ኢንግሊዛውያን ተዓሪፋኹም ክትቆጽሩ ንሕና ግና ግዳያት ኢና እንቖጽር- ኦሌና ዘለንስካ

ብሰንኪ እቲ ኣብ ዩክረይን ዝተወልዐ ኵናት ዝተፈጠረ ቁጠባዊ ሃስያ፡ ኣብ መሻርኽቲ ሃገራት’ውን እንተኾነ ሳዕቤኑ ከቢድ ከምዝኾነ ዝገለጸት ቀዳማዊት እመቤት እታ ሃገር ኦሌና ዘለንስካ፡ “እንተኾነ ግና ኢንግሊዝያውያን ተዓሪፋኹም ክትቆጽሩ እንከለኹም ዩክሬናውያን ግና ግዳያት ኵናት ኢና እንቖጽር ዘለና” ኢላ።
እታ ቀዳማዊት እመቤት ሎሚ ሰንበት ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት፡ ንዩክረይን ዝግበር ሓገዝ ጥንኩር እንተዝኸውን ነይሩ እቲ ቅልውላው ኣብ ዝሓጸረ ግዘ መብቀዐ ነይሩ ኢላ።
ብሰንኪ እቲ ዅናት ዘጋጠመ ሰብኣዊ ክሳራ ምርኣይ ኣገዳሲ ከምዝነበረ ዝጠቐሰት ኦሌና ዘለንስካ ንበዓል ቤታ ሓለሓሊፉ ጥራይ ከምእተረኽቦ ብምግላጽ፡ ብቴሌፎን ግና ኩሉሻብ ከምዝራኸቡ ሓቢራ።
ካብ 2003 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳውያን ጀሚራ ንፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝተመርዓወት እታ ቀዳማዊት እመቤት፡ ነቲ ብሰንኪ ወራር ሩስያ ኣብ ዩክረይን ብናይ ሓይሊ ኤሌትሪክ ክፍሊት ዝሳቐ ዘሎ ህዝቢ ዓባይ ብሪጣንያ እንታይ መልእኽቲ ከምዘለዋ ሕቶ ቀሪቡላ ነይሩ።
“እቲ ዘሎ ጽንኩር ኩነታት እርድኣኒ’ዩ። እንተኾነ ግና ኣብ ግዘ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ሕጂ’ውን ምሳና ዘሎ ዋጋ ሸቐጣት ሰማይ እንትስቀሉ ዩክረይን’ውን ግዳይ እያ ነይራ” ድሕሪ ምባል፡ እንተኾነ ኣብ ዩክረይን ናህሪ ዋጋ ጥራይ እንተይኮነስ ሰባት’ውን እዮም ዝሞቱ ዘለዉ ኢላ።
ንሳ ኣስዒባ “ንስኻትኩም ብዛዕባ ኣብ ባንኪ ወይ’ውን ጁባኹም ዘሎ ተዓሪፋ ክትቆጽሩ እንከለኹም ንሕና ድማ ኣብ ርእሲ ንሱ ግዳያት ሞት’ውን ኢና እንቖጽር ዘለና” ኢላ።
ቀዳማዊት እመቤት ኦሌና ዘለንስካ ነቲ ርእይቶ ዝሃበት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ርእሰ ከተማ ዩክረይን ኪየቭ ዑደት ኣብ ዘካየደሉ እዋን ህዝቢ ኣውሮፓ ምስ እቲ ተኸሲቱ ዘሎ ክቡር ናብራ ህይወት ንገዘእ ርእሱ ኣወሃሂዱ ኣብ ጎኒ ዩክረይን ጠጠው ክብል ምጽውዑ ስዒቡ’ዩ።
መጠን ዝቕባበ ዋጋ ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ 42 ዓመታት ንፈለማ ግዜ 13.3 ሚኢታዊት ክምዝገብ ዝተኣመተ ኮይኑ፡ ቁጠባ እታ ሃገር ንተወሳኺ ሓደ ዓመት ክሽምረር’ዩ ዝብል ትጽቢት ኣሎ።
ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ድማ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ወራር ምፍጻማ ስዒቡ ኣብ ዋጋታት ሓይሊ ኤሌትሪክ ወሰኽ ስለዝተርኣየ ከምዝኾነ ባንኪ ዓዲ እንግሊዝ ኣፍሊጡ።
ሃገራት ኣውሮፓ ነታ ዝለዓለ መጠን ሓይሊ እተቐርብ ሩስያ፡ መጠን ቀረብ ጋዝ ኣውሒዳ ብምቕራብ ከም ሓደ መሳርሒ ገይራ ምጥቃማ ይነቕፍኣ።
እታ ቀዳማዊት እመቤት ካብ ዩክረይን ወጻኢ ዘሎ ህዝቢ ብዛዕባ እቲ ኣብ ዩክረይን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምርዳእ ኣጸጋሚ ከምዝነበረ ብምጥቃስ፡ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ዘስዓቦ ሰብኣዊ ዛንታታት ምብጻሕ ከምዝነበረ ኣገዳሲ ምንባሩ ተዛሪባ።
ብዙሓት ስድራቤታት ዩክረይን ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ዶብ ፖላንድ ክሰግር እንከሎ ብንብዓት ተሓጺቡ ዝርአ ዩክሬናዊ ቆልዓ ተመሳሳሊ ዛንታ ሓሊፎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ዝሓበረት ኦሌና ዘለንስካ፡ “ኣብ ናይቶም ነዚ ቪድዮ ዝርእዩ ዘለዉ ወለዲ ቦታ ኮይነ እየ ዝሓስብ። ኩሉ ኣብ ዓለም ዘሎ ፍጡር’ውን ተመሳሳሊ ክስምዖ ኣለዎ” ኢላ።
“ነዚ ኢና ድማ እዞም ዛንታታት ክንነግር ዘለና፣ ምኽንያቱ እዚኣቶም ናይ ኵናት ገጽታ ዘርእዩ ስለዝኾኑ። ቁጽሪ ዝተደርበዩ ቦምባታትን መጠን ፈሰስ ዝተገበረ ገንዘብን ኣይኮነን፡ ሰብኣዊ ዛንታታት። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣሽሓት ዛንታታት ከኣ ኣለዉ” ክትብል ንቢበሲ ተዛሪባ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







