ሩስያ ናብ ኣውሮጳ ዝኸይድ ቀንዲ መስመር ጋዝ ዓጽያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ምትዕርራይ ትገብር ከምዘላ ብምሕባር፡ ነቲ ናብ ኣውሮፓ ዝኸይድ ቀንዲ መስመር ጋዝ ከምዝዓጸወቶ ኣፍሊጣ።
ብመንግስቲ ሩስያ ዝውነን ግዙፍ ኣፍራይ ጸዓት ዝኾነ ጋዝፕሮም፡ እቲ ኖርድ ስትሪም-1 ተባሂሉ ዝጽዋዕ መተሓላለፊ ጋዝ ንሰለስተ መዓልታት ምሉእ ንምሉእ ተዓጽዩ ክጸንሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ።
ሩስያ ኣቐዲም ኣቢላ’ውን በቲ መስመር ዝሓልፍ መጠን ጋዝ ኣጉዲላቶ ምጽንሓ ዝዝከር እዩ።
ሩስያ፡ ነቲ ብሰንኪ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምእዋጃ ብምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊኣ ዝተነበረ እገዳ ሕነ ንምፍዳይ ነዚ መስመር ትዓጽዎ’ላ ዝብል ክሲ ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።
እቲ ብትሕቲ ባሕሪ ባልቲክ ኣቢሉ ካብ ሰይትን ፒተርስበርግ [ሩስያ] ናብ ሰሜናዊ ምብራቕ ጀርመን ዝዝርጋሕ መስመር ጋዝ ኖርድ ስትሪም-1፡ 1,200 ኪሎሜተር ንውሓት ዘለዎ’ዩ።
እዚ ኣብ 2011 ስርሑ ዝጀመረ መስመር፡ ካብ ሩስያ መዓልታዊ 170 ሚልዮን ሜትር ክዩብ ጋዝ’ዩ ዘመሓላልፍ ነይሩ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ'ውን፡ ሩስያ ንጽገና ብምባል፡ ነቲ መስመር ን10 መዓልታት ዓጽያቶ ነይራ’ያ።
ብድሕሪ’ዚ፡ ሩስያ መሰረታዊ ጸገማቱ ኣይተዓረየን ብምባል፡ ካብቲ ቅድም ትሰዶ ዝነበረት ጋዝ፡ 20% ጥራይ’ያ ናብ ጀርመን ክትሰድድ ጸኒሓ።
ብሰንኪ’ዚ ኣብ ኣውሮጳ ዋጋ ጋዝ ብ400% ወሰኽ ከርኢ ክኢሉ’ዩ።
መራሕቲ ኣውሮጳ፡ ሩስያ ሕጂ ብዝወሰደቶ ምዕጻው እዚ መስመር፡ ዋጋ ጋዝ ካብዚ ዘለዎ ዝያዳ ዋጋ ከይውስኽ ስግኣቶም ክገልጹ ጀሚሮም ኣለዉ።
መራሕቲ ሃገራት ኣውሮጳ፡ ነቲ ዝበዝሐ ካብ ሩስያ ዝረኽብዎ ዝነበሩ ጋዝ ብካልእ ኣማራጺ ንምትካእ፡ ቢልዮናት ዶላራት ከውጽኡ ተገዲዶም ምህላዎም ይፍለጥ።
ሚኒስተር ጸዓት ፈረንሳ ኣግነስ ፓንየር “ጋዝ ከም መሳርሒ ኵናት” ትጥቀመሉ ኣላ ብምባል ንሩስያ ከሲሳ ኣላ።
እታ ሚኒስተር፡ ጋዝፕሮም ናብቲ ብፈረንሳ ዝውነን ኩባንያ ጽዓት ኢንጂ ዘቕርቦ ዝነበረ ጋዝ ደው ከምዘብሎ ድሕሪ ምሕባሩ’ያ ነዚ መግለጺ ሂባ።
እንተኾነ ውሃቢ ቃል ፕረዚደንት ሩስያ ቭላዳሚር ፑቲን: ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዘንበረኦ እገዳ፡ ኣብ ትሕተ ቅርጺ ሃገሩ ጸገማት ከምዘምጸአ ብምሕባር እቲ ቀንዲ ምኽንያት ምቁራጽ ጋዝ እቲ እገዳ ከምዝኾነ ገሊጹ።
እቲ ወሃቢ ቃል እቲ እገዳ “ተክኖሊጂካዊ ጸገማት” ከምዘስዓበሎም ብምግላጽ፡ ዝርዝር ናይቲ ጸገም ከይገለጸ፡ ኖርድ ስትሪም-1 ደው ክብል ዘገደደ ቀንዲ ምኽንያት እቲ እገዳ ዘስዓቦ ጸገማት ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ፡ ሚኒስተር ቁጠባ ጀርመን ሮበርት ሃባክ፡ እቲ መስመር ዝኾነ ተክኒካዊ ጸገም ከምዘይብሉ ብምሕባር ነቲ ሩስያ ተቕርቦ ዘላ ምኽንያት ሓቅነት ዘይብሉ’ዩ ኢሉ ምንባሩ ይዝከር።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን’ውን ፕረዚደንት ኮምሽን ኣውሮጳዊ ሕብረት ኡስላ ቮን ደር ለየን እቲ ሕብረት ኣብ ስሎቨንያ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ሕብረት ኣውሮጳ ነቲ ጸገማት ናይ ጸዓት ንምፍታሕ ኢዱ ከእቱ ምዃኑ ቃል ኣትያ ነይራ።
እታ ፕረዚደንት “ሓድሽ ሞዴል ዕዳጋ ናይ ኤለትሪክ ብምንዳይ ናብቲ ዝነበርናዮ ምዕሩይ ቀረብ ክንምለስ ከድልየና’ዩ” ክትብል'ያ ትገልጽ።
ቢቢሲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሩስያ ኣብ ጥቃ ፊንላንድ ካብ ዝርከብ መደበር ጸዓታ፡ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ዝግመት ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ዝነበሮ ጋዝ ተቃጽል ከምዘላ ኣቃሊዑ ነይሩ’ዩ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)



