ሩስያ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ናብ ኣውሮጳ ክኸይድ ዝነበሮ ጋዝ ተቃጽል’ላ

ናይቲ ዝቃጸል ዘሎ ጋዝ ብሳተላይት ዝተወሰደ ስእሊ

ምንጪ ስእሊ, COPERNICUS SENTINEL/SENTINEL HUB/PIERRE MARKUSE

ኣብ ኣውሮጳ ዋጋ ነዳድን ጋዝን ሰማይ ኣብ ዝዓረገሉ፡ ሩስያ መዓልታዊ ዋጋ ሚልዮናት ዶላር ጋዝ ተቃጽሎ ምህላዋ ዝገልጽ ጸብጻብ ቢቢሲ ረኺቡ።

ክኢላታት፡ እቲ ሩስያ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ናብ ጀርመን ክስደድ ተሓሲቡ ዝነበረ ምዃኑ ገሊጾም።

ሩስያ ኣብ ጥቃ ዶብ ፊንላንድ ኣብ ዝርከብ መደበር ጸዓት፡ መዓልታዊ ዋጋ 10 ሚልዮን ዶላር ጋዝ ተቃጽል ምህላዋ'ውን እቶም ክኢላታት ሓቢሮም።

ተመራመርቲ፡ እቲ ሩስያ መዓልታዊ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ዘህፍፎ ዘሎ ካርበን ዳይኦክሳይድ ከምዘሻቐሎም ብምሕባር እቲ መጠን ዋዒ፡ ንምምካኽ በረድ ኣርክቲክ ከቀላጥፎ ከምዝኽእል ሓቢሮም።

እቲ ‘ብሪስታድ ኢነርጂ’ ዝወጽአ መርምራዊ ጽሑፍ፡ ኣብቲ ቦታ መዓልታዊ 4.34 ሚልዮን ኩቢክ ሜተር ዝዓቀኑ ጋዝ ይቃጸል ምህላዉ ገሊጹ።

እti ጋዝ ካብቲ ባህርያዊ ጋዝ ዝዕደነሉ ትካል ፖርቶቫያ ዝተረኸበ እዩ።

ኣብ ፈለማ፡ ኣብ ጥቃ ዶብ ሩስያ ዝነብሩ ፈንላዳውያን ነቲ ብርቱዕ ባርዕ ምስ ርኣዩ ሻቕለቶም ገሊጾም ነይሮም።

ትካል ፓርቶቫያ፡ ኣብ ጥቃ’ቲ ጋዝ ንጀርመን ዘመሓላለፍ መስመር ኖርድስተሪም-1 እዩ ዝርከብ።

እቲ ብኖርድስትሪም-1 ብትሕቲ ባሕሪ ናብ ጀርመን ዝልኣኽ ዝነበረ ጋዝ፡ ሩስያ ብሰንኪ ተክኒካዊ ጸገማት ብምባል ካብ መፋርቅ ወርሒ ሓምለ ጀሚራ ኣጉዲላቶ እያ፡ ጀርመን ግን ሩስያ ንዩከረይን ምስ ወረረታ፡ ብፖሎቲካዊ ድፍኢት፡ ነቲ መጠን ሰደድ ከምዘጉደለቶ’ያ ትኸስስ።

እንተኾነ ተመራመርቲ: ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ኣብቲ ቦታ ርኡይ ወሰኽ መጠን ዋዒ ከምዝተረኣየ ብምሕባር እቲ ምኽንያት ሩስያ ልዑል ዓቐን ጋዝ ተቃጽል ስለዘላ’ያ ይብሉ።

ኣብ እዋን ዕደና ባህርያዊ ጋዝ፡ ጋዝ ምቅጻል ንቡር ተርእዮ’ኳ እንተኾነ፡ እቲ ሕጂ ሩስያ ተቃጽሎ ዘላ ጋዝ ግን ልዕሊ ንቡር ምዃኑ’ዮም እቶም ተመራረመርቲ ዝገልጹ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ማያሚ ክፍለ ግዝኣት ኦሃዮ ክኢላ ሓበሬታ ሳተላይት ዝኾነት ዶክተር ጀሲካ ማካርቲ “ክንድዚ ዝዓቐኑ ጋዝ ክቃጸል ርእየ ኣይፈልጥን’የ” ትብል።

ንሳ ብምስዓብ “ካብ ወርሒ ሰነ ጀሚሩ ብርቱዕ ባርዕ ክርአ ጀሚሩ፡ ክሳብ ሕጂ ኸኣ እቲ መጠኑ ኣይነከየን ዘሎ” ትብል።

እቲ ዝቃጸሎ ዘሎ ጋዝ ካብ ርሑቕ'ውን ይርአ'ዩ

ምንጪ ስእሊ, AIR LAINE

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ማርክ ደቪስ ላዕለዋይ ሓላፊ ናይቲ ንልዑል ሃልሃልታ ጋዛት መፍትሒ ዘናዲ 'ካፕተርዮ' ዝተብሃለ ትካል’ዩ።

ማርክ ደቪስ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት “ኣካያድቲ ናይ ከምዚ ዓይነት ትካል መብዛሕትኡ ግዜ ደው ንኸብልዎ ኣይደፍሩን’ዮም ምኽንያቱ ዳግማይ ነቲ ፋብሪካ ንምጅማር ክቡር ክኸውን ይኽእል እዩ ዝብል ፍርሒ’ዩ ዘለዎም፡ እዚ ናይ ሩስያ’ውን ከምኡ ክኸውን ይኽእል እዩ” ኢሉ።

ካልኦት ኸኣ እቲ ብመንገዲ ኖርድስትሪም-1 ናብ ጀርመን ዝልኣኸ ዝነበረ ጋዝ ምጉዳሉ፡ ነቲ ካብ ምልኣኽ ዝተረፈ ጋዝ ምኽዛን ሓደ ተክኒካዊ ጸገም ፈጢርሎም ክኸውን ይኽእል’ዩ ይብሉ።

እቲ ካልእ ምኽንያት፡ ውጽኢት ናይቲ ኣውሮጳ ምስ ወራር ሩስያ ብዝተሓሓዝ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝኣወጀቶ እገዳ ከኸውን ከምዝኽእል ግምቶም የቐምጡ።

ኣብ ዩኒቨርስቲ ፊንላንድ ፕሮፌስር ናይ ምህንድስና ጽዓት ዝኾነ ኢሳ ቫኪላኢኒን ብወገኑ “ንኽንድዚ ዝኣክል ግዜ መዓልታዊ ኣዝዩ ብዙሕ ዝመጠኑ ጋዝ ምቅጻሎም፡ ገለ ዝጎደሎም መሳርሒ ክህሉ ኣለዎ” ይብል።

ኢሳ ብምስዓብ “ብሰንኪ እቲ ኣውሮጳ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ኣንቢራቶ ዘላ እገዳ፡ ኣብ ምዕዳን ነዳድን ምምስራሕ ጋዝን ኣድላዪ ዝኾነ ቅያር ኣቕሑ ስኢኖም ክኾኑ ይኽእሉ’ዮም” ኢሉ።

ብመንግስቲ ሩስያ ዝመሓደር ግዙፍ ኣፍራዪ ጸዓት ዝኾነ ጋዝፕሮም ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ንዘቕረብናሉ ሕቶ መልሲ ኣይሃበን።

እቲ ሃልሃልታ ብዝቐጸሎ መጠን ፊናንስያውን ከባብያውን ዋጋ መዓልታዊ ከምዝውስኽ ተመራመርቲ ይሕብሩ።

ኣባል 'ረይስታድ ኤነርጂ' ሲንድረ ከኑትሶን ኣብ ዝሃቦ መብርሂ “ምኽንያት እቲ ምቅጻል ዝፍለጥ እኳ እንተዘይኮነ፡ ሩስያ ኣብ ዕዳጋ ጸዓት ኣውሮጳ ንዘለዋ ዕብለላ ዘዘኻኽር እዩ።

"እዚ ጋዝ ብኖርድስትሪም-1 ወይ ካልኦት ኣማራጺታት ክለኣኽ ዝነበሮ እዩ፤ ምናልባት ዝኾነ ምልክት ዘይክህሉ ይኽእል እዩ ግን ሩስያ ካብ ጽባሕ ጀሚራ ዋጋ ጋዝ ተገድሎ ትኸውን” ኢሉ።

ብደረጃ ዓለም ብሰንኪ ዓለማዊ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ዝሰዓበ ዕጽዋታት ምስ ዘለቐ ዋጋ ጸዓት ብቅልጡፍ’ዩ ሰማይ ዓሪጉ።

ብድሕሪኡ’ውን ሩስያ ኣብ ወርሒ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ወራር ምስ ኣወጀት፡ ዋጋ ጸዓት ካብቲ ዝነበሮ ኣዝዩ ወሲኹ።

ሃገራት ኣውሮጳ እቲ ካብ ሩስያ ዝረኽብኦ ዝነበራ 40 ሚኢታዊት ምንጪ ናይ ጽዓተን ኣብ ምልክት ሕቶ ምስዝኣተወ ካልእ ኣማራጺታት ከናድያ’የን ተቐሲበን።

ከም ጀርመንን ስፔንን ዝኣመሰላ ሃገራት ኸኣ ዝኾነ ክሳብ ዝኸውን ምቁጣብ ጽዓት ከም ቀዳማይ ኣማራጺ ገይረን ወሲደንኦ ኣለዋ።