ኑክሌራዊ መመንጨዊ ጸዓት ዩክረይን ዳግማይ ብምድብዳቡ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ

ሩስያ ነቲ ኑክሌራዊ መመንጨዊ ጸዓት ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ተቖጻጺራቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ኣብ ዩክረይን ዝርከብ ኑክሌራዊ መመንጨዊ ጸዓት ዛፖሪዚያ ዳግማይ ደብዳብ ከምእተካየዶ ጸብጻባት ክሕብሩ እንከለው፡ ብዛዕባ እቲ መጥቃዕቲ፡ ዩክረይንን ሩስያን ንሓድሕደን ይካሰሳ ኣለዋ። 

ቤት ጽሕፈትን ክፍሊ ባርዕን ናይቲ ኣብ ኣውሮጳ ዝዓበየ መደበር ጸዓት ትማሊ ሓሙስ 10 ጊዜ ከም ዝተሃረመ ክልቲአን ሃገራት ገሊጸን። 

ሓላፊ ትካል ምቁጽጻር ኑክሌር ሕቡራት ሃገራት፡ ራፋኤል ግሮሲ፡ ኣብቲ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ብዛዕባ እቲ ጉዳይ ንምዝርራብ ዝጸውዖ ኣኼባ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ከቢድ ሰዓት” ክብል ኣጠንቂቑ። 

ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረስ ብወገኑ “ናብ ዕንወት ከምርሕ” ከም ዝኽእል ተዛሪቡ። 

ቻይናን ኣሜሪካን፡ ክኢላታት ሕቡራት ሃገራት ብቕልጡፍ ነቲ ትካል ክበጽሑ ጸዊዐን። እንተኾነ ቅድሚ ሕጂ ዝቐረበ ተመሳሳሊ ጠለብ ዛጊት ኣይተተግበረን። 

“ኣብ ጥቓ ኑክሌራዊ ትካል ኲናት ምክያድ ሓደገኛን ዘይሓላፍነታውን እዩ” ዝበለት ኣመሪካ ኣቐዲማ ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ካብ ሰራዊት ነጻ ዝኾነ ዞባ ክምስረት ጸዊዓ ምንባራ ኣፈኛ ጉዳያት ወጻኢ ኣሜሪካ ሓቢሩ። 

እንተኾነ፡ ወኪል ሩስያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት፡ ካብ ሰራዊት ነጻ ምግባር ነቲ ትካል ንዝያዳ “ምትዅታዅን ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕትን” ዘቃልዕ ምዃኑ ብምግላጽ ኣማራጺ ከም ዘይኮነ ገሊጹ። 

ኣብ ማእከላይ ዩክረይን ዝርከብ እቲ መደበር ጸዓትን ከባቢኡን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ደብዳባት ክፍጸሞ እንከሎ፡ በቲ መጥቃዕቲ ሩስያን ዩክረይንን ንሓድሕደን ይካሰሳ። 

ዩክረይን፡ ሩስያ ነቲ መደበር ወተሃደራዊ መዓስከር ከምዝቐየረቶን ሓይልታት ዩክረይን ናብኡ ገጾም ኣይክትኩሱን እዮም ብዝብል ካብኡ መጥቃዕትታት ከምእትፍጽም ትኸስስ። 

ሞስኮ ግና ነቲ ክሲ ትነጽጎ። 

ትካል ኒዩክሌር ዩክሬይን ኤነርሆኣቶም ብሓሙስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ “ሩስያውያን ወረርቲ ዳግማይ ንዛፖሪዚያን ኣብ ጥቓ እቲ ኑክሌራዊ መደበር ዝርከብ ከባቢታትን ደብዲቦም” ኢሉ። 

በቲ ደብዳብ ሓደ ቤት ጽሕፈት ክህረም እንከሎ ብርክት ዝበሉ መለክዒታት ጸርጊ ከም ዝዓነውን ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ሳዕሪ ከም ዝተቓጸለን ኣብ ሰብ ግና ዝበጽሐ ጉድኣት ከም ዘይነበረ’ውን ሓቢሩ። 

ኣብ ከባቢ እቲ ትካል ዝርከብ መከላኸሊ ባርዕ ሓዊ’ውን ዕላማ እቲ መጥቃዕቲ ከም ዝነበረ ኤነርሆኣቶም ገሊጹ። 

ብሰንኪ እቲ ደብዳብ፡ ነቶም ኣብ ስራሕ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ምቅይያር ከም ዘይተኻእለን ኪንዮ ሰዓታቶም ክሰርሑ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ። 

ኣብዚ እዋን ግና እቲ ኩነታት ኣብ ቁጽጽር ኣትዩ ከም ዘሎ ኤነርሆኣቶም ሓቢሩ።