ሩስያ፡ ልዕሊ 18 ዓመት ዝዕድሚኦም ዜጋታታ ብፍቓዶም ናብ ሰራዊት ክጽምበሩ ጐስጓስ ጀሚራ

ወተሃደር ሩስያ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, ምዕራባውያን ከም ዝብልዎ፡ እቲ ኲናት ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣሽሓት ወተሃደራት ሩስያ ሞይቶምን ቈሲሎምን ኣለው

እታ ካብ ከተማ ቅዱስ ፒተርስበርግ ኣብ ቀረባ ርሕቀት እትርከብ ከተማ ቮሎሶቮ፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብመጕልሒ ድምጺ ተናዊጻ ኣላ። እተን ኣብ ነፍሲ ወከፍ መንገዲ ዝተተኽላ መጕልሕ ድምጺ ወትሩ ‘[ንሃገርካ] ተለዓል!’ ዝብል ሃገራዊ ስምዒት ዘለዓዕል መዝሙር እየን ዘቃልሓ ነይረን።

ሕጂ ግን ብቐጥታ ወተሃደራት ናብ ምምልማል ብምድሃብ፡ ‘ክልተ በጦሎኒታት ወለንታውያን ዘመትቲ ንሃንጽ ኣለና። ዕድመኹም ካብ 18 ክሳብ 60 ዓመት ዝዀንኩም ሰብኡት ተመዝገቡ’ ዝብል ተደጋጋሚ ጻውዒት የቕርባ ኣለዋ። ምሉእ መዓልቲ ከኣ ነቲ መልእኽቲ ክደጋግማኦ ይውዕላ።

እቲ መልእኽቲ ብመጕልሒ ድምጺ ጐደና ጥራሕ ዘይኰነ ብመድረኻት ማሕበራዊ ምትእስሳር፡ ብተሌቪዥን፡ ብቢልቦርድን ከይተረፈ በጃኹም ክተቱ እናተባህለ ጻውዒት ይመሓለለፍ ኣሎ። እቲ ኣገልግሎት ንሓጺር ግዜ ምዃኑ ከኣ እዩ ዝንገር ዘሎ።

ሩስያ፡ ኣብ ዩክረይን ኣብ ሓጺር ግዜ ብውግእ ክዕወት እየ ኢላ ዘውጽኣቶ መደብ ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናረሓቓ ይኸይድ ኣሎ። ኣብ ዝበዝሐ ግንባራት ካብ እተመዝግቦ ዓወታት እትኸፍሎም ወተሃደራት ይበዝሑ ከምዘለው እዩ ዝዝረብ።

ጐስጓስ ጻውዒት

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መግለጺ ስእሊ, መንእሰያት ሩስያ፡ ብፍቓዶም ናብ ሰራዊት ክጽንበሩ ጻውዒት ይቐርበሎም

ሓደ ኣብ ከተማ በቮሎሶቮ ዝነብር ሽማግለ፡ ብዛዕባ እቲ ወለንታዊ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ዘለዎ ርእይቶ ምስተሓተተ፡ “ኣበይ እሞ መንእሰይ እንተዝነብር ምኸተትኩ ነይረ” ክብል ንጋዜጠኛ ቢቢሲ ዊል ቨተርኖትን ሓቢሩ።

ይዅን እምበር እቲ ጋዜጠኛ ዘዘራረቦም ካልኦት ሰባት ግን ተመሳሳሊ ስምዒት የብሎምን።

“ብዛዕባ ኲናት ምዝራብ ንባዕሉ የቐንዙ እዩ። ኣሕዋት ንሓድሕዶም ክጣፍኡ ልክዕ ኣይኰነን” ኢላ ሓንቲ ሰበይቲ።

ካብ ኣባላት ስድራቤታ ሓደ ሰብ ክኸትት እየ እንተዝብል እንታይ ክስመዓ ከምዝኽእል ምስ ተሓተተት ከኣ፡ “ሬሳኡ እዩ ዝመጽእ” ብምባል ምላሽ ሂባ። ብርግጽ ከኣ ሬሳ ብዙሓት ወተሃደራት ይመጽእ ኣሎ።

ሩስያ፡ ብዛዕባ ዝሞቱዋ ወተሃደራት ኣይትዛረብን እያ። ይዅን እምበር እተን ምዕራባውያን ሃገራት ብዘውጽእኦ ዘለዋ ኣሃዝ፡ ካብ 70 ክሳብ 80 ሽሕ ወተሃደራት ሩስያ ተቐቲሎም ወይ ተጐዲኦም ኣለው። እዚ ከኣ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ወርሒ እዩ ዝኸውን ዘሎ።

ሰበስልጣን ሩስያ ነቶም ሓደስቲ ተዓለምቲ ንምምልማል ጕንዖ ገንዘብ ከምዝወሃቦም ይሰብኩ። “ኣቱም መንእሰያት ንዑ በጃኹም ርቡሕ ገንዘብ ሩብል ውሰዱ” እናበሉ ነቶም መንእሰያት ይጕስጕስዎም።

ኣብ ወርሒ ካብ 5-7 ሽሕ ዶላር ዝወሃቦም ሓደስቲ ተዓለምቲ ኣለው። መሬት’ውን ክወሃበኩም እዩ። ንደቅኹም እውን ኣብ ጽቡቕ ቤት ትምህርቲ ከነምህሮም ኢና ይብሉዎም።

እታ ሰበይቲ ግን እቲ ጉዳይ ከምኡ ከምዘይኰነ እያ ትዛረብ።

“እቶም ሰባት እቲ ገንዘብ ብዙሕ ምዃኑ ኣይኮነን ዝርእዩ። እቶም ካብ ዩክረይን ዝተመልሱ ሰባት ብመንግስቲ ሩስያ ማዕረ ክንደይ ከምዝተታለሉ እዮም ዝዛረቡ። መንግስቲ ድሕሪ ደጊም ብገንዘብ ሓባቢሉ መንእሰያት ክኸትብ ዝኽእል ኣይመስለንን።”

ሓደ ሓደ ሰባት በቲ ‘ክትክፈልዎ ኢኹም ዝተባህለ ገንዘብ’ ዕጕባት እዮም። ናብ ኲናት ክኸቱ ዓይኖም ዝሓስዩ ኣይመስሉን።

ኒና ቹባሪና
መግለጺ ስእሊ, ኒና ቹባሪና፡ ወዳ ናብ ግንባራት ዩክረይን ከይከይድ ከም ዝተማሕጸነቶ እያ ትገልጽ

ኒና ቹባሪና ኣደ ንቭጌኒ እያ። ክልቲኦም ካሬሊያ ኣብ እትበሃል ዓዲ እዮም ዝነብሩ ነይሮም። ውላዳ ናብ ኲናት እንተዘይከተትኩ ኢሉ ኣዕገርጊሩ። ወላዲቱ ኣምሪራ ለሚናቶ- ግን ኣይሰምዐን።

ምንም ወተሃደራዊ ክእለት ዘይብሉ ክነሱ፡ ክኸይድ እየ ኢሉ ወሲኑ፡ ከቲቱ፣ ጠበንጃ ተዋሂብዎ ናብ ዩክረይን ከይዱ። ኣይደንጐየን ኣብ መዓልታት ሞይቱ። “ወደይ ኣብ 24 ዓመቱ ተቘጽዩ” ከኣ ትብል ኒና ቹባሪና።

ኒና ኣብ ሞስኮ ኣብ ዝርከብ ሓደ መናፈሻ ንክንራኸብ ፈቓደኛ ኰይና። ኣብ ትርፊ ግዜኣ ኣብ ሓደ መሰንከት ሕብስቲ እያ ትሰርሕ።

እቲ ዕረፍቲ ዘይህብ ምስንካት ሕብስቲ ሓዘና ንክትርስዕ ከምዝሓገዛ ነጊራትኒ።

ውላዳ ናብ ግንባር ንኸይከትት ማዕረ ክንደይ ከም ከምዝለመነቶ ኣረዲኣትኒ። “'በጃኻ ስምዓኒ ዝወደይ' እናበልኩ እየ ኣፋንየዮ። 'ክትመውት ኢኻ' ኢለዮ። 'ማማ ስቕ ኢልኪ ኣይትጨነቒ ዋላ ሓንቲ ኣይከውንን እየ' ኢሉኒ ከይዱ” ኢላ።

ኒና መንግስቲ ሩሲያ ነቶም መንእሰያት ዝሓባብለሉ ዘሎ መገዲ ቅኑዕ ዘይምዃኑ እያ ትዛረብ።

“እዞም መንእሰያት ብዘይ ብቝዕ ስልጠና ናብ ግንባር ተወሲዶም መዝሓሊ ጥይት ይዀኑ ኣለው።”

የቭገኒ ቹባሪና
መግለጺ ስእሊ, የቭገኒ ቹባሪና፡ ካብ ዝስለፍ ድሕሪ ሒደት መዓልታት እዩ ተቐቲሉ

ኣብ ከተማታት ሩስያ ምዝዋር፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ኲናት ዘለዎ መረዳእታን ኣመለኻኽታን ንኽትርዳእ ይሕግዝ። ብዙሕ ሰብ ኣብ ጐድኒ ፑቲን ቈይሙ ነዚ ኲናት እዚ ይድግደፎ’ዩ ክትብል ከቢድ’ዩ።

እተን ንዂናት ዝድግፋ ብእንግሊዝኛ ናይ ዜድ [Z] ፊደል ምልክት ዝተጻሕፈን ተሽከርከርቲ ኣብ ጐደናታት ሩስያ ብዙሕ ኣይረኣያን ዘለዋ።

ተንታኒ ወተሃደራዊ ጉዳያት ፓቬል ሉቪን፡ ካብ ሕጂ ንደሓር ንዝናን ክብርን ፑቲን ክብሉ ዝሞቱ ወተሃደራት ሩስያ ዝህልው ኣይመስለንን ይብል።

“ድሕሪ ደጊም ፑቲን፡ ዓባይ ስርወ መንግስቲ ሩስያ ንኽመልስ ኣብ ዝሓለሞ ውጥን ዝመውት ብዙሕ ሰብ ኣይክህሉን እዩ። እዚ ከኣ ብዛዕባ ኲናት ብዝምልከት፡ ሓባራዊ መረዳእታን ስምምዕን ህዝቢ ሩስያ ስለዘሎ እዩ።”