ዩክረይን ዝበጽሑ ጉተረዝን ኤርዶዋንን ሓደጋ ኑክሌር ከምዘሻቐሎም ገሊጾም

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ኣብ ጥቓ ማእከል ኑክሌር ዛፖሮዚዛ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ከምዘሻቐሎ ገሊጹ።
ጉተረዝ ኣብ ዩክሬናዊት ከተማ ለቪቭ ምስ ፕረዚደንት ቱርኪ ጠይብ ኤርዶጋንን ፕረዚደንት ዘለንስኪን ኣብ ዝተዘራረበሉ እዩ ነቲ ስክፍታ ገሊጹ።
“ኣብ ልዕሊ ዛፖሪዚዝያ ዘጋጥም ዝዀነ ጉድኣት ርእሰ ቕትለት እዩ።”
ንሓሳብ ጉተረዝ ዝደገፈ ፕረዚደንት ኤርዶዋን እውን “ካልእ ቸርኖብል” ከየጋጥም ስግኣት ከምዘለዎ ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት ኣብቲ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ማእከል ኑክሌር መጥቃዕቲታት ዝተፈጸመ ኰይኑ፡ ፈጻሚ እቲ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ሩስያን ዩክረይንን ሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ።
ሰለስቲኦም መራሕቲ ብሓሙስ ቅድሚ ምርኻቦም ፕረዚደንት ዘለንስኪ፡ ሩስያ ኮነ ኢላ ኣብቲ ማእከል መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመት ገሊጹ ነይሩ።
ሩስያ ነቲ ማእከል ኑክሌር ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ቀይራቶ ብዝብል ዝተኸሰሰት ኰይና፡ ሰለስቲኦም መራሕቲ ሩስያ ነቲ ዞባ ብቕልጡፍ ካብ ወተሃደራዊ ምንቅስቓስ ነጻ ክትገብሮ ተማሕጺኖም።
ብኻልእ ዜና ኣብታ ኣብ ትሕቲ ሩስያ እትርከብ ሓውሲ ደሴት ክረምያ፡ ኣብ ጥቓ በልቤክ ወተሃደራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ብዙሓት ከበድቲ ነትጒታት ከምዘጋጠሙ ጸብጻባት ሓቢሮም።
ኣብቲ ከባቢ ዝተወሰዱ ተንቀሳቐስቲ ምስሊታት፡ ከበድቲ ነትጒታት ዘርእዩ ኰይኖም፣ ኣመሓዳሪ 'ቲ ብሩስያ ዝቘመ መንግስቲ እታ ግዝኣት ግን ዝዀነ ጉድኣት ከምዘይወረደ ተዛሪቡ።
ኣብ ማእከል ኑክሌር ዛፖሪዚዛ ዝሰርሑ ዘለዉ ዩክረይናውያን፡ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ሰሙናት እቲ ማእከል ዒላማ መጥቃዕቲ ከምዝዀነ ድሕሪ ምግላጾም እዩ ሻቕሎት ተፈጢሩ ዘሎ።
ብሓሙስ ኮርፖሬሽን ኑክሌር ሩስያ ኣብ ዘመሓድሮ ገጽ ትዊተር ዝወጸ ሓበሬታ፡ ሩስያውያን ሰራሕተኛታት ኑክሊየር ነቲ ማእከል ብህጹጽ ገዲፎምዎ ከምዝወጹን ኵሎም ሰራሕተኛታት ከዕርፉ ከምዝተገበረን ይገልጽ።
ዩክረይን ብወገና ሓይልታት ሩስያ ነቲ ማእከል ንምጥቃዕ ይዳለዉ ከምዘለዉ ትኸስስ።
ንዘለንስኪን ፑቲንን ከራኽቦም ሓሳብ ከምዘለዎ ተሓቢሩ ዝነበረ ፕረዚደንት ኤርዶዋን፡ እቲ ጐንጺ ብዘተ ክውዳእ እዩ ዝብል እምነት ከምዘለዎ ጠቒሱ።
ዘለንስኪ ግን ነቲ ሓሳብ ከምዘይቅበሎን ሩስያ ሓይልታታ ካብ ዩክረይን ክትስሕብ ከምዘለዋን ንጋዜጠኛታት ገሊጹ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







