ዩክረይን ኣብ ትሕቲ ሩስያ ኣብ ዝጸንሐ ከባቢታት ትደፍእ ምህላዋ ገሊጻ

ወተሃደር ኣሃዱ ከቢድ ብረት ዩክይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሰራዊት ዩክረይን ኣብቲ ሩስያ ተቆጻጺራቶ ዘላ ዞባ ኼርሰን ንቀዳማይ ድፋዕ ብምስባር ቦታታት ይሕዝ ከምዘሎ ገሊጹ።

ዩክረይን፡ ብሩስያ ተታሒዙ ዘሎ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ንምቁጽጻር፡ መልሰ መጥቃዕቲ ንምክያድ ንነዊሕ ምድላዋት ክትገብር ድሕሪ ምጽናሕ ብዝወሰደቶ ስጉምቲ ነቲ ቦታታት ከተማልስ ምኽኣላ ገሊጻ።

ነቲ ቦታ ንምቁጽጻር ዝተወሰደ ወተሃደራዊ መጥቃዕቲ፡ መስመር ሎጂስቲክ ወተሃደራት ሩስያ ንምብታክ ዝዓለመ ኮይኑ፡ ሳምንታት ድሕሪ ዝወሰደ ውግእ ዩክረይ ክትቆጻጸሮ ከምዝኽኣለት እቲ ዝወጽአ ጸብጻብ ገሊጹ።

ሩስያ ብወገና፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዝገበርዎ ዘይዕዉት ናይ ምጥቃዕ ፈተነ “ሰፍ ዘይብል ክሳራ ኣጋጢምዎም” ኢላ።

እንተኾነ ሩስያን ዩክረይን ዝብልኦ ዘለዋ፡ ብነጻ ሳልሳይ ኣካል ኣይተረጋገጸን ኣሎ።

ኼርሰን፡ ስም ናይቲ ኣብ ደቡባዊ ክፋል ዩክረይን ዝርከብ ዞባን ርእሰ ከተማን ኮይና፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ኣብ ዝጀመረትሉ ካብ ክረምያ ዝተበገሰ ሰራዊት ሩስያ ቀዲሙ ካብ ዝሓዘን ቦታታት እያ።

ሰኑይ ንግሆ ካኾቭካ ዝተሰመየ ኣብ ደቡብ ዩክረይን ዝነጥፍ ኣሃዱ ስርሒታት ዩክረይን፡ ኣብ ዞባ ኼርሰን ዝነበረ ብሩስያ ዝድገፍ ኣሃዱን ናይ ሩሰያ ኮማንዶታትን ካብቲ ቦታ ተደፊኦም ከምዝወጽኡ ገሊጹ።

ኣማኻሪ ቤት ጽሕፈት ፕረዚደንት ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝኾነ ኦሎክሲ ኣረስትቭች ብወገኑ ሰራዊት ዩክረይን ኣብ ዝተፈለላየ ቦታታት ንድፍዓት ሩስያ ይሰብሮ ምህላዉ ገሊጹ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ናይ ዓይኒ መሰኻክር ኣብ ከተማታት ኼርሰንን ኖቫ ካኾቭካን ብርቱዕ ድምጽታት ከቢድ ብረት ከምዝሰምዑ ገሊጾም።

ሰራዊት ዩክረይን ንኽልቲኤን ከተማታት ዘራኽብ ኣብ ፈለግ ድኒፕሮ ዝርከብ መራኸቢ መስመር ንምቁጽጻር ብተደጋጋሚ መጥቃዕትታ ክፍጽም ከምዝጸንሐ እቶም ናይ ዓይኒ መሰኻክር ሓቢሮም።

ብመንግስቲ ሩስያ እትውነን መደበር ዜና ርያ ኖቮስቲ ብወገና፡ ከተማ ኖቫ ካኾቭካ ትማሊ ለይቲ ብዘይ ቀረብ ማይን ኤለትሪክን ከምዝሓደረት ኣቃሊሓ።

ፕረዚደንት ዘለንስኪ ትማሊ ኣማስያኡ ናብ ሰራዊት ሩስያ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ “ብህይወት ክነብሩ ዝደልዩ እንተኾይኖም ነዛ ሃገር ገዲፎም ናብ ዓዶም ዝኸድሉ ግዜ ሕጂ’ዩ” ኢሉ።

ፕረዚደንት ዘለንስክን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ እታ ሃገርን፡ ብዛዕባ እዚ ዩክረይን ትወስዶ ኣላ ዝተብሃለ መልሰ መጥቃዕቲ ካብ ምዝራብ ተቖጢቦም’ዮም ዘለዉ።

ሚኒሰትሪ ምክልኻል ሩስያ ብወገኑ፡ ወተሃደራት ዩክረይን ኣብ ዞባታት ኼርሰንን መዳውብታ ዝኾነት ሚኾላይቭን ፍሹል ፈተነ መልሰ መጥቃዕቲ ከምዘካየዱ ገሊጹ።

ብመንግስቲ ዝውነና ማዕከናት ዜና፡ ነቲ ሚኒሰትሪ ብምጥቃስ፡ እቲ ብዩክረይን ዝተፈተነ መልሰ መጥቃዕቲ ከምዝፈሸለን ሰራዊት ዩክረይን “ሰፍ ዘይብል ክሳራ” ከምዘጋጠሞን ገሊጸን።

ሰብ መዚ ዩክረይን ነቲ ብልዕሊ ፈለግ ድኒፕሮ ዝሓለፍ ድልድል ኣብ ሰለስተ ቦታታት ንምዕናው ኣመሪካ ዝሃበቶም ሂምራስ ዝብሃል ሮኬት ከምዝተጠቀሙ’ዮም ገሊጾም።

ዩክረይን ንቀረብ ሎጂስቲክ ወተሃገራት ሩስያ ንምብታክ ነቲ ድልድላት ከምዘዕነወቶ’ውን ይገልጹ።

ኩናት ሩስያን ዩክረይንን ቅድሚ ምጅማሩ፡ 290 ሽሕ ህዝቢ ዝነበረ ከተማ ኼርሰን፡ እታ እንኮ ኣብ ትሕቲ ምቁጽጻር ወተሃደራት ሩስያ ዝኣተወት ርእሰ ከተማ ናይ ዞባ’ያ።

እታ ከተማ ብሩስያ ድሕሪ ምትሓዛ፡ በቶም ብሩስያ ዝድገፉ ሰብ መዚ እያ ክትመሓደር ጸኒሓ።

እቶም ብሩስያ እናተደገፉ ነታ ከተማ ከመሓድርዋ ዝጸንሑ ሰብ መዚ፡ ምስ ሩስያ ንኽጽንብርዋ ረፈረንደም ንኽካየድ መስርሓት ጀሚሮም ምጽንሖም’ዩ ዝግለጽ።