ሩስያ ኣብ ሃንጋሪ ክልተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ክትሃንጽ’ያ

ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ኒኩሌራያዊ ጽዓት ዝነጥፍ ዓብይ ትካል ሮሳቶም ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙናት ኣብ ሃንጋሪ ህንጸት ክልተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ (nuclear reactors) ክጅምር ምዃኑ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ኣፍሊጡ።

ኣብ 2014 [ኣቆጻጽራ ፈረንጂ] ኣብ መንጎ ሩስያን ሕብረት ኣውሮፓን ዝተበጽሐ ስምምዕ እቶም ዛጊድ ዝተሃነጹ ኒኩሌራያዊ ጽዓት ንምስፍሕፋሕ ዝዓለመ’ዩ ነይሩ።

ኢንዳስትሪ ኒኩሌር ሩስያ በቲ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ ኣብ ልዕሊኣ ብሕብረት ኤውሮፓ ዝተነበረ እገዳ ኣይተገዝአትን።

ሃንጋሪ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሰደድ ነዳድን ጋዝን ሩስያ ንምእጋድ ብሕብረት ኤውሮፓ ዝቐረበ ሓሳብ ኣይደገፈቶን። 

እቲ ናይ ኒኩሌር ጽዓት 40 ሚኢታዊት ጠለብ ሓይሊ ሃንጋሪ ዘማልእ’ዩ።

“ህንጸት ንጀምሮ” ክብል ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፒተር ስዚጃረቶ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሱ ፌስቡክ ጠቂዑ።

እቲ ኣርባዕተ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ዘለዎ ማእኸል ኒኩሌራያዊ ጽዓት እቶም ክልተ ክህነጹ ተወጢኖም ዘለዉ ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ምስተዛዘሙ ናይ ምምንጫው ዓቕሚ እቲ ማእኸል ልዕሊ ዕጽፊ ከዕብይዎ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።

ሚኒስተር ስዚጃረቶ “እዚ ዓብይ ምዕራፍ’ዩ፣ ኣገዳሲ እምነ ኩርናዕ” ክብል ኣብ ፌስቡክ ገጹ ጽሒፉ።

ንሱ ብተወሳኺ “በዚ መገዲ ኣቢልና ውሕስነት ሓይሊ ሃንጋሪ ኣብ ዝተናውሐ ግዜ ብምርግጋጽ ሃንጋራውያን ካብ ምኽባር ዋጋ ጽዓት ክንሕልዎም ኢና” ዝበለ ኮይኑ እቶም ኒክልየሳዊ መነጣጠፊ ኣብ 2030 ንኣገልግሎት ድልዋት ከምዝኾኑ ሓቢሩ።

እዚ ልዕሊ 12 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ከምዝሓትት ዝተዘረበሉ ኣዘራራቢ ዝኾነ ፕሮጀክት እቲ ዝበዝሕ ወጻኢኡ ብሩስያ ዝሽፈን’ዩ።

ኵናት ዩክረይን ምስተጀመረ መብዛሕቲኤን ሃገራት ኤውሮፓ ካብ ጽግዕተኝነት ቀረብ ሓይሊ ሩስያ ሓራ ንምውጻእ ጻዕርታት ክገብራ ጸኒሔን ኣለዋ።