ኣንቶኒ ብሊንከን ኣዘራራቢ ዝዀነ ዑደት ንምክያድ በይጂን ኣትዩ

ብሊንከን ኣብ ቤጂንግ እንትበጽሕ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ሰበስልጣን ቻይና ንኽልተ መዓልታት ጻንሒት ንምግባር ናብ ቤጂንግ ኣትዩ።

ሓደ ላዕለዋይ ኣመሪካዊ ዲፕሎማት ናብ ቻይና ምብጻሕ ከካይድ ድሕሪ ዳርጋ ሓሙሽተ ዓመታት ንፈለማ ግዜ እዩ።

ሰበስልጣን ኣመሪካ፡ ቀንዲ ዕላማ ናይቲ ዝርርብ፡ ነቲ ኣዝዩ ወጥሪ ዝመልኦ ዝምድና ንምርግጋእ ምዃኑ ይገልጹ።

እቲ ኣቐዲሙ ካክየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ዑደት ብሊንከን፡ ካብ ዝናዋሕ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ኰይኑዎ ኣሎ።

እቲ ጉዕዞ ዝተናወሐ፡ ሰላዪት ተባሂላ ዝተጠርጠረት ናይ ቻይና ባሎን፡ ኣብ ክሊ ኣየር ኣመሪካ ድሕሪ ምብራራ ከምዝዀነ ይዝከር።

ድሕሪኡ ኣመሪካ እቲ ዑደት ወርኡ ክጠፍእ ዝገበረት ኰይና፡ ካብ ክልቲኦም ወገናት እዚ ዝበሃል ምምሕያሽ ርክባት ንምግባር ጻዕሪ ኣይገበሩን።

ሰበስልጣን ኣመሪካ ከምዝብልዎ፡ እዚ ናይ ሕዚ መገሻ፡ ብላዕለዋይ ደረጃ ርክብ ዳግማይ ምጅማርን ድሕሪ እቲ ፍጻመ ባሎን ኣብ ምትፍናን ዝተመስረተ ዝምድናታት ንምምሕያሽን ዝዓለመ ምዃኑ ይገልጹ።

ቻይና ኣብ ጥቓ እታ ከም ዘይተነፀለት ኣካላ ገይራ እትቖጽራ ታይዋን ወተሃደራዊ ልምምድ ኣካይዳ ነይራ። ኣመሪካ ብወገና ምስቲ ብ’ዲሞክራስያዊ ኣገባብ’ ዝተመርጸ መንግስቲ ታይዋን ጥቡቕ ርክብ ኣለዋ።

ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግን ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ፖሊሲ ወጻኢ ቻይና ዋንግ ዪን ዝካየድ ርክብ ሓዊሱ ሕዚ ብዙሕ ኣጀንዳታት ተታሒዙ ኣሎ።

ኣብ ዩክሬን ዝካየድ ዘሎ ኲናት፡ ኣብ ምዕባለ ቴክኖሎጂ ኮምፒተር ዝፍጠር ንግዳዊ ምስሕሓብ፡ ኣብ ኣመሪካ ዝረአ ዘሎ ለበዳ መድሃኒት ፈንታኒልን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላት ቻይናን ገለ ካብቶም ክትዝተየሎም ኣመሪካውያን ትጽቢት ዝግበሩሎም ኣርእስታት እዮም።

ሰበስልጣን ቻይና ንዑደት ሚስተር ብሊንከን ዝሑል ግብረ መልሲ ብምሃብ፡ ኣመሪካ ዝምድናኣ ንምምሕያሽ ኣብ እትገብሮ ጻዕሪ ቅንዕና ዘለዎ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣልዒሎም።

ብሊንከን፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ዢ ጂንፒንግ ክራኸብ ድዩ ኣይራኸቡን እውን ንጹር ኣይኰነን።

ብሊንከን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ወርሒ ጥሪ 2021 ስልጣን ካብ ዝሕዝ ንደሓር ናብ ቻይና መገሻ ዝገበረ ላዕለዎይ በዓል ስልጣን መንግስቲ ኣመሪካ እዩ።

ንሱ ብዓርቢ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ "ከምቲ ንሕና እንኣምኖ፡ እቲ ምስ ቻይና ዘለና ንሕንሕ ናብ ጎንጺ ከምዘየምርሕ ከነረጋግጽ እንተደሊና፡ እዚ ዝጅመረሉ ቦታ ርክባት ምግባር 'ዩ" ኢሉ።

ድሒሩ ኣብ ዝቕጽሉ ሒደት ኣዋርሕ ምስ ፕረዚደንት ዢ ክራኸብ ተስፋ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ኣብ ወርሒ ሕዳር ኣብ ባሊ ኣብ መንጎ ፕረዚደንት ባይደንን ዢ ጂንፒንግን ንሓፂር እዋን ዝተኻየደ ርክብ፡ ሓድሽ ዝሑል ኲናት ከይጅመር ንዝነበረ ስግኣት ኣቃሊልዎ እኳ እንተነበረ፡ ካብቲ ፍጻመ ባሎን ጀሚሩ ግን፡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም መራሕቲ ዝግበር ርክብ ሳሕቲ እዩ ነይሩ።