'ክቡር ጸሓፊ፡ ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ምርግጋእ ዝያዳ ክትሰርሕ ተስፋ እገብር'

ብሊንከንን ሺ ጂንፒንን

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስታዊ መራኸቢ ብዙሃን ቻይና፡ ጸሓፊ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ሺ ጂንፒን ከምዘተራኸበ ሓቢረን።

ፕረዚደንት ቻይና፡ ብሊንከን ርክብ ቻይናን ኣሜሪካን ንምርግጋእ "ዝያዳ ኣወንታዊ ኣበርክቶ" ክገብር ተስፋ ከምዘለዎ'ውን ገሊጹ።

ነቲ ውጥረት ዝመልኦ ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ከረጋግእ ተስፋ ዝተገብረሉ መገሻ ብሊንከን፡ ይቕጽል ኣሎ።

ሲሲቲቪ፡ እቲ ርክብ ኣብ በይጂን ኣብ ወሰን ኣደባባይ ቲያናንመን ኣብ ዝርከብ ፍሉይ ህንጻ 'ግሬት ሆል' ይካየድ ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብሊንከን ድሕሪ 2018 ምስ ፕረዚደንት ሺ ዝተራኸበ ፈላማይ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ኣመሪካ እዩ።

እቲ ልኡኽ ኣመሪካ፡ ምስ ቻይናዊ መዘናኡ ዋንግ ዪን ቺን ጋንግን ንሰዓታት ዝተራኸበ ኰይኑ፡ እንተዀነ ምስ ፕረዚደንት ቻይና ክራኸብ ምዃኑ መረጋገጺ ኣይረኸበን ጸኒሑ።

ኣንቶኒ ብሊንከን ምስ ፕረዚደንት ዢ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

እዚ ቀጥታዊ ርክብ፡ ክልቲአን በይጂንን ዋሽንግተንን ዝሑል ዲፕሎማስያዊ ርክብ ኣብ ዘለወን እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ።

"ካብ ሃገር ናብ ሃገር ዝግበር ርክብ ኵሉ ግዜ ኣብ ሓድሕዳዊ ምክብባርን ቅንዕናን ዝተመስረተ ክኸውን ኣለዎ" ኢሉ ሺ።

"ክቡር ጸሓፊ፡ ካብዚ መገሻ ጀሚርካ፡ ርክብ ቻይናን ኣመሪካን ኣብ ምርግጋእ ዝያዳ እወታዊ ኣበርክቶ ክትገብር ተስፋ እገብር።"

ፕረዚደንት ሺ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ገለ 'ፍሉያት ጉዳያት' ምዕባለ ከምዘርአዩን፡ ኣብ ስምምዕ ምብጽሖምን ዝገለጸ ዀይኑ፡ ነቲ ርክብ ኣመልኪቱ 'ኣዝዩ ጽቡቕ'ዩ' ኢሉ።

ይዅን እምበር፡ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ምንታይ ጕዳያት ኣመልኪቱ ከምኡ ከምዝበለ ንጹር ኣይኮነን።

ኣብ እዋን ዑደት ብሊንከን፡ ዛጊት ዝተበጽሐ ስምምዕ፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ቻይና ቺን ጋንግ ናብ ኣመሪካ ክበጽሕን፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝያዳ በረራታትን ባህላዊ ምትእስሳራትን ክህሉ ዝብል መደብ ጥራይ እዩ።