ብጾታዊ መጥቃዕቲ ዝኽሰስ ፍሉጥ ጋዜጠኛ ኣልጀዚራ

ምንጪ ስእሊ, BARRY IVERSON / ALAMY STOCK PHOTO
ከማል ሳንታማርያ፡ ፍሉጥ ኣቕራቢ ዜና ተሌቪዥን’ዩ። እዚ ህቡብ ጋዜጠኛ ኣብ ኣልጀዚያ ን16 ዓመታት ዘገልገለ ኰይኑ፡ ኣብ ላዕለዋይ በዓል መዚ ኒውዚላንድ ቲቪኤንዘድ ሓድሽ ስራሕ ጀሚሩ ነይሩ።
ኣብዚ ትካል፡ ን32 መዓልታት ጥራይ ድሕሪ ምስራሕ፡ ስርሑ ከም ዝገደፎ ብወግዒ ኣፍሊጡ።
ኣብ ክፍሊ ዜና ዘርእዮም ዝነበሩ ዘይግቡእ ባህርያት ዘስዓቦ ክስታት ምኽንያት ከም ዝዀኑ ይግለጽ። ነዊሕ ከይጸንሐ፡ ኣብቲ ን16 ዓመታት ዝሰርሓሉ ማዕከን ዜና ኣልጀዚራ ዝነበራ መሳርሕቱ ጾታዊ መጥቃዕቲ ይፍጽመልና ነይሩ’ዩ ዝብሉ ክስታት ከስምዓ ጀሚረን።
ቢቢሲ ምስ ሓያሎ ናይ ሕጅን ቅድምን ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ቃለ መጠይቕ ብምክያድ፡ ሰነዳዊ መረዳእታታት ዘይእዱባት መልእኽታትን ጥርዓን ሰራሕተኛታትን መሰረት ገይሩ ብዘካየዶ መርመራ፡ ኣብ ልዕሊ ሳንታማርያ ኣብ ክፍሊ ዜና ደውሓ ዘነጻጸሩ ሓያሎ ክስታት ጾታዊ ምትንኻፋት ረኺቡ።
ገሊኦም ወሃብቲ ርእይቶ፡ ንሱ ጥራይ ከም ዘይነበረ ይዛረቡ።
ብተወሳኺ፡ እቲ ኩባንያ ጽቡቕ ባህሊ ስራሕ ከም ዘይብሉ ብምግላጽ፡ ብዓቢኡ ጥርዓናት ምግፋዕ፡ ጾታዊ ኣፈላላይ፡ መድሃልትን ዓሌታውነትን ፍታሕ ከም ዘይረኽቡ ይገልጹ።
እቶም ቃሎም ንቢቢሲ ዝሃቡ ሰራሕተኛታት፡ ስርሖም ከይጽሎ ስለ ዝሰግኡ ስሞም ከይጥቀስ ስለ ዝሓተቱ፡ መንነቶም ክዕቀብን ኣስማቶም ክቕየርን ተገይሩ ኣሎ።
ሳንታማርያ ንቢቢሲ ብቐጥታ መልሲ'ኳ እንተዘይሃበ፡ ንዕኡ ዝምልከት ጥቕሉል መግለጺ ግን ኣውጺኡ ኣሎ።
“ገሊኦም ዝበሃሉ ዘለው ክስታት ሓቅነት ኣለዎም፤ ገሊኦም ግን ካብ ዓውዲ ወጻኢ ዝተወስዱ’ዮም” ይብል።
ወሲኹ፡ ዘርኣኽዎም “ባርህያት ንሰባት ምቹእነት ዝኸልኡ እንተነይሮም ይቕሬታ እሓትት፡” ኢሉ።
ቢቢሲ፡ ካብ ኣልጀዚራ መልሲ ንምርካብ ዝርዝር 22 ክስታት እኳ እንተለኣኸ፡ እቲ መደበር ዜና ግን ንነፍሲ ወከፍ ክስታት መብርሂ ኣይሃበን።
ኣክንድኡ፡ "ኣብ መላእ ዓለም ዝርከቡ ሰራሕተኛታቱ ዓንዲ ሕቘን መሰረትን ናይቲ ኩባንያ” ገይሩ ከም ዝቘጽሮም ብምግላጽ፡ “ንድሕነቶምን ጽቡቕ ህይወቶምን ልዑል ተገዳስነት ይህብ” ኢሉ።
ወሲኹ፡ “ልዕሊ 95 ዜግነት ዘለዎ ሰራሕተኛታት ዘለዎ ዓለምለኻዊ ትካል ከም ምዃኑ መጠን፡ ንኹሉ ጥዑይን ሃናጽን ናይ ስራሕ ሃዋህው ንምህናጽ” ብቐጻሊ ጻዕሪ ከም ዝገብር ሓቢሩ።
እታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ንኡሽቶ ሃገር ቀጠር፡ ብብዙሕ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ማዕርነት ጾታን ትኽሰስ። ኣብቲ ትካል ዝሰርሑ ሰራሕተኛታት ድማ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖም በደላት ኣብታ ሃገር ክዛረቡ ከም ዝሰግኡ ይገልጹ።
‘ምራቝ ካብ ገጸይ ጸሪገዮ’
ኣብ ተሌቪዥን ኒውዚላንድ ሪፖርተር ዝነበረ ሳንታማርያ፡ ብ2005’ዩ ኣቕራቢ ዜና ቋንቋ እንግሊዘኛ ኰይኑ ኣብ ኣልጀዚራ ተቘጺሩ።
ኣብ ስርሑ ቀልጢፉ ዕብየት ዘርኣየ ኰይኑ፡ ንፕረዚደንታዊ መረጻ ኣሜሪካ 2020ን ካልኦት ዓበይቲ መደባትን ብቐጥታ ከቕርብ በቒዑ።
መሳርሕቱ፡ ተዋዛዪ፡ ብቐሊሉ ምስ ሰባት ዝተኣታቶን ንፉዕ በዓል ሞያ ተሌቪዥንን ከም ዝዀነ ይምስክሩ።
ንሱ ኣብ ኣልጀዚራ ምስ ተቘጽረ፡ ቶሪ መንእሰይ ፕሮዲዩሰር ተሌቪዥን ነይራ።
“ገለ ነገራት ንግበር እምበር . . . ኣብ ዕረፍትኺ ኸ ናብ ገዛኺ ኣይትጽውዕንን ዲኺ” ዝብሉ መልእኽታት ብትዊተር ይሰደላ ከም ዝነበረ ትዛረብ።
ቢቢሲ፡ እቶም ብትዊተር፡ ዋትስኣፕን ኢመይልን ዝሰዶም ዝነበረ ዘይእዱባት መልእኽታት ርእዩ እዩ።
“ድሕሪኡ፡ ኣብ ቦታ ስራሕምትንኻፍ ጀሚሩ። ኢዱ ኣብ መንኰበይ ምግባር፡ ባህ ዘይብል ምሕቛፍ፡ እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ ገጽ ምስዓም ጀሚሩ። ሓደ ግዜ፡ ኣብ ገጸይ ዝዓለበ ምራቝ ክጸርግ ናብ ሽቓቕ ከይደ’የ” ትብል ቶሪ።
ቶሪ፡ እዚ ምስ ኣብ ማእከላይ ጽፍሒ ሓላፍነት ዝነበረ ሰብ ከም ዝተዘራረበትሉ ሓቢራ፤ ክልቲኦም ክኣ፡ እቲ ዝርርብ ከም ዝተኻየደ ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
"ኣብ ዕቱብ ክፍሊ ዜና ዝሰርሕ ሞያዊ ሰብ፡ ናብ መሳርሕቱ፡ ብዛዕባ ቁመናኣ ኰነ 'ጡባ' ወይ ‘ኣዕሩኽ’ ኢና ኢሉ እንተሓሰበ’ውን ንምትሕቝቛፍ ክዕድም ከም ዘይብሉ ብተደጋጋሚ ክንገሮ የብሉን” ትብል ትሮይ።
ሳንታማርያ፡ ብዛዕባ ኣጥቧታ እተን ሓቢረናኦ ዜና ዘቕርባ ደቂ ኣንስትዮ ርእይቶ ከይሃበ ከም ዘይውዕል ንቢቢሲ ርእይቶኦም ዝሃቡ ሰባት ይገልጹ።
ሓያሎ ናይ ሕጂን ነባር ሰራሕተኛታት እቲ ትካል፡ ባህርያት ሳንታማርያ ካብ ሓደ ኣጋጣሚ ንላዕሊ ዝተዓዘብዎ ምስክርነት ሂቦም።
ኣብዚ እዋን ኣብ ኣልጀዚራ ዝሰርሕ ዘሎ ወዲ ተባዕታይ ሰራሕተኛ፡ ሳንታማርያ ኣብ ከንፈሩ ከም ዝሰዓሞ ገሊጹ። እዚ ኤዲተር ዜና ዝዀነ ሰብ [ሕጂ ላዕለዋይ ሓላፊ] ከም ዝረኣዮ ይዛረብ።
ካልእ፡ ፕሮድዩሰር ሳንታማርያ ኣብ ስራሕ - ኣብ ቅድሚ ብዙሓት ሰባት - ኣብ ናይ ስራሕ ቦታ ኣብ ክሳዳ ከም ዝሰዓማ ገሊጻ።
“ኣዝዩ ሕፍረትን ሕርቃንን ተሰሚዑኒ፤ ሰባት ምስኡ ዝዀነ ነገር ዝጀመርኩ ክመስሎም እዩ ኢለ ስክፍታ ተሰሚዑኒ። ጋሻ ስለ ዝነበርኩ፡ ብዛዕባኡ ዘዛርቦ ዝፈልጦ ናይ ምምሕዳር ሰብ ኣይነበርን፡” ትብል።
ብዙሓት ካብኣቶም ንባህርያት ሳንታማርያ ድፍረት ዝመልኦ’ዩ እኳ እንተበሉ፡ ንርእሶም፡ ኣብ ማእከላይ ምብራቕ ገና ጀመርቲ ሰራሕተኛታት ገይሮም ብምሕሳብ ንዕኡ ኰኾብ ሚድያ ገይሮም ይርእዩዎ ስለ ዝነበሩ፡ ብዛዕባ እቲ ዝበጽሖም ዝነበረ ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ከም ዘይገብሩ ሓቢሮም።
ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብ ኣልጀዚራ ፍሪላንሰር ዝነበረት ፊዮና፡ ሳንታማርያ ኣብ ክፍሊ ዜና ክሓቝፋ፡ ጾታዊ ርእይቶታት ክህባን ዘይግቡእ ጽሑፋት ክሰድድን ከም ዝፈተነ ገሊጻ።
ብወግዒ ጥርዓን’ኳ እንተዘይኣቕረበት፡ ናብ ሓደ ማእከላይ ደረጃ ሓላፍነት ዘለዎ ሰብ ግን ሪፖርት ከም ዝገበረት ትዛረብ።
ንሱ ግን "ዎ! እቲ ትንኮያ ሕጂ’ውን ቀጺሉ ድዩ? መቸስ ሕጂ ደው ኣቢሉ’ዩ” ጥራይ ከም ዝበላ ሓቢራ።
ድሕሪኡ፡ ናብ ምምሕዳር ዓቕሚ ሰብ ከተመልክት ደልያ፡ ንስኺ ናይ ሓጺር ግዜ ኮንትራት ስለ ዘለኪ ከምኡ ክትገብሪ ኣይትኽእልን ከም ዝተባህለት ገሊጻ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
‘ስርሐይ ከይስእን ሰጊአ’
መብዛሕትኦም ጾታዊ ትንኰያታት ዝወረዶም መሳርሕቲ ሳንታማርያ፡ ስርሖም ከይስእኑ ብዝብል ስግኣት ንሓለፍቶም ካብ ምዝራብ ይቝጠቡ ከም ዝነበሩ ይገልጹ።
ኣብ ውሽጢ ኣልጀዚራ ግልጽነትን ተሓታትነት ዘለዎ ኣሰራርሓ ስለ ዘየሎ ድማ ከም ዝሰግኡ ሓቢሮም።
እዚ ግን፡ ኣብ መደበር ዜና ኒውዚላንድ ተቐባልነት ኣይነበሮን።
ኣብቲ ንሓደ ወርሒ ዝሰርሐሉ መደበር ተሌቪዥን ክሲ ጾታዊ ትንኰያ ምስ ቀረበሉ፡ እቲ ዝቘጸሮ ሰብ ንርእሱ ካብ ስራሕ ተሰጒጉ።
ኣብ ውሽጢ ኣልጀዚራ ዘሎ ጾታዊ ትንኰያ፡ ልዕሊ ጉዳይ ሳንታማርያ ከም ዝዀነ እትዛረብ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ፡ ካልእ ሓለቓኣ በዓልቲ ቤቱ ኣብ ዘይትህልወሉ ግዜ ናብ ገዛኡ ክትመጽእ ከም ዝጸውዓ ተዛሪባ።
ካልእ ወሃቢት ርእይቶ ድማ፡ ሓለቓኣ ‘ኣብ እዋን ረመዳን ጾታዊ ርክብ ንፈጽም ይብለኒ . . .’ ነይሩ ትብል። እንተዀነ ስርሐይ ከይስእን ኢላ ብምስጋእ ሪፖርት ኣይገበረትን።
እዚ፡ ኣብ ደውሓ ጥራይ ዘይኰነ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ኣልጀዚራ’ውን ዝፍጸም ምዃኑ ቢቢሲ ዝረኸቦ መረዳእታ የመልክት።
ይዅን’ምበር፡ ኣብ ደውሓ ዝያዳ ጾታዊ ትንኰያን ዓሌታውነትን ከም ዝንጸባረቕ ሰራሕተኛታት ገሊጾም።
ጥርዓን ንምቕራብ ዝፈርሕሉ ምኽንያት ክዛረቡ እንከለው ድማ፡ ኣብ ደውሓ ብዙሓት ነገራት ምስ ኮንትራት ስራሕ ዝተኣሳሰሩ ምኽንያታት ከም ዝዀኑ የረድኡ።
ካብ ስራሕ እንተተሰጒግካካ፡ መንበሪ ፍቓድ ትስእን፣ መድሕን ትምህርቲ ደቅኻ፣ መንበሪ ገዛን ጥዕናን ትስእን።
ስለዚ፡ ሰባት እቲ ዝወርዶም ጾታዊ መጥቃዕቲ ሪፖርት ምግባር ይፈርሑ።
ኣልጀዚራ፡ ናጻን ዘይሻራውን ሚድያ ከም ዝዀነ’ዩ ዝገልጽ። እንተዀነ ምንጪ ገንዘብ እቲ ትካል ካብ ኣሚር ቐጠር ዝመጽእ ስለ ዝዀነ፡ ኣብ ጉዳይ ቐጠር ጋዜጠኛታት ዝደለይዎ ክጽብጽቡ ኣይክእሉን።
ሕጊ እታ ሃገር’ውን ናይ ምዝራብ ናጽነት ኣይፈቅድን።
ኣልጀዚራ፡ ካብ ቢቢሲ ንዝቐረበሉ ሕቶታት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ “ጾታዊ ትንኰያ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታቱ ዝቐረቡ ክስታት ብቐሊሉ ከም ዘይርእዮም” ብምግላጽ እቲ ጉዳይ ከም ዝምርምሮ ኣብሪሁ።
ሰራሕተኛታት እቲ ትካል ከም ዝብሉዎ ግን፡ ‘ገለ ሰራሕተኛታት ልዕሊ ሕጊ’ዮም።'




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







