን ትንታነታትን ኣብ ቴሌግራም እየ ዝከታተሎ” ክብል ንዜድ-ብሎገርስ ብምጥቃስ ገሊጹ።

ቴሌግራም ኣብ ዚ ጉዳይ መልሲ ክህብ ተሓቲቱ።

ቴሌግራም፡ “ሩስያውያን ከም ሜዱዛ ዝኣመሰሉ ናጻ ማዕከናት ዜና፡ ከም ቢቢሲ ዝኣመሰሉ መመያ ዘይግበረሎም ኣህጉራዊ ማዕከናት ዜና ወይ መደረታት [ፕረዚደንት] ዘለንስኪ ዝበሉ ሓበሬታታት ክረኽብሉ ዝኽእሉ ናይ መወዳእታ መድረኽ" ምዃኑ ገሊጹ።

ወሃቢ ቃል እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ንዅሎም ወገናት "ብማዕረ ከም ዝርእዮም” ብምግላጽ፡ ቴሌግራም ንኣህጉራዊ እገዳታት ከም ዘኽብርን "ሕግታት ኣብ ዝኽልክልሉ" መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ሩስያ ከም ዝዓገተን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ፑቲን ንጻዕርታት ‘ዜድ-ብሎገርስ’ ክንእድ ተራእዩ እዩ።

ኣሌክሳንደር ኮትስ ፕረዚደንት ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ገይሩ ክሸሞ እንከሎ፡ ሴምዮን ፔጎቭን ካልኦት ሓያሎ ጸሓፍትን ኣባላት ጉጅለ ምኽታት ገይርዎም።

ኣብ ወርሒ ሰነ፡ ንደገፍቲ ኲናትን ሪፖርተራት መራኸቢ ብዙሃን መንግስትን ናብ ክረምሊን ዓዲሙ፡ ንኽልተ ሰዓታት ዝጸንሕ ኣኼባ ገይሩ።

"ኣብ ዙርያ ሓበሬታ ዝካየድ ዘሎ ንሕንሕ ዓውደ ውግእ'ዩ። ወሳኒ ዓውደ ውግእ'ዩ፤ ብሓቂ ድማ ኣብ ሓገዝኩም ይተኣማመን” ኢሉዎም።