ኤርትራን ኢትዮጵያን ብኣሜሪካ ንዝቐረበ ክሲ ገበን ኲናት ነጺገን

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኤርትራን ኢትዮጵያን ክፍሊ ጉዳይ ወጻኢ ኣሜሪካ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ኣብ ዝተኻየደ ኲናት ሓድሕድ “ኵሎም ወገናት ገበን ኲናት ፈጺሞም እዮም” ክብል ዝሃቦ ውሳነ ተቓዊመን።

ኣሜሪካ፡ ኣብቲ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ትግራይ ዝተሳተፉ ኵሎም ወገናት፡ ‘ገበናት ኲናት ፈጺሞም እዮም’ ክትብል ኣብ ውሳነ ከም ዝበጽሐት ብወግዒ ኣፍሊጣ እያ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ንጸብጻብ ሰብኣዊ መሰላት 2022 ቤት ጽሕፈቱ ኣመልኪቱ ትማሊ ምሸት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ገበን ኲናት ኢትዮጵያ ተዛሪቡ።

ብሊንከን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ኢትዮጵያ ብምብጻሕ ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ፈደራልን ሰበስልጣን ትግራይን ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።

ንሱ ኣብ መግለጺኡ፡ ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ንዅሉ ሓቅታትን ሕጊታት ብዕቱብ ድሕሪ ምምርማር እዩ ናብዚ፡ “ኵሎም ተሳተፍቲ ሓይልታት‘ቲ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ገበን ኲናት ፈጺሞም እዮም ናብ ዝብል ውሳነ በጺሑ፡” ኢሉ።

በዚ መሰረት ብሊንከን፡ ሓይልታት ምክልኻል መንግስቲ ፈደራል፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ፡ ሓይልታት ትግራይን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ኣብቲ ግጭት ክልተ ዓመት ገበናት ኲናት ፈጺሞም እዮም ክብል ከሲሱ።

ኤርትራን ኢትዮጵያ ነቲ ክሲ ክነጽጋኦ እንከለዋ ብወገን ህወሓትን ሓይልታት ኣምሓራን ግን ብዛዕባ'ቲ ውሳነ ኣሜሪካ ዛጊት ዝተዋህበ ግብረመልሲ የለን።

ኤርትራ ነቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ንሓይልታታ ዝጥቅን ክሲታት ገበናት ኲናት ተቓዋሚቶ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ሚኒስተሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ሎሚ ኣማስያኡ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ብኣሜሪካ ዝቐረበ ክሲ መሰረትን መርትዖን ዘይብሉ ሓዲሽ ዘይኰነ ጸለመ ኣሜሪካ’ዩ ብምባል ነጺግዎ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ብወገኑ ብጽሑፍ ኣብ ዝሃቦ መልሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ “ኣብቲ ዝወጽአ መግለጺ ዝተኻተቱ ጥቕሉል ክስታት ኣይቕበልን” ብምባል ንሓደ ወገን ናጻ ዘውጽእ፡ ግዜኡ ዘይሓለወን መጓሃሃርን ክብል ነቒፉ።

ብተወሳኺ፡ ኣብቲ ጐንጺ ዝተሳተፉ ተራጸምቲ ወገናት ኢፍትሓዊ ብዝዀነ መገዲ ዝነቅፍ ብምዃኑ ዝተመረጸ’ዩ ኢሉ።

እቲ ብሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዝተዋህበ ምላሽ'ውን፡ “እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሕሱር ናይ ምስይጣን ወፍሪ” ንኤርትራን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይቅኑዕ ክስታት ብምጽላም ንምፍራሕን፡ ንህወሓት ኣደልዲልካ ዝያዳ ህውከት ንምፍጣር ጅሆ ንምሓዝ ዝተዳለወ’ዩ” ዝብል መልሲ ዝህብ እዩ።

ጸሓፊ ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከን ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ሓይልታት ኣምሓራን፡ ቅትለት፡ ጾታዊ ዓመጽን ካልኦት መልክዓት ጾታዊ ግህሰታትን ምፍንቓልን ዝኣመሰሉ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ፈጺሞም እዮም ክብል ወቒሱ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ኣባላት ሓይልታት ኣምሓራ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ብዝገበርዎ ኣተሓሕዛ፡ ገበን ኣንጻር ሰብኣውነት፡ ምስጓግ ወይ ብሓይሊ ምፍንቓል ምጽናት ዓሌትን ፈጺሞም እዮም ክብል ብሊንከን ገሊጹ።

ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተኻየደ ግጭት ኣዕናዊ እዩ ነይሩ ዝበለ ብሊንከን፡ ደቂ ተባዕትዮ፡ ደቀንስትዮን ህጻናትን ተቐቲሎም፤ ኣንስትን ኣዋልድን ብዘስካሕክሕ ኵነታት ንጾታዊ ዓመጽ ተቓሊዐን፡ ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ካብ መንበሪኦም ብሓይሊ ተፈናቒሎም፤ ምሉእ ማሕበረሰብ ብብሄሩ ብፍሉይ ዒላማ ተገይሩ" ድሕሪ ምባል፡ “መብዛሕትኦም እዞም ገበናት፡ ብሰንኪ’ቲ ኲናት ሃንደበት ዝተኸስቱ ዘይኰነስ፡ ደይመደይ ኢልካ ብውጥን ዝተገብሩ እዮም፡” እውን ኢሉ።

ኣተሓሒዙ ብሊንከን መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ከምኡ’ውን ህወሓት፡ ነቶም ግፍዒ ዝፈጸሙ ተሓተቲ ክገብሩ ጸዊዑ።

እቲ ጸሓፊ “ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ነቲ ኣብቲ ግጭት ብዅሎም ወገናት ዝተፈጸመ ግፍዕታት ብዝምልከት ተሓታትነት ክረጋገጽ ኣገዳሲ ምዃኑ ተላዚብና" ክብል፡ ገሊጹ ነይሩ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኢትዮጵያ ግን: መንግስቲ ነቲ ኣሜሪካ ዘቕረበቶ ነቐፌታ ከም ዘይቕበሎ ብምግላጽ ከምዚ ዓይነት ናይ ሓደ ወገንን ተፃባእን ኣካይዳ ኣይቕበልን ኢሉ።

እቲ መግለጺ ነቲ ሓደ ወገን ካብ ገሊአም ክስታት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ናጻ ዝገበረ’ዩ ክብል’ውን ነቒፉ ኣሎ።

ይኹን’ምበር መንግስቲ ኩሎም ግዳያት ፍትሒ ንክረኽቡ ተሓታትነት ዘረጋግጹ ኩሎም ስጉምታት ክወስድ ምዃኑ ገሊጹ።

ኤርትራ'ውን፡ እዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ሕሱር ናይ"ናይ ምስይጣን" ወፍሪ፡ ንኤርትራን ንፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ብዘይቅኑዕ ክስታት ብምጽላምን ንምፍራሕን፡ ንህወሓት ኣደልዲልካ፡ ዝያዳ ህውከት ንምፍጣር ጅሆ ምሓዝ ዝተዳለወ እዩ ክብል እቲ መግለጺ ነቒፋ።

ቅድሚ ሕጂ ምስቲ ግጭት ብዝተሓሓዝ፡ ካብ ፍርዲ ወጻኢ ዝፍጸም ቅትለታት፡ ዓመጽ፡ ዝምታ፡ ብሓይሊ ምፍንቓልን ዝኣመሰሉ ብዅሎም ወገናት ዝተፈጸሙ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብኣካላት ሕቡራት ሃገራት፡ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ዝተመዘዘ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት፡ ትካላት ረዲኤትን ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን ተሰኒዱ’ኳ እንተዀነ፡ ኵሎም ወገናት ግን ነቲ ክሲ ክነጽግዎ እዮም ጸኒሖም።

ኣሜሪካ፡ ኣብ እዋን ኲናት ትግራይ ብሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቶም ዝዀኑ ሓይልታት ኤርትራን ክልል ኣምሓራን ተፈጺሞም ዝበሃሉ ግፍዕታት ብግልጺ ክትነቅፍ ጸኒሓ እያ።

ኣብ ሕዳር 2020 ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተወልዐ ኲናት ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ እዩ።

እዚ ንኽልተ ዓመታት ዝቐጸለ ኲናት ንምዕራፍ ዘኽእል ፍሉይ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ተፈሪሙ፤ ነቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ዘጥፍአ ተባሂሉ ዝእመን ግጭት ደው ኣብ ምባል ወሳኒ ምዕራፍ ፈጢሩ።

ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ዘካየደ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ድሕሪ ምርኻቦ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ትግባረ ናይቲ ኣብ ፕሪቶርያን ናይሮቢን ዝተፈረመ ቀዋሚ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት "ዓቢ ገስጋስ" ኣርእዩ ምህላዉ ንኢዱ ምንባሩ ይፍለጥ።

ሰብኣዊ ደገፍ ብዘይገደብ ክኣቱ ምኽኣሉን መሰረታውያን ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላሶምን መርኣያ ናይቲ ገስጋስ'ዩ ዝበለ ብሊንከን፡ ሃገሩ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂ ንምቅላል ደገፋ ከምእትቕጽል ኣረጋጊጹ።

እንተዀነ፡ ምምላስ ኢትዮጵያ ናብቲ ካብ ቀረጽን ታሪፍን ነጻ ዝዀነ ዕድል ንግዲ ኣጐዋ ገና ምዃኑ ኣሚቱ።

እቲ ብኣሕጽሮተ-ቃል ብ ‘ኣጐዋ’ [AGOA] ዝፍለጥ ድንጋገ፡ ዝተወሰና ሃገራት ትሕቲ ሰሃራ ኣፍሪቃ ፍርያተን ብዘይ ቀረጽ ናብቲ ሰፊሕ ዕዳጋ ኣሜሪካ ከእትዋን ክሸጣን ዘኽእል ዕድል እዩ።

ኢትዮጵያ፡ ምስ ኲናት ትግራይ ተተሓሒዙ፡ ንረቛሒታት እቲ ዕድል ጥሒሳ ብዝብል ኣብ 2021 ካብቲ ፕሮግራም ከምዝተሰረዘት ይዝከር።

ሎሚ ሰሉስ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ ገበናት ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምጽራይ ስልጣን ዝተዋህቦ ናጻ ጕጅለ ኮሚሽን ክኢላታት ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ዘቕረቦ ጸብጻብ ክሰምዕ ትጽቢት ይግበር።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጺሞም ዝበሃሉ ጥሕሰታት ሰብኣዊ መሰላት ንምምርማር ሰለስተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚሽን ኣቝሙ እዩ።

ኣብ እዋን እቲ ጐንጺ ቅትለት ሰላማውያን ሰባት፡ ጾታዊ ዓመጽ ከም መሳርሒ ኲናት ምጥቃምን ካልኦት ከበድቲ ግህሰታት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተፈጸሙ ኰይኖም፡ ሕቡራት ሃገራት እቶም ጥሕሰታት ምስ ገበናት ኲናት ዝዳረጉ ክዀኑ ይኽእሉ እዮም ክብል ምጽንሑ ይፍለጥ።