‘ኲናት ምስ ኣመሪካ ዘይጽወር ሓደጋ ምዀነ’ - ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሚኒስተር ምክልኻል ቻይና ሊ ሻንግፉ፡ ሓላፍነቱ ካብ ዝርከብ ንደሓር ንፈለማ እዋን ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ምስ ኣሜሪካ ዝካየድ ኲናት ንዓለም "ዘይጽወር ሓደጋ" እዩ ዝኸውን ኢሉ።
ኣብ ዋዕላ ጸጥታ ዝተረኸበ ጀነራል ሊ ሻንግፉ፡ "ገለ ሃገራት" ኣብ ኤስያ ውድድር ኣጽዋር የሐይላ ከም ዘለዋ ገሊጹ።
ንሱ ግን ዓለም ካብ ቻይናን ኣሜሪካን ንላዕሊ ምዃና ብምግላጽ፡ ክልቲአን ልዕለ ሓያላን ሃገራት ናይ ሓባር መርገጺ ክደልያ ከም ዘለውን ሓቢሩ።
ኣቐዲማ ኣሜሪካ፡ ቻይናዊት ኣዕናዊት መርከብ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ኣብ ጥቓ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ "ዘይውሑስ" ምልውዋጥ ከም ዘካየደት ገሊጻ ነይራ።
ብቐዳም ሓይሊ ባሕሪ ኣሜሪካ፡ መርከብ ውግእ ኣሜሪካ ምስ መራኽብ ካናዳ ንመጻብቦ ታይዋን ኣብ እትሓልፈሉ ዝነበረት እዋን፡ ሓንቲ ቻይናዊት ኣዕናዊት መርከብ ኣብ ጥቓ'ታ መርከብ "ብዘይውሑስ መንገዲ" ከም ዝተጓዕዘት ገሊጹ ነይሩ።
ቻይና፡ ክልቲአን ሃገራት "ኮነ ኢለን ሓደጋ ተዃቲዀን" ክትብላ ነቒፋ።
ኣሜሪካን ካናዳን ግን ኣህጉራዊ ሕጊ ኣብ ዝፈቕደሉ ቦታ ይጓዓዛ ከም ዝነበራ ይገልጻ።
ኣብ መጋቢት ሚኒስተር ምክልኻል ኰይኑ ዝተመዘዘ ጀነራል ሊ፡ ኣሜሪካ "ኣተሓሳስባ ዝሑል ኲናት" ተርኢ ከም ዘላ ብምኽሳስ፡ እዚ "ሓደጋታት ጸጥታ ኣዝዩ ዝውስኽ'ዩ" ኢሉ።
ወሲኹ ሃገሩ፡ ሓይሊ ባሕሪ ሓለዋ ኣሜሪካን መሻርኽታን "ልዕልና ጉዕዞ ባሕሪ ንምጥቃም መመኽነይታ" ክኸውን ከም ዘይትፈቅድ ገሊጹ።
ብዛዕባ እቲ ኣብ መጻብቦ ታይዋን ዘጋጠመ ፍጻመ ምስ ተሓተተ፡ ካብቲ ዞባ ወጻኢ ዝመጻ ሃገራት ወጥሪ የልዕላ ከም ዝነበራ ሓቢሩ።
ንሱ ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ ሲንጋፖር ኣብ ዝተኻየደ ዘተ ሻንግሪ-ላ ዝተበሃለ እንኮ ዓመታዊ ኣኼባ ጸጥታ ዞባ ኤስያ-ፓሲፊክ እዩ።
ኣሜሪካ ምስ ቻይና ቀጥታዊ ወተሃደራዊ ዝርርብ ንምክያድ ሕቶ ኣቕሪባ ነይራ።
እንተዀነ ቻይና፡ ኣብ 2018 ካብ ሩስያ ኣጽዋር ብምዕዳግ ብዝብል ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሊ ዘንበረቶ እገዳ ብምቅዋም ነቲ ዝቐረበላ ሕቶ ነጺጋቶ’ያ።
ኣብ ዋዕላ ሲንጋፖር፡ ሚኒስተር ምክልኻል ኣሜሪካ ሎይድ ኦስቲን፡ ቻይና ወተሃደራዊ ዘተ ምክያድ ኣብያ ብምባል ኰኒኑ።
ጀነራል ኦስቲንን ጀነራል ሊን ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ መኽፈቲ መደብ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዞም ንሓጺር እዋን ተዛሪቦም፡ እንተዀነ ግን ግብራዊ ምልውዋጥ ከም ዘይተራእየ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ሓደ ካብ ልኡኻት ቻይና ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዘተ ንኽካየድ ኣሜሪካ ኣብ ልዕሊ ጀነራል ሊ ዘንበረቶ እገዳ ምእላይ ቅድመ ኵነት ምዃኑ ሓቢሩ።
ኣብ ዋዕላ ሲንጋፖር፡ ዋዕላ ሓለፍቲ ስለያ ከም ዝተኻየደን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስለያ ከም ዝተሳተፉ ሮይተርስ ሓቢሩ።
ዋላ’ኳ ዲፕሎማስያዊ ምትፍናን እንተሃለወ፡ ሓደ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ዘተ ንምክያድ ንሓደ ሰሙን ሰፊሕ ናብ ቤጂንግ ኣትዩ ኣሎ።
ርክብ ዋሽንግተንን ቤጂንግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ውጥረት ኣርእዩ’ዩ።
ቻይና ኣብ ልዕሊ ታይዋን ዘለዋ ክሲ፡ ኣብ ባሕሪ ደቡባዊ ቻይና ብዘጋጠመ ግዝኣታዊ ዘይምርድዳእን ካልኦት ሓያሎ ጉዳያት ከም ምኽንያት ይጥቀሱ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







