ኣመሪካን ቻይናን ወጥሪ ዘለዎ ዝምድነአን ንምርግጋእ ቃል ተኣታትየን

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝምድና ቤጂንግን ዋሽንግተንን ኣዝዩ ወጥሪ ይረአ ነይሩ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝምድና ቤጂንግን ዋሽንግተንን ኣዝዩ ወጥሪ ይረአ ነይሩ

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ቤጂንግ ዘካየዶ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስዒቡ ክልቲአን ሃገራት ወጥሪ ዘለዎ ርክበን ንምርግጋእ ቃል ኣትየን ኣለዋ።

ብሊንከን ሎሚ ሰኑይ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒንግ ድሕሪ ምርኻቡ ኣብ መንጎ እተን ተቐናቐንቲ ልዕለ ሓያላን ሃገራት ላዕለዋይ ደረጃ ርክባት ዳግማይ ጀሚሩ ኣሎ።

ፕረዚደንት ሺ ምዕባለ ከም ዘርኣዩ ክገልጽ እንከሎ፡ ብሊንከን ድማ ክልቲኦም ወገናት ንዝያዳ ዝርርብ ድሉዋት ምዃኖም ኣመልኪቱ።

እቲ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ኣሜሪካ ግን ዓበይቲ ፍልልያት ከም ዘለዉ ብንጹር ገሊጹ።

ብሊንከን ድሕሪ’ቲ ኣብ ዓቢ ኣዳራሽ ህዝቢ ኣብ ቲያንመን ዝተኻየደ ን35 ደቓይቕ ዝወሰደ ኣኼባ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ኣብ ላዕለዎት ደረጃታት ቀጻሊ ርክብ ምግባር፡ ፍልልያት ብሓላፍነት ንምምሕዳርን ውድድር ናብ ግጭት ከይቅየርን ዝበለጸ መገዲ ከም ዝዀነ የስምረሉ" ኢሉ።

"ካብ ቻይናውያን መዛኑይ እውን ከምኡ ሰሚዐ" ኢሉ። "ክልቴና ርክብና ምርግጋእ ከምዘድልዮ ንሰማማዕ።"

"ብዓሚቕ - ዋላ'ውን ብትሪ - ዘይንሰማማዓሎም ብዙሓት ጉዳያት” ከም ዘለዉ’ውን ሓቢሩ።

ርክብ ቤጂንግን ዋሽንግተንን ድሕሪ’ቲ ኣብ ዘመነ ትራምፕ ዝተኻየደ ንግዳዊ ኲናት፡ ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዘቕረበቶ ጽኑዕ ምጉት ከምኡ’ውን ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣብ ልዕሊ ኣመሪካ ዝነፈረት ሰላዪት ዝተበሃለት ቻይናዊት ዝተባህለት ባሎን ናብ ወጥሪ ከም ዝኣተወ ይፍለጥ።

ፕረዚደንት ሺ ግን ዝምድናታት ናብ እወታዊ ኣንፈት ክሕዝ ከም ዝኽእል ሓሳብ ኣቕሪቡ።

"ክልቲኦም ወገናት ኣብ ገለ ፍሉያት ጉዳያት ምዕባለታት ኣመዝጊቦምን ኣብ ስምምዕ በጺሖምን'ዮም" ከም ዝበለ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ይሕብረ።

ምስ ፕረዚደንት ሺ ዝተገብረ ርክብ ፈለማ ኣብ መደብ ብሊንከን ኣይነበረን፡ ቅድሚ ምርኻቡ ቅድሚ ሓደ ሰዓት ጥራይ እዩ ተገሊጹ።

ይኹን እምበር፡ ብፍላይ ሓባራዊ መስራቲ ማይክሮሶፍት ቢል ጌትስ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን ኣብ ቤጂንግ ምስ ፕረዚደንት ሺ ስለ ዝተራኸበ፡ ብሊንከን ምስቲ መራሒ እታ ሃገር እንተዘይራኸብ ነይሩ ከም ንዕቐት ምተረኣየ ነይሩ።

ነዚ ስዒቡ ክልቲአን ሃገራት ነቲ ወጥሪ ንምዝሓል ጻዕሪ ይገብራ ከም ዘለዋ ኣመልኪተን ኣለዋ።