ጓል መሻርኽቲ ፑቲን ዝዀነት ዳርያ ዱጊና ኣብ ሞስኮ ብነታጒ ተቐቲላ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ጓል ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን ኣብ መኪና ብዝተፃወደ ቦምባ ከም ዝኾነ ብዝተጠርጠረ መጥቃዕቲ ተቐቲላ።
ጓል 29 ዓመት ዳርያ ዱጂና ካብ ሞስኮ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብዘጋጠመ ፍንጀራ ከም ዝሞተት ኮሚቴ መርመራ ሩስያ ኣፍሊጡ።
እቲ "ሓንጐል ፑቲን" ተባሂሉ ዝፍለጥ ኣቡኣ ሩስያዊ ፈላስፋ ኣሌክሳንደር ዱጊን ዒላማ ናይቲ መጥቃዕቲ ነይሩ ክኸውን ከም ዝኽእል ይግመት።
ብሕሉፍ ስነ-ሓሳብ ሃገራውነት ዝፍለጥ ዱጊን ምስ ፕረዚደንት ሩስያ ዝጠበቐ ምሕዝነት ከም ዘለዎ ይእመን።
ኣሌክሳንደር ዱጊ ምስ ጓሉ ብቐዳም ምሸት ኣብቲ ኣብ ጥቓ ሞስኮ ዝተኻየደን እቲ ፈላስፋ ኣስተምህሮ ዝሃበሉን ፈስቲቫል ተረኺቦም ነይሮም።
እቲ "ትውፊታዊ" ፌስቲቫል፡ ንኣፍቀርቲ ስነ-ጥበብ ብዝብል ዝዳሎ ስድራቤታዊ ፍጻመ ከም ዝኾነ ዝገልጽ ኮይኑ፡ኣብቲ ሓደ እዋን ሩስያዊ ገጣሚ ኣሌክሳንደር ፑሽኪን ዝነብረሉ ዝነበረ ዛካሮቮ ዝብሃል መንበሪ እዩ ዝካየድ።
ኣቦን ጓልን ካብቲ ቦታ ብሓንቲ መኪና ክወጹ ትፅቢት ዝግበር እኳ እንተነበረ ዱጊን ግን ኣብ ናይ መወዳእታ ደቒቕ ነንበይኖም ክጓዓዙ ወሲኑ።
ኣብ ቴሌግራም ዝተዘርግሐ ቪድዮ፡ ኣገልግሎት ህጹጽ ረድኤት ናብታ ትነድድ ዝነበረት ስብርባር መኪና ክበጽሑ ከለዉ ዱጊን ኣብ ስንባደ ኰይኑ የርእይ።
ነታ መኪና እትዝውራ ዝነበረት ዳርያ ዱጊና ኣብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ሽዑ ከም ዝሞተት መርመርቲ ኣረጋጊጾም።
ኣብ ትሕቲ እታ መኪና ዝተፃወደ ነታጒ ከም ዝተፈንጀረን ብባርዕ ከም ዝነደደትን ዝተገለፀ ኰይኑ፤ ክኢላታት መርመራ ኣስከሬንን ነታጒን ምፅራይ የካይዱ ከም ዘለዉ ተፈሊጡ።
ዩክሬይን ኣብቲ ፍጻመ ኢድ ኣለዋ ንዝብል ክሲ ሓደ ዩክሬናዊ በዓል ስልጣን ነጺግዎ’ሎ።
ኣማኻሪ ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ሚካይሎ ፖዶልያክ፡ "ዩክሬን ብርግጽ ምስዚ ዝኾነ ይኹን ርክብ የብላን። ምኽንያቱ ንሕና ከም ፌደሬሽን ሩስያ ገበነኛ ሃገር ኣይኰንናን" ኢሉ።
ወሃቢት ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሩስያ ማርያ ዛካሮቫ ኣብ ቴሌግራም ኣብ ዝዘርግሓቶ ጽሑፍ፡ [እቲ መጥቃዕቲ] ምስ ዩክሬይን ምትእስሳር ከም ዘለዎ እንተተረጋጊፁ ከም "መንግስታዊ ግብረሽበራ" ከም ዝውሰድ ኣፍሊጣ።

ኣሌክሳንደር ዱጊን በዓል ስልጣን መንግስቲ እኳ እንተዘይኰነ፡ ኣብ ፖለቲካ ሩስያ ግን ዝፍለጥ ሰብ እዩ።
ጸረ ምዕራባውያን ዝኾነ ሕሉፍ ሃገራውነት ፍልስፍናኡ ኣብ ሩስያ ዓብላሊ ፖለቲካዊ ስነ-ሓሳብ ካብ ምዃኑ ብዝሰገረ፡ ንናይ ፕረዚደንት ፑቲን ተስፋሕፋሓይ ፖሊሲ ወጻኢ ኣብ ምቕራጽ ሓጊዙ እዩ።
ኣሌክሳንደር ዱጊን ኣብ መንግስቲ ወግዓዊ ስልጣን እኳ እንተዘይሓዘ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ ፕረዚደንት ሩስያ ምዃኑ ይእመን፤ "ርእሲ ፑቲን" ክሳብ ዝብል መፀውዒ’ውን ተዋሂብዎ’ሎ።
ጓሉ ዳርያ ዱጊና እውን ንወራር ዩክሬይን እትድግፍ ፍልጥቲ ጋዜጠኛ እያ ነይራ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ብሰበስልጣን ኣሜሪካን ዓባይ ብሪጣንያን እገዳ ከም ዝተገበረላ ይፍለጥ።
ናይዚ ምኽንያት ድማ ብዛዕባ ወራር ሩስያ ብኢንተርነት "ግጉይ ሓበሬታ" ዘርጊሓ ዝብል ክሲ እዩ።

ምንጪ ስእሊ, INVESTIGATIVE COMMITTEE OF THE RUSSIAN FEDERATION
ኣብ ወርሒ ግንቦት፡ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መሕትት ድማ "ግጭት ስልጣነታት" ክትብል ነቲ ኲናት ዝገለፀቶ ኮይና፡ ንሳን ኣቦኣን ዒላማ እገዳ ምዕራባውያን ምዃኖም ከምእትሕበን’ውን ሓቢራ ነይራ።
ኣሌክሳንደር ዱጊን ሩስያ ንክሪሚያ ክትጥቕልላ ከላ ተሳትፎ ነይርዎ ብዝብል ኣብ 2015 ብኣሜሪካ እገዳ ተገይሩሉ እዩ።
ጽሑፋቱ ኣብ ልዕሊ ፑቲን ዓሚቝ ጽልዋ ከም ዘለዎም ይዝረበሉ።
እዚ ፈላስፋ ከም ቀንዲ ሃንዳሲ ናይቲ ብብዙሓት ኣብ ክረምሊን ዝድገፍ ሓሉፍ ስነ-ሓሳብ ሃገራውነት ይቑጸር።
ዱጊን ሩስያ ኣብ ዓለማዊ መድረኽ ንነብሳ ብዝያዳ ብዓመጽ ክተጉልህ ንዓመታት ካብ ምጉስጓሱ ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ልዕሊ ዩክሬን ዝተወሰደ ወተሃደራዊ ስጉምቲ እውን ደጊፉ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







