ኤርትራ፡ ኣብ ዘተ ሰላም ኢትዮጵያ ክትሳተፍ ዝቐረበላ ዕድመ ኣሎ ድዩ?

ምንጪ ስእሊ, FISTUM AREGA/TWITTER
ንኣስታት 20 ኣዋርሕ ኣብ ኲናት ጸኒሖም ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ተጻብኦ ዘቋረጹ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ኣብ ቀረባ እዋን ንሰላማዊ ዘተ ኰፍ ክብሉ’ዮም ዝብል ተስፋታት ይርአ ኣሎ።
እቲ መኣዲ ዘተ ክውን እንተዀይኑ፡ ኲናት ሓድሕድ ከብቅዕን ብኲናት ዝተጎድኡ አህዛብ ንፋስ ሰላም ከስተንፍሱ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ 14 ሰነ 2014 [ግእዝ] ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ፡ መንግስቲ ንሰላማዊ ዝርርብ ድልው ምዃኑ ገሊጹ።
መራሕቲ ትግራይ እውን ኣብ ተመሳሳሊ ዕለት ንልዝብ ቅሩባት ምዃኖም ብወግዓዊ ደብዳበ ገሊጾም።
ብድሕሪኡ ማእከላይ መንግስቲ፡ ምኽትል ቀዳማይ ሚኒስትር ደመቀ መኮንን ዝርከቦም ሸውዓተ ኣባላት ዘለውዎ ተደራዳሪ ኮሚቴ ኣቊሙ።
እዚ ዓሰርታት ኣሽሓት ህይወት ዘህለቐን፡ ሚልዮናት ሰባት ዘመዛበለን ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ሞንጐ ፌደራላዊ መንግስትን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ'ኳ እንተጀመረ ናብ ጐረባብቲ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ልሒሙ ከቢድ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራን ግህሰት ሰባዊ መሰላትን እውን ኣኸቲሉ እዩ።
ብተወሳኺ ምስ ሰራዊት ፈደራል ተሻሪኹ ኣብቲ ኵናት ዝተሳተፈ ሰራዊት ጐረቤት ሃገር ኤርትራ ሰብኣውን ንዋታውን ጉድኣትን ሰብኣዊ ግህሰትን ከምዝፈጸመ ብዓለምለኻዊ ትካላት ክንቀፍ ጸኒሑ ኣሎ።
ሕጂ፡ ህወሓትን መንግስቲ ፌደራልን ናብ መኣዲ ዘተ ክቐርቡ ኣብ ዝሰማምዕሉ ዘለው እዋን፡ ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ንኤርትራን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራን ዝውክል ድምጺ’ውን ክስማዕ ኣለዎ ዝብል ጽንጽንታታት ክስማዕ ጀሚሩ ኣሎ።
ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣውጺኡዎ ዝተባህለ፡ እቲ መኣዲ ዘተ ንኤርትራ እውን ክሕውስ ከም ዘለዎ ዝሕብር ደብዳበ'ውን ስኑዕ ከም ዝዀነ እዩ ዝግለጽ።
ዋላ’ውን ፍሉይ ሓይሊ ኣምሓራ ኣብዚ ልዝብ ክውከል ይግባእ’ዩ እንተተባህለ፡ እቲ ክልል፡ በቶም ብሸነኽ መንግስቲ ፌደራል ተሓጽዮም ዘለው ምኽትል ኣመሓዳሪ እቲ ክልል ኣቶ ጌታቸው ጀምበሬ፡ ፕረዚደንት እቲ ክልል ነበር ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነት ኢትዮጵያ ኣቶ ተመስገን ጥሩነህን ብዝኣመሰሉ ሰባት ክውከል’ዩ ዝብል ርእይቶ ይቐርብ እዩ።
እቲ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ዘተ ሰላም ዘተ ክሳተፍ ይግባእ’ዶ ኣይግባእን ዝብል ጉዳይ ግን ኣካታዒ ኰይኑ ኣሎ።
ጉዳይ ኤርትራ
መራሕቲ ትግራይ፡ ምስ ማእከላይ መንግስቲ ንምዝርራብ ቅሩብነቶም ኣብ ዝገለጽሉ እዋን፡ እቲ ዘተ ብሸምግልና ኬንያ ንኽካየድ ልኡኻቶም ናብ ኬንያ ክሰዱ ድሉዋት ምዃኖም ገሊጾም ነይሮም።
ኣብቲ ኣቦ መንበር ህወሓትን ፕረዚደንት እቲ ክልልን ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ዝኸተመሉ ኣብ ወርሒ ሰነ ዝተዘርግሐ ደብዳበ፡ ኣብቲ ብመሪሕነት መንግስቲ ኬንያ ዝካየድ ድርድር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣሜሪካን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ተሳተፍቲ ክዀኑ ይሓትት።
ይዅን’ምበር፡ እቶም ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ መንግስቲ ኤርትራን ክሳብ ሕጂ፡ ‘ኣብ ክልል ትግራይ ናይ መሬት እጀታ ኣሎና’ ዝብሉ ሓይልታት ኣምሓራን ኣብዚ ድርድር ክሳተፉ ድዮም ኣይሳተፉን ዝብል ብወግዒ ዝተገልጸ ነገር የለን።
ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ነኽብር ኢና ዝብሉ ፖለቲካዊ ሓይልታትን ተሓለቕቲ መንግስቲ ኤርትራን ግን፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብቲ ዘተ ክካተቱ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ የልዕሉ።
ዲፕሎማሲያዊ ንጥፈታት ህወሓት ዘካይድ ኣምባሳደር ፍስሃ ኣስገዶም ቅድም ኢሉ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ህወሓት ኣብዚ ድርድር ኣብ ሓሙሽተ ነጥብታት ትዅረት ከም ዝገብር ሓቢሩ ነይሩ።
እዚኦም ድማ፡ ግዝኣታዊ ሓድነት ትግራይ ናብቲ ቅድሚ ኲናት ዝነበሮ ክምለስ፣ ኣብ ትግራይ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ክካየድ፣ ኣብቲ ኲናት ዝተፈጸሙ ግህሰታት ዝምልከት ተሓታትነት ክህሉ ምግባር፣ ንዝበጽሐ በደል ምኽሓስን ሰራዊት ትግራይ ዕጥቁ ዘይምፍታሕን ምዃኖም ጠቒሱ’ዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ቅድሚ ኲናት ኣብ ትሕቲ ምሕደራ ትግራይ ዝነበረን ካብ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዝቐርበሉን ዘሎ ምዕራብ ትግራይ ሓዊሱ ኣብ ዶባት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝርከቡ ገለ ከባቢታት ትግራይን ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ኣምሓራን ሰራዊት ኤርትራን ከምዘለው እዩ ዝግለጽ።
መንግስቲ ትግራይ ድማ፡ እቲ ድርድር ቅድሚ ምጅማሩ እዞም ሓይልታት ካብቲ ክልል ክወጽኡ ይሓትት።
ሓይልታት ኤርትራ፡ ኣብቲ ኲናት ብምስታፎምን ሕጂ’ውን ኣብ ትግራይ ምህላዎምን ድማ ኣብቲ ልዝብ ንኽሳተፉ ምኽንያታት ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ገለ ወሃብቲ ርእይቶ ይገልጹ።
ኣማኻሪ ሕግን ፖለቲካን ሙሴ ኤፍሬም፡ ጉዳይ ኢትዮጵያ ብሰላማዊ መገዲ ምፍታሕ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ [ቀርኒ ኣፍሪቃ] ዘላቒ ሰላም ንኽህሉ ሓጋዚ ተራ ከም ዘለዎ ብምግላጽ፡ ነዚ ኣብ ኲናት ትግራይ ተሳተፍቲ ዝነበሩ ኵሎም ሓይልታት ኣብቲ ድርድር ክሳተፉ ኣለዎም ይብል።
“ኣብዚ ጕዳይ [ኲናት] ኤርትራ ኢድ ከም ዘለዋ ግልጺ’ዩ። ኵላትና ሰላም ንኽንረክብ፡ ኣብቲ ዞባ ብሓባር ክንነብር ዘኽእል ሰላም ክመጽእ እንተዀይኑ ድማ፡ እቶም ተዋጋእቲ ሓይልታት ናይ ውሽጢ ይዅኑ ናይ ወጻኢ ኣብቲ ድርድር ክሳተፉ ኣለዎም። እንተዘይኰይኑ ነቲ መስርሕ ዘበላሽው ባህርያት ክንርኢ ንኽእል ኢና” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, PM OFFICE
በዓል ሞያ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኤልያስ ሃብተስላሴ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።
ናይዚ ምኽንያት ከረድእ እንከሎ ድማ፡ እቲ ኲናት ብባህሪኡ ኣብ ሞንጐ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን ማእከላይ መንግስትን ብዝነበረ ምስሕሓብ ስለዝመጽአ ብመሰረት ዓለምለኻዊ ሕጊ ውሽጣዊ ጐንጺ ተባሂሉ’ዩ ዝጽዋዕ ይብል።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ ኣብ ውሽጣዊ ጐንጺ ሓንቲ ሃገር ኢድ ዘእተወ ናይ ወጻኢ ሓይሊ ተሓታቲ’ዩ ዝኸውን እምበር ንሰላም ኣብ ዝግበር ድርድር ዝኣትወሉ ምኽንያት የለን ክብል ይካታዕ።
“ኣብ ጉዳይ ካልእ ሃገር ምእታው ብሕጊ ዝተኸልከለ’ዩ ። ስለዚ ኤርትራ ኣብቲ ጐንጺ ብምንታይ መልክዕ’ያ ተሳቲፋ? ተሳትፎኣ የሕትታ ድዩ? ኢዳ ዘእተወትሉ መገዲ ትኽክል ድዩ ኣይኰነን? ዝብሉ ብዙሓት ሕቶታት ኣለው።
"ነዚኦም ዝምልስ ነብሱ ዝኽኣለ ዓለምለኻዊ ሕጊ ኣሎ። እቲ ሕጂ ዝካየድ ድርድር ግን ውሽጣዊ ጕዳይ’ዩ ዝብል እምነት ስለዘለኒ ናይ ኤርትራ ምስታፍ ሕጋዊ መሰረት የብሉን" ይብል።
ዊልያም ዴቪሰን ብወገኑ፡ መንግስቲ ኤርትራ ኣብቲ ልዝብ ክሳተፍ እንተዀይኑ’ውን ግዜኡ ሕጂ ኣይኰነን ይብል።
“መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ኲናት ደው ኣቢሎም ንልዝብ ቆራጽነት ምርኣዮም ሓደ ዓቢይ ነገር’ዩ። ኣብዚ መንግስቲ ኤርትራ ክሳተፍ ኣለዎ ዝብል ሓሳብ ጸገም የብሉን። ግን መንግስቲ ኤርትራ ክሳተፍ ከም ዝደሊ እንታይ መረጋገጺ ኣሎና? ብወገኑ ዝሰማዕናዮ ነገር የለን” ኢሉ።
ኣብቲ ኲናት ሓድሕድ፡ ሰራዊት ካልእ ሃገር [ኤርትራ] ተሳቲፉ’ዩ ዝብል ዴቪሰን፡ ንዅሉ ዘሳተፈን ሰላምን ርግኣትን ምምጻእ ዝድለ እንተዀይኑ ግን፡ ኣብ ሓደ እዋን ሓይልታት ትግራይን መንግስቲ ኤርትራን ክዘራረቡ ከም ዝግባእ ይጠቅስ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ሕጂ ዘሎ ኵነታት ኣብ ግምት ብምእታው “መራሕቲ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ናብ ሓደ ጠረጴዛ ምምጻእ ንርእሱ ከቢድ ኰይኑ’ዩ” ይብል።
ኣብ ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ መላፍንቲ ቓልሲ ዝነበሩ ህወሓትን እቲ ንኤርትራ ዝገዝእ ዘሎ ህዝባዊ ግንባርን፡ ብኵናት ዶባት ምስተዳመዩ ዝነበሮም ርክብ ሓርፊፉ ንሓድሕዶም ከም ጸላእቲ ክጠማመቱ እዮም ጸኒሖም።
ሓይልታት ትግራይ ምስ መንግስቲ ፌደራል ናብ ጐንጺ ምስ ኣምርሑ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ንፌደላራዊ መንግስቲ ደጊፉ ኣብቲ ኲናት ተሳቲፉ።
ሓይልታቱ ድማ፡ ኣብቲ ኲናት ብዝተፈጸሙ ከበድቲ ግህሰታት ገበን ኲናት ክኽሰሱ ጸኒሖም። መንግስቲ ኤርትራ ግን ነቶም ክስታት ይነጽጐም’ዩ።
እቲ ኣብ ሞንጐ ህወሓትን ማእከላይ መንግስትን ዝነበረ ኲናት ምዝሕሓል እንተኣርኣየ’ውን፡ ሓሓሊፉ ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ሰራዊት ኤርትራን ዝልዓሉ ረጽሚታት ከም ዘለው ይዝረብ።
ስለ ዝዀነ ድማ፡ እቲ ጐንጺ ፍታሕ ንኽረክብ ከምኡ’ውን ኤርትራ እተልዕሎም ሕቶታት ዘተ ንኽግበረሎም፡ እቲ ዝውጠን ዘሎ ልዝብ መንግስቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ዘካተተ ክኸውን ኣለዎ ዝብሉ ኣለው።
ይዅን’ምበር፡ ኤርትራ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ሕቶ ዶብ፡ ንክልል ትግራይ ዘይኮነስ ንኢትዮጵያ ብዓባያ እዩ ዝምልከት ዝብል ምሁር ሕጊ ኤልያስ፡ እዚ ድማ ብጉዳያት ወጻእን ዓለምለኻዊ ሕግን ዝፍታሕ እዩ ኢሉ።
“ነዚ ኣመኻንያ ኤርትራ ኣብ ውሽጣዊ ጕዳይ ኢትዮጵያ እትኣትወሉ ዝዀነ ዓይነት ምኽንያት የብላን። ክሳብ ሕጂ ንዝገበረቶ ምትእትታው ብሕጊ ክትሕተት ትኽእል እያ።"
ንዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ዙርያ ኣፈታትሓ ጐንጺ ሶማልያ ተሳትፎ ዝነበሮ በዓል ሞያ ሕጊ ሙሴ ኤፍሬም ግን፡ ኤርትራ ንጐኒ ምግዳፍ ነቲ ናይ ሰላም ጻዕሪ ከዐንቅፎ ይኽእል’ዩ ዝብል ርእይቶ እዩ ዘለዎ።
“ንኤርትራ ዘየካተተ ልዝብ እንተተጀሚሩ፡ ከምቲ ኣብ ሶማልያ ዝርኣናዮ፡ [ኤርትራ] ዝዀነ ሓይሊ ተጠቒማ ነቲ ሰላም ክትዘርጐ ትኽእል እያ። ማሕበረሰብ ዓለም፡ ኣብ ሶማልያ ዘለው ኵሎም ሓይልታት ሓቢሮም ከምዝዛተዩ ብዘይምግባሩ እቲ ጸገም ክሳብ ሕጂ ኣይተፈትሐን።
"ስለዚ ንድሕሪት ዝግደፍ ሓይሊ ክህሉ የብሉን። ድሕሪኡ፡ ንውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ዝምልከቱ ዛዕባታት ምስ ዝህልው ግን ኢትዮጵያውያን ጥራይ ዝሳተፉሉ ዝርርብ ክግበር ኣለዎ” ይብል ሙሴ።
ካልኦት ኣብቲ ድርድር ክንሳተፍ ኣለና ዝብሉ ሓይልታት
ተቓወምቲ ሰልፍታት ትግራይ፡ ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ንልዕሊ 20 ኣዋርሕ ዝዘለቐ ኲናት ብሰላማዊ መገዲ ንኽውዳእ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ ብምንኣድ ውጽኢታዊ ክኸውን እዩ ዝብል ተስፋ ከም ዘለዎም ይገልጹ።
እንተዀነ፡ ኣብቲ መስርሕ ዘተ ሰላም ዝተታሕዘሉ ኣገባብ ዝምልከት ሕቶ የልዕሉ።
ውድባት ብሄራዊ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ውድብ ናጽነት ትግራይን ብሓባር፡ እቲ ድርድር ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ፌደራልን ህወሓትን ጥራይ ክካየድ ምሕሳብ ልክዕ ኣይኰነን ይብሉ።
እቶም ሰልፊታት ብ23 ሰነ 2022 ኣብ ዘውጽኡዎ ሓበራዊ መግለጺ፡ "ህወሓት ትኽክለኛ ድልየትን ረብሓን ህዝቢ ትግራይ ስለ ዘየኽብር፡ ኣብ ዙርያ ዕጫ ህዝቢ ትግራይ ናይ ምድርዳር ሕጋዊ ስልጣን የብሉን። ካብኡ ሓሊፉ ህዝቢ ትግራይ ንህልውንኡ ይቃለስ ስለ ዘሎ ኣብቲ ድርድር፡ ብሰፊሕ ውህደት ወከልቱ ክውከል ኣለዎ" ይብል።
ተቓወምቲ ሰልፊታት ትግራይ፡ ህወሓት ብሕታዊ ወኪል ህዝቢ ትግራይ ገይርካ ምውሳድ ዘላቒ ሰላም ኣየምጽእን ክብሉ ይምጉቱ።
ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሰልፊ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ሃይሉ ከበደ፡ እቶም ሰልፍታት ኣብቲ ልዝብ ክንሳተፍ ኣለና ዝብልሉ ዘለው ምኽንያት፡ እቲ ኣብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ “ህዝባዊ ቃልሲ’ዩ ኢልካ ካብ ምእማን ዝምንጩ’ዩ” ይብል።
ብተወሳኺ፡ “ኣብ ልዕሊ ህወሓት እምነት የብልናን፤ ምኽንያቱ ታሪኽ ድርድር ህወሓት ድኹምን ወትሩ ተሳዒሩ ዝመጽእን እዩ። እቲ ልዝብ ትግራይ ናብ ዝነበረቶ ኵነታት ናይ ምምላስ ጥራይ ዘይኰነ ዕጫ ህዝቢ’ውን ዝውስን ስለ ዝዀነ፡ እዚ ንሓደ ሓይሊ ጥራይ ዝግደፍ ኣይኰነን” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, EPRDF OFFICIAL/FB
ይዅን'ምበር፡ ኣብ መጀመርታ ዙርያ እቲ ልዝብ ዝጭበጥ ውጽኢት ትጽቢት ከም ዘይገብር እቶም ወሃብቲ ርእይቶ የረድኡ።
ኣብ ሞንጐ እቶም ተደራደርቲ ሓይልታት ዘሎ ኣፈላላይ ሰፊሕ ምዃኑ፡ ፖለቲካዊ ምትፍናንን ኲናትን ዘስዓቦ ምቅሕሓር፡ ከምኡ'ውን ኣብቲ ኲናት ዝተሳተፉ ሓይልታት ዝፈጸሙዎም ገበናት ዝምልከቱ ክትዓት ትጽቢት ስለ ዝግበር፡ እቲ ልዝብ ግዜ ክወስድ ከም ዝኽእል እቶም ሰብ ሞያ ሓቢሮም።
ብኻልእ ወገን፡ መንግስቲ ፌደራልን መራሕቲ ትግራይን፡ ንሰላም ቅሩባት ከም ዝዀኑ'ኳ እንተገለጹ፡ "ንኽልቲኦም ክጠቕሞም ዘይክእል ቅድመ ኵነት ምስ ዝህሉ ንምቕባል ድሉዋት ዘይምዃኖም" ስግኣት ዝፈጥር'ዩ ክብል ዴቪሰን ተዛሪቡ።
ምድንጓይ ልዝብ ሰላም
ፕረዚደንት ናይጄሪያ ነበር ኦሊሰንጎን ኦባሳንጆ፡ ኣብ ቀረባ ናብ ኢትዮጵያ ብምኻድ ምስ መራሕቲ ትግራይን ወከልቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተዛትዩ ነይሩ።
ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀነ ኦባሳንጆ፡ ነቲ ሕብረት ብምውካል ኣብ ሞንጐ መንግስቲ ኣቢይ ኣሕመድን መራሕቲ ትግራይን ዘሎ ጐንጺ ብልዝብ ንምፍታሕ ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።
ይዅን'ምበር፡ ህወሓት እቲ ልዝብ ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ድልየት ስለ ዘይብሉ፡ መንግስቲ ኬንያ ዘማእዝኖ ልዝብ ክካየድ ይጠልብ።
ላዕለዋይ ተመራማሪ ክራይስስ ግሩፕ ዊልያም ዴቪሰን እቲ ልዝብ ዝተጓተተን ምድንጓያት ዝበዝሖን እዩ ይብል።
“መንግስቲ ፌደራል፡ ንዕኡ ወኪሎም ኣብቲ ዘተ ዝሳተፉ ሰባት ሰምዩ እዩ፤ ህወሓት ግን ገና ኣየፍለጠን። ይዅን’ምበር ክልቲኦም ናብ ግብሪ ኣይኣተውን ዘለው” ይብል።
ክልቲኦም ተደራደርቲ ወገናት፡ እቲ ልዝብ ቅድሚ ምጅማሩ ክሰማምዑሎም ኣብ ዝግብኡ ነገራት ተሰማሚዖም ድዮም ኣይተሰማምዑን ዝብል ብወግዒ ዝፍለጥ ነገር ዘይምህላው’ውን ይጠቅስ።
“ንኣብነት ህወሓት፡ ህዝባዊ ኣገልግሎታት ክኽፈቱ ይጠልብ’ዩ፤ መንግስቲ ፌደራል ከኣ ኣቐዲሙ እቲ ልዝብ ክጅመር ይደሊ” ዝብል ዴቪሰን፡ ክልቲኦም ሓይልታት ኣብ ረጽሚ'ኳ እንተዘይሃለው ናብ ዘተ ሰላም ንምእታው ግን ልዕሊ እቲ ትጽቢት ዝተገብሮ ግዜ ከምዝወሰዱ ይኣምን።
ነዚ ከደናጕይዎ ዝኽእሉ ጉዳያት ከይተፈትሑ እንተቐጺሎም ድማ ብዙሓት ነገራት ክተሓላለኹ ከም ዝኽእሉ ይገልጽ።
“እቲ ዝርርብ ክሳብ ሕጂ ዘይምጅማሩ ከተሓሳስበና እዩ ዝግባእ። እዚ ኣብ ሞንጐ ክልቲኦም ዝጸንሐ ኲናት ክደግስ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ኤርትራን ወይ’ውን ኣብ ሞንጐ ሓይልታት ትግራይን ኣምሓራን ጐንጺ ክልዓል ከም ዝኽእል’ውን ክንዝንግዖ የብልናን” ይብል።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







