‘ሩስያ ኣብ ማእከል ኒዩክለር ዛፖሪዚዝያ ምጽራይ ክካየድ ክትፈቅድ እያ’ - ፑቲን

ማእከል መመንጨዊ ኑክሌር

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መራሒ ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ሰበስልጣን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ዛፖሪዝያ ኒዩክለር ኮምፕሌክስ ክበፅሑን ከጻርዩን ፍቓድ ከምዝወሃቦም ገሊጹ።

መንግስቲ ክረምሊን ነዚ ዝገለጸ፡ ኣብ መንጎ ሚስተር ፑቲንን ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮንን ድሕሪ ዝተገብረ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ እዩ።

እዚ ዝኸውን ዘሎ፡ ኣብ ጥቓ እቲ መልሐሚ ኑክሌር፡ ውግእ ተኻይዱ ዝብል ክሲ ኣብ ዝቕጽለሉ ዘሎ እዋን ኮይኑ፡ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ብሰንኩ ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ።

ብኻልእ ገጽ ድማ፡ ኣመሪካ ኣብ ኲናት ዩክሬን ንምሕጋዝ ዝያዳ ኣጽዋርን ተተኮስትን ክትሰድድ ዓርቢ ቃል ኣትያ ኣላ።

ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ መራሕቲ ፈረንሳን ሩስያን ዝተኻየደ ናይ ስልኪ ዝርርብ፡ ሚስተር ፑቲን ንመርመርቲ ሕቡራት ሃገራት ናብቲ ኒኩለራዊ ቦታ ዛፖሪዝዝያ ንምእታው "ኣድላዪ ሓገዝ" ክገብረሎም ከምዝተሰማምዑ ክረምሊን ገሊጹ።

እቲ ማእከል፡ ካብ መጀመርታ ወርሒ መጋቢት ጀሚሩ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ሩስያ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ቴክኒሻናት ዩክሬን ግን ክሳብ ሕጂ ብትእዛዝ ሩስያ ይመርሕዎ ኣለዉ።

ክልቲኦም መራሕቲ፡ "ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት" ንምግምጋም ክኢላታት IAEA ናብቲ ማእከል ምልኣኽ ኣገዳስነት ከምዘለዎ ገሊጾም

ዋና ዳይሬክተር ኒኩለር፡ ውድብ ሕቡራትሃገራት፡ ዓለም ለኸ ትካል ኣቶሚክ ፀዓት (IAEA)፡ ንመግለፂ ሚስተር ፑቲን፡ ብሓጎስ ብምቕባል ፡ ናብቲ ማእከል ዑደት ዝገብር ጉጀለ ባዕሉ ክመርሕ ምዃኑ ኣፍሊጡ ኣሎ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ራፋኤል ግሮሲ፡ "ኣብዚ ኣዝዩ ተለዋዋጢን መሰከፍን ኩነታት፡ ድሕነት ሓደ ካብቶም ዓበይቲ መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር ዓለምና ዝያዳ ኣብ ሓደጋ ከእቱ ዝኽእል ሓድሽ ስጉምቲ ከይውሰድ" ክብል ድማ ኣጠንቂቑ።

ፕረዚደንት ዩክሬን፡ ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብቲ ኣብ ለይቲ ዘስመዖ መደረ፡ መርመራ ክካየድ ምዃኑ ብሓጎስ ተቐቢሉ’ኳ እንተሎ፡ ዝርዝራት ጉዳያት ግን ገና ይስራሐሉ ከምዘሎ ገሊጹ።

“ሩስያ ኣብቲ ዙርያ ማእከል'ቲ መመነጨዊ እትገብሮ ዘላ ምትንዃይ እንተቐጺላ፡ ኣብዚ ሒዝናዮ ዘለና ክረምቲ፡ ኣብ ታሪኽ ንዝተፈላለያ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ኩሉ ግዜ ዘሕዝኑ ነገራት ክኸውን ይኽእል'ዩ" ክብል ሳዕቤኑ ገሊጹ።

ኪቭ፡ ሩስያ ነቲ ማእከል ናብ መዓስክር ሰራዊት ከም ዝቐየረቶ ትዛረብ ኮይና፡ ወተሃደራዊ መሳርሒታት፡ ኣጽዋርን ኣስታት 500 ወተሃደራትን ብምውፋር ነቲ ቦታ ከም ዋልታ ተጠቒሞም ኣብ ስግር ሩባ ድኒፐር ንዝርከባ ከተማታት መጥቃዕቲ ይገብሩ ኣለዉ-ትብል።

ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ድማ፡ ኣብ ከባቢ እቲ ማእከል ዝርከብ ከባቢ ኣብ ትሕቲ ከቢድ ተኹሲ መዳፍዕ ኣትዩ፡ ኪየቭን ሞስኮን በቲ መጥቃዕቲ ነንሕድሕደን ይወቓቕሳ ኣለዋ።

ሰበ ስልጣን ዩክሬን፡ ሓይልታት ሞስኮ ኣብ ስግር እቲ ሩባ ካብቲ ማእከል፡ ኣብ እትርከብ ከተማ ማርሃኔትስ ኣርባዕተ ሰላማውያን ሰባት ከምዘቑሰሉ ብምኽሳስ፡ ኣብ'ቲ ከባቢ ድማ ቶኽሲ ከምዝቐጸለ ገሊጾም።

ኣብ'ቲ ከባቢ ሓሙሽተ ኣባይቲ እውን ከምዝዓነዩ፡ ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ቫለንቲን ረዝኒቸንኮ ብቴሌግራም ሓቢሩ።

ሰበ ስልጣን ሩስያ፡ ነቶም ዝመጽኡ ሰብ ሞያ ጉጅለ ተቖጻጸርቲ ንምርካብ ገለ ድልውነት እኳ እንተ ኣርኣዩ፡ ካብቲ ቦታ ወተሃደራዊ ሓይሊ ንምውጋድ ዝቐረበ ኣህጉራዊ ጠለባት ብግልጺ ነጺጎሞ ኣለዉ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሩስያ ዩክሬን ኣብ መመንጨዊ ሓይሊ ኒዩክለር ዛፖሪዥዥያ ትፍጽሞ ኣላ ዝበለቶ 'ውዲት' ፡ ብዝርዝር ዝገልጽ ደብዳበ ናብ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣቕሪባ።

ልኡኽ ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዩክሬናውያን "ኣብቲ ማእከል ንእሽቶ ሓደጋ" ከስዕቡ ከምዝደልዩን፡ እዚ ድማ ሐደገኛ ጨረር ክወጽእ ምግባር ከምዝኾነን፡ ሩስያ ብ"ኒዩክለራዊ ግብረሽበራ" ገበነኛ ንምግባር ዝዓለም ከምዝዀነን ከሲሱ።

እቲ ደብዳበ፡ ወተሃደራት ሩስያ ኣብቲ ቦታ ኣጽዋር ይዕቅቡ ኣለዉ ዝብል ክሲ'ውን ነጺጉ።

ዩክሬናውያን ነቲ ማእከል መልሐሚ ኑክሌር ብከቢድ ብረት ክሃርምዎ ጸኒሖም ዝብል ክሲ ድማ ደጊሙ።

ብኻልእ ሸነኽ፡ ዋሽንግተን፡ ንዩክሬን ዝውዕል፡ ሓድሽ ናይ 775 ሚልዮን ዶላር ፓኬጅ ናውቲ ኣጽዋር ኣቕሪባ ኣላ።

እቲ ምወላ፡ ንነዊሕ ርሕቀት ዝውንጨፋ ሮኬት፡ ንመዳፍዕ ዝኸውን ተተኮስቲ፡ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ምክትታልን ጸረ-ታንክ ሚሳይላትን ዘካትት እዩ።

ማዕከን ዜና ሮይተርስ፡ ዝጠቐሶ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ምክልኻል ኣሜሪካ ከምዝሓበሮ፡ እቲ ፓኬጅ ንመጀመርታ ግዜ ነተጉቲ ጸረ-ነተጉቲ ተሽከርከርቲ እውን ክሕዝ እዩ።

ዩክሬን፡ ኣንጻር ወራር ሩስያ እትገብሮ ውግእ፡ ካብ ምዕራባውያን መሻርኽታ ኣብ ዝቐርበላ ቀረብ ኣጽዋር ዝተመርኮሰ እዩ።