'ባሉን' ቻይና ካብ ኣሜሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ተመሓላልፍ ምንባራ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, US AIR FORCE/DEPRTMENT OF DEFENCE/REUTERS
እታ ኣብ ሰማያት ሕቡራት ኣሜሪካ ዝተራኣየትን ብኣሜሪካ ዝተሃረመትን ‘ባሉን’ ናይ ቻይና፡ ካብ ወተሃደራውያን መዓስከራት ኣሜሪካ ስለያዊ ሓበሬታ ክትእክብን ናብ ቻይና ክትልእኽን ክኢላ ምንባራ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ኣቓሊሐን።
መደበር ዜና ኤንቢሲ ንሰብ መዚ ኣሜሪካ ከም ምንጪ ብምጥቃስ ኣብ ዝጽሓፎ ዜና፡ እታ ባሉን ካብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ኣሜሪካ ሓበሬታ ብምእካብ ኣብ ገግዚኡ ስለያዊ ሓበሬታ ናብ ቤጂንግ ተመሓላልፍ ምንባራ ሓቢሩ።
እታ ባሉን ኣብ ክንዲ ስእሊ ወይ ቪድዩ፡ ኤሌትሮኒካዊ ‘ሲግናላት’ ተመሓላልፍ ምንባራ’ውን እቲ መደበር ዜና ምንጭታቱ ብምጥቃስ ኣቓሊሑ።
ዋይት ሃውስ፡ እታ ባሉን ስለያዊ ሓበሬታ ካብ ኣሜሪካ ናብ ቻይና ተሰጋግር ምንባራ ክሳብ ሕጂ ብወግዒ ኣይሓበረን ዘሎ።
እንተዀነ፡ እቶም ሰብ መዚ፡ እታ ባሉን ኣብ ሰማያት ኣሜሪካ ኣብ ዝነበረትሉ፡ ነቲ ከተማሓላልፎ ትኽእል ዝነበረት ስለያዊ ሓበሬታ ክድርትዎ ከም ዝኽኣሉ ገሊጾም ኣለዉ።
ትማሊ ሰኑይ ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ምክልኻል ኣሜሪካ ሳብሪና ሲንግ፡ ቤት ጽሕፈት ፈዴራል መርመራ ኣሜሪካ [ኤፍቢኣይ]፡ ንስብርባር እታ ባሉን ገና ይምርምሮ ከም ዘሎ’ያ ገሊጻ።
እታ ውሃቢት ቃል “ክሳብ ሕጂ እታ ባሉን ከምቲ ዝተሓሰበቶን ዝተተለመላን ሰሪሓ ድያ ኣይሰረሐትን ክንፈልጥ ኣይክኣልናን ኣለና” እኳ ኣንተበለት፡ እታ ባሉን ካበየናይ ወተሃደራዊ መዓስከራት ስለያዊ ሓበሬታ ወሲዳ ናብ ቻይና ከም ዘመሓላለፈት ኣይገለጸትን።
“ቻይና እንታይ ዓይነት ስለያዊ ሓበሬታ’ያ ብመንገዲ እታ ባሉን ትረክብ ነይራ ነጽንዖ ኣለና፡ እንተዀነ እዛ ባሉን ካብቲ ካብ ሳተላይት ክርከብ ዝኽእል እንታይ ተወሳኺ ሓበሬታ ከም ዝረኸበት ክንፈልጥ ኣይክኣልናን ዘለና” ኢላ።
እታ ባሉን ኣበይ ከባቢ’ያ ዘምብያ?
ሰብ መዚ ኣሜሪካ እታ ባሉን ኣብ ወርሒ ለካቲት ናብ ሰማይት ኣሜሪካ ደጊማ ቅድሚ ምእታዋ፡ ኣብ ኣላስካን ኣብ ካናዳን እንከላ ይከታተልዋ ምንባሮም’ዮም ገሊጾም።
እታ 60 ሜትሮ ዝኸውን ቁመት ዘለዋ ባሉን፡ 4 ለካቲት ኣብ ሰማያት ደቡብ ካሮሊና እንከላ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ኣሜሪካ ተሃሪማ ከም ዝወደቐት ዝዝከር’ዩ።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ ኣብቲ እዋን፡ ካብታ ብወተሃደራዊት ነፋሪት ዝተሃርመት ባሉን ናይ ቻይና ዝተረኸበ ስብርባር መርመራታት የካይዱ ከም ዘለዉን ኣብ ጥርጣረ ዘእተዎም ነገራት ከም ዝርኣዩ ሓቢሮም።
ሰብ መዚ ቻይና ብወገኖም፡ እታ ባሉን ንሲቪላዊ መዓላ ዝውዕል ኩነታት ኣየር እተጽንዕ ከምዝኾነት ብምግላጽ ኣሜሪካ ነታ ባሉን ብነፋሪት ምህራማ ዘይግቡእ ምንባሩ ገሊጾም።
ሰብ መዚ ኣሜሪካ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበዎ ሓበሬታ፡ ቻይና ነታ ባሉን ኣብ ልዕሊ ገለ ገለ ወተሃደራዊ መዓስከራት ብቅርጺ ሸሞንት ብተደጋጋሚ ከም እትኾልል ትገብራ ምንባራ ገሊጾም።
ኣብ ወርሒ ለካቲት ብሰንኪ እዛ ባሉን ኣብ ሞንጎ እዘን ክልተ ሃገራት ዝተፈጠረ ምስሕሓባት፡ ጸሓፊ ጉዳያት ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ናብ ቻይና ከካይዶ ወጢንዎ ዝነበረ ዑደት ንኸቋርጾ ኣገዲዱ’ዩ።
እታ ናይ መጀመርታ ባሉን ኣብ መጀመርታ ወርሒ ለካቲት ብወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ምስ ተሃረመት፡ ኣብ ዝቐጸላ ሰሙናት ኣሜሪካ ካልኦት ብዙሓት ባሉናትን’ውን ሃሪማ ከም ዘውደቐት ይዝከር።
ቻይና ኣብ መላእ ዓለም ብዙሓት ባሉናት ብምውፋር ስልያዊ ሓበሬታ ዝተፈላለያ ሃገራት ትጓርት ከም ዘላ’ያ ኣሜሪካ ትኸስስ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







